ቅልውላው ሱዳን፡ ዲፕሎማሰኛታትን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ይወጹ ኣለዉ

ዲፕሎማሰኛታትን ወጻእተኛታት ዜጋታትን ይወጹ ኣለው

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ካርቱም ሓያል ውግእ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሓያሎ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታተንን ዜጋታተንን ካብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ኣውጺአን።

ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ካብታ ሃገር ዲፕሎማሰኛታተን ብነፋሪት ከምዘውጽኣ ትማሊ ሰንበት ኣፍሊጠን።

ፈረንሳ፡ ጀርመን ኢጣልያን ካልኦት ሃገራትን ካብ ሰንበት ጀሚረን ዜጋታተን ንምውጻእ ይጽዕራ ከምዘለዋ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ኣብ መንጎ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን፡ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ መላእ ሃገር ሓያል ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።

ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ትማሊ ሰንበት ንግሆ፡ ብሰለስተ ቺኑክ ሄሊኮፕተራት "ቅልጡፍን ጽሩይን" ዝበልዎ ስርሒት፡ ኣስታት 100 ሰባት ከምዘሰጋገሩ ገሊጾም።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ካርቱም ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኤምባሲ ኣሜሪካ ተዓጽዩ ከምዘሎ እቲ ኤምባሲ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ትዊተሩ ብምሕባር፡ መንግስቲ ንውልቃውያን ዜጋታት ኣሜሪካ ከውጽእ ውሑስ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ "ዝተሓላለኸን ቅልጡፍን" ተባሂሉ ብዝተገልጸ ስርሒት፡ ዲፕሎማሰኛታት ብሪጣንያን ስድራ ቤታቶምን ካብታ ሃገር ብነፋሪት ኣውጺኡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጄምስ ክለቨርሊ፡ ነቶም ኣብ ሱዳን ዝተረፉ ዜጋታት ብሪጣንያ ንምውጻእ ዝሕግዝ ኣማራጺታት "ኣዝዩ ድሩት" እዩ ክብል ተዛሪቡ።

ካልኦት ሓያሎ ሃገራት ድማ ትማሊ ሰንበት ናይ ምውጻእ ስርሒታት የካይዳ ነይረን።

  • ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ትማሊ ሰንበት ዜጋታት ፈረንሳን ካልኦትን ዝጸዓነት ነፋሪት ናብ ጅቡቲ ከምዝኣተወት ኣረጋጊጹ።
  • ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ሆላንድ፡ ብነፋሪት ፈረንሳ ካብ ካርቱም ወጺኦም፡ ሆላንድ ድማ ሰንበት ምሸት ተወሳኺ ዜጋታት ብነፈርቲ ከተውጽእ ተስፋ ገይራ’ላ።
  • ዜጋታታ ንምውጻእ ኣብ መስርሕ ትርከብ ጀርመን፡ ፈላመይቲ ወተሃደራዊት ነፋሪታ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ካርቱም ከምዝዓለበት ሓቢራ።
  • ስርሒት ምውጻእ ዜጋታት ኢጣልያ’ውን ተጀሚሩ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ካልኦት ሃገራት እውን፡ ትማሊ ሰንበት፡ ንዜጋታተን ካብቲ ቦታ ብዓወት ከምዘውጽኣ ይፍለጥ። መብዛሕትኦም ዜጋታት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ከምኡ’ውን ግብጺ፡ ፓኪስታንን ካናዳን ዝዀኑ ልዕሊ 150 ሰባት ብባሕሪ ናብ ወደብ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ኣትዮም ኣለው።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ዝርግሐ ኢንተርነት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቛረጸ፡ እዚ ድማ ነቶም ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ተዓጽዮም ዘለዉ ሓገዝ ንምውህሃድ ብኸቢድ ክዕንቅፍ ከምዝኽእል ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ናይ ስልጣን ቅልስ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ከቢድ ደብዳብ ስለዘኸተለ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣሽሓት ድማ ቆሲሎም ኣለው።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን ዝመጽኡ ካልኦት ብዙሓት ወጻእተኛታት ተመሃሮ ኣብታ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ካርቱም ተዓጽዮም ኣለዉ።

ኣብ ካርቱምን ካልእ ቦታታትን ብሰንኪ ተዅስን ቦምባታትን፡ ዳርጋ መብዛሕትኡ ህዝቢ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ውሑስ ተበጻሕነት መግብን ማይን ተቘሪጽዎም ኣሎ።

ክልቲኦም ወገናት ዝተሰማምዑሉ ዝመስሉ፡ ሓያሎ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዕሽሽ ተባሂሎም እዮም። ነቲ ካብ ዓርቢ ዝጀመረ በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ንምኽባር ንሰለስተ መዓልታት ዝተበጽሐ ስምምዕ እውን ተጣሒሱ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብሰንኪ እቲ ውግእ ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝሞቱን ኣሽሓት ከምዝቘሰሉን ይገልጽ።

መብዛሕትአን ሆስፒታላት እታ ከተማ በቲ ውግእ ክዕጸዋ ስለዝተገደዳ፡ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ክብ ክብል ከምዝኽእል ይግመት።