እዋናዊ ምዕባለታት ቅልውላው ሱዳን፡ ስግኣት 'ባይሎጂካዊ ሓደጋ' ኣብ ካርቱም

ምንጪ ስእሊ, ROYAL NAVY/MARK JOHNSON HANDOUT/EPA-EFE/REX/Shutterstock
ዋላ'ኳ ድምጺ መዳፍዓትን ተዂሲን እንተ ተሰምዐ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ትማሊ ሰኑይ ዝኣተውዎ ን72 ሰዓታት ዝጸንሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ጸኒዑ'ሎ።
ብሰሉስ ርእሰከተማ ካርቱም ቅድሚ ቀትሪ ሃዲኣ'ኳ እንተነበረት፡ ጸኒሑ ኣብ ከባቢ ኦምዱርማን ዝተሰምዐ ድምጺ ተዂሲ ግን ሻቕሎት ምፍጣሩ ኣይተረፈን።
ኣብታ ተዛማዲ ህድኣት ረኺባ ዝወዓለት ከተማ ኣገልግሎት ባንኪን ኢንተርነትን ክሰርሕ ከምዝጀመረን፡ ነበርታ ገንዘብ ብምውጻእ ከዓደድጉ ከምዝተራእዩን ጸብጻባት ዜና ሓቢሮም።
ማይ'ውን ኣብ ገለ ከቢታት ናብ ንቡር ተመሊሱ ከምዝውዓለ ገለ ነበርቲ ኣረገጊጾም።
ኣብቲ ካልኣይ ሰሙኑ ሒዙ ዘሎ ግጭት ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 450 ሰበት ከምዝሞቱ ይግለጽ።
ሃገራት ወጻኢ ዜጋታተን ንምውጻእ ዝጀመርኦ ስርሒታት ሎሚ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ።
ሓደጋ 'ባይሎጂካዊ' ብከላ ኣብ ካርቱም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካብ ሓደ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቤተፈተነ (ላቦራቶሪ) "ባይሎጂካዊ ሓደጋ" ከጋጥም ከምዝእኽእል ኣጠንቂቑ።
እቲ 'ፓቶጂንስ' (ሕማማት ከስዕብ ዝኽእል ህዋስ) ዝኸዘነ ላቦራቶሪ ስነህይወታዊ (ባዮሎጂካዊ) ምረዛ ከስዕብ ተኽእሎ ከምዘለዎ'ዩ እቲ ውድብ ዝሕብር።
እቲ ውድብ ብሰሉስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤተፈተነ ብሰንኪ'ቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ናብቲ ትካል ክኸዱ ከምዘይክኣሉን፡ ኩነታቱ ብንጹር ክፍለጥ ስለዘይተኻእለን ሻቕሎት ከምዘለዎም ገሊጹ።
ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ'ውን ኣብ ዕቃበ ናይቲ ተኣፋፊ ንብረት ጽልዋ ከምዘለዎ ጠቒሱ።
እቲ ተነቃፊ ንብረት ናይ ንፍዮ (ሚዝልስ) ከምኡ'ውን ሸሮኽ (ኮለርያ) ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
እቲ ላቦራቶሪ ኣብ ኣብቲ ጽዕጹዕ ውግእ ክካየደሉ ዝቐነየ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከብ ከባቢታት ማእከል ከተማ ካርቱም ምህላዉ ንስግኣት ክኢላታት ጥዕና ኣዛይድዎ ኣሎ።
ወጻእተኛታት ናይ ምግዓዝ ስርሒታት ይቕጽል

ምንጪ ስእሊ, @MEAIndia / Twitter / India's Ministry of External Affairs
ብዙሓት ሃገራት ዓለም ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምምዝማዝ ኣባላት ኤምባሲታተንን ዜጋታተንን ንምውጻእ ላዕልን ታሕትን ይብላ ኣለዋ።
ብመሬት፡ ባሕርን ኣየርን ናይ ምግዓዝ ስርሒታት ሰሉስ'ውን ብዝለዓለ መጠን ቀጺሉ ውዒሉ።
