መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ካልኣይ ዙርያ ዘተ ጀሚሮም

ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቕ ጕጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ሰላም ኣብ ታንዛንያ ተጀሚሩ ከምዘሎ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቲ ዝርርብ ካብ ክልቲኡ ወገን ወከልቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ዝተረኽብሉ ይካየድ ምስዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ደሴት ዛንዚባር ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙርያ ዘተ፡ ውድብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)፡ ኣመሪካ፡ ኖርወይን ኬንያን ኣተሓባበርቲ ምንባረን ዝዝከር እዩ።
ነዚ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ዝርርብ መን ብመንጐኝነት ይመርሖ ከምዘሎ ዛጊት ዝነጸረ ሓበሬታ’ኳ እንተዘየለ፡ ኢጋድ ግን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ተራ ዳግማይ ክቕጽሎ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ።
ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ዘተ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን።
ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዛንዚባር ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙርያ ዘተ ክልቲኦም ወገናት፡ ብዘይጭቡጥ ፍረ ከምዘተበተነ ኣይርሳዕን።
እቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዛንዚባር ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙርያ ዝርርብ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ክልቲኦም በብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ገለ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘይተኻእለ ኣፍሊጦም ነይሮም።
ይዅን እምበር ክልቲኦም፡ ኣብቲ እዋን እቲ ቀዳማይ ዙርያ ዝርርብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣፍሊጦም ነይሮም።
ብፍላይ ድሕሪ ቀዳማይ ዙር ዘተ ኣብ ዝተዘርግሐ መግለጺ መንግስቲ ፈደራል እቲ ዘተ ብዝበዝሐ ሸነኹ ሃናጺ ምንባሩ ጠቒሱ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ዝርርብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቶም ቀንዲ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዝበሎም ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘይከኣለ ኣመልኪቱ።
መንግስቲ ፈደራልን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን እቲ ዝርርብ ብዘይ ውጽኢት ዝተዛዘመሉ ምኽንያት ብወግዒ እኳ እንተዘይገለጹ፡ ካብቶም ዘይተሰማምዑሎም ጉዳያት ሓደ ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም ምዃኑ ቢቢሲ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብዝረከቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ ነይሩ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን ካልኦት ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ዘጠቓለለ ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ሕቶ ከምዘቕረበ ቢቢሲ ካብ ተሳተፍቲ ኣረጋጊጹ።
እዚ ጉዳይ ምቛም ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ብተዛተይቲ ፈደራል መንግስቲ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ኣብቲ ኬንያን ኖርወይን ብመንጐኛነት ዝተሳተፋኦ ቀዳማይ ዙርያ ዝርርብ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ካብ ዝመጹ ሽዱሽተ ልኡኻትን ኣብ ደቡብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ክልተ ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ተወኪሉ ነይሩ።
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ፍትሒ ጊዴዎን ጤሞቴዎስን ተረኺቦም ምንባሮም ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