ኢትዮጵያ ትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን'ውን ኣሰር ምዕራባውያን መዘናታተን ብምስዓብ ዜጋታተን ኣብ ምውጻእ ተጸሚደን ኣለዋ።
ደንጉያ ስርሒታት ምውጻእ ዜጋታት ዝጀመረት ብሪጣንያ፡ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ብምስዳድ ሰባ ኣብ ምግዓዝ ትርከብ።
ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝተፈጥረ ግጭት ብውሕዱ ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተቐትሉን እቲ ኤምባሲ ንባዕሉ ጉድኣት ከምዝወረዶን ሓደ ዲፕሎማሰኛ እታ ሃገር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ዜጋታቶም ካብ ካርቱም ናብ መደኒን፡ ገዳርፍን ገልባትን ናብ ዝበሃላ ከተማታት ብኣውቶቡስ 550 ኪሎ ሜተር የግዕዙ ከምዘለዉ ኣባል ክፍሊ ዲያስፖራ እቲ ኤምባሲ ኣቶ ናጂብ ዓብደላ ገሊጹ።
ቁጽሪ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሱዳን ልዑል ምዃኑ ዘዘኻኽር ኣቶ ናጂብ፡ ካብ ሱዳን ክወጹ ዝደልዩ ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት ብምዃኖም፡ እቲ ዜጋታት ናይ ምውጻእ ዕማም ቀሊል ከም ዘይኸውን ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ብዙሓት ካብ ካርቱም ናብ ከሰላ ዝሃደሙ ኤርትራውያን ከሰላ ቅድሚ ምእታዎም፡ እናተፈለዩ ኣብ ዶብ ኤርትራ ናብ እትርከብ ኣርባዕታዓሸር እትበሃል ንእሽቶ ከተማ የብጽሕዎም ከም ዘለዉ ቢቢሲ ካብ ሱዳን፡ ካብ ኤርትራን ኣብ ኣውሮጳን ካብ ዘለዉ ቤተሰብን ዝረኸቦ ሓበሬታ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሃገረ ጂቡቲ ብወጻእተኛታትን ነፈርትን ተዕለቕልቕ
እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነኣሰት ሃገረ ጂቡቲ፡ ምዕራባውያን ካብ ሱዳን ዜጋታቶምን ዲፕሎማሰኛታቶምን ዘውጽኡላ ዘለዉ ውሕስቲ ሃገር ኮይና ተገልግል ኣላ።
ሓያለ ሃገራት ዓለም ኣብታ ስትራተጂካዊት ሃገር ወተሃደራዊ መዓስከራት ከምዘለወን ይፍለጥ።
ፈረንሳ፡ ኣመሪካን ቻይናን ንዓመታት ዝጸንሐ ዓበይቲ መዓስከራት ስለዘለወን፡ ኣብ ምውጻእ ዜጋታተን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ።
ካልኦት ሃገራት'ውን ብባሕሪ ናብ ስዑዳዊት ወደብ ጅዳ፡ ከምኡ'ውን ብነፈርቲ ናብ ዓማን ዮርዳኖስ ሰበን የግዕዛ ኣለዋ።
ብዓበይቲ ኣውቶቡሳት ናብ ግብጺ ዘምርሑ'ውን ኣብ ዶባት ነዊሕ መስርዕ ኣስዒቡ'ሎ።
ደቡብ ሱዳን'ውን ስደተኛታት ዝርከብዎም ኣሽሓት ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ሰበት ተቐቢላ ኣላ።
ካብቲ ብቐደሙ'ውን ምርግጋእ ዝተሓረሞ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር'ውን ኣሽሓት ሱዳናውያን ሃዲሞም ናብ ጎረቤት ጫድ ኣትዮም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







