“ዝሞተ’ዩ መሰሊኑ ነይሩ” ግዳይ ጅሆ ሓማስ

ኣፍቃሪኣ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ዝኣመነት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝራኸቡ ብምግንዛባ ከምዝተሓጎሰት ተዛሪባ።
ኪቲያ ቱኤንግሳንግ ንኣፍቃሪኣ ዊቻይ ካላፓት ኣብ ቴሌቭዥን ምስልታት ናይቶም ብዓርቢ ካብ ቓዛ ዝተፈትሑ 10 ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ታይላንዳውያን ከምዘለለየቶ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ዊቻይ ካብቶም ኣብ ወራር ሓማስ ዝተቐትሉ ዜጋታት ታይላንድ ከይኸውን ተሰጊኡ ነይሩ።
ኣፍቃሪኣ ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ወጻእተኛታት ሓደ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ከምዝኾነ ገሊጻ።
ሓማስ 7 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምስፈጸመ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ኪትያ እቲ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሐ ኣፍቃሪኣ ካብቶም ብውሕዱ 30 ዜጋታት ታይላንድ ዝተቐትሉ ሓደ ክኸውን ከምዝኽእል ዝነግር ኣሰንባዲ ሓበሬታ ተነጊርዋ።
ንሳ፡ ካብታ ብስራሕ ዝተጓዕዘላ እስራኤል ምስ ተመልሰ ንዓመታ ክትምርዓዎ ዝሓሰበቶ ዓርካ ከምዝስኣነቶ ዘስምዕ መልእኽታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምዝርጋሕ ሓዘና ገሊጻ ነይራ እያ።
ምፍታሕ ዜጋታት ታይላንድ ካብቲ ብመንጎኝነት ቀጠር ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተገበረ ስምምዕ ወጻኢ ከምዝኾነ ዝተገለጸ ኮይኑ ቁጽሪ ካብ ጅሆ ሓማስ ሓራ ዝወጽኡ ታይላንዳውያን 12 ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ታይላንድ ሓራ ዝወጹ ዜጋታታ ናብ ሆስፒታል እስራኤል ድሕሪ ምስግጋሮም ን48 ሰዓታት ምስ ኣዝማዶም እንከይተራኽቡ ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ክጸንሑ ምዃኖም ገሊጹ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቶም ዝተፈትሑ ዜጋታት ታይላንድን ስድራቤቶምን ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ከምዝሰደደሎምን፡ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝከኣሎ ኩሉ ከምዝገብርን ኣፍሊጡ።

ወግዓዊ ዝርዝር ናይቶም ዝሞቱ ምስ ተዘርግሐ፡ ስም ዊቻይ ኣብኡ ኣይነበረን።
ኪትያ ድሕሪ እቲ ኣሻቓሊ ግዜ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ካብቶም ኣብ ውሽጢ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ 26 ዜጋታት ታይላንድ ምዃኑ ከምዘጣለለት ገሊጻ።
ካብ ዶብ ናብ ሓደ ሆስፒታል እስራኤል ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ኣሳፊራ ኣብ እትጉዓዝ መኪና ምስረኣየቶ ንቢቢሲ ሓሳባ ዝሃበት ኪትያ፡ “ኣዝየ ተሓጕሰ ኣለኹ፡ ምኽንያቱ ካብቶም ዘይተፈትሑ ከይኸውን ፈሪሔ ስለዝነበርኩ” ኢላ።
"ቅድም ካብ ዝኾነ ክህልዎ ዝኽእል ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ክሓዊ፡ ድሕሪኡ ናብ ታይላንድ ክምለስ እደሊ።" ዝበለት ኪትያ "ነዊሕ ስለዝተጸበኹዎ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቁሩብ ክጽበ ይኽእል እየ።" ኢላ።
ብቐንዱ ኣብ ጽላት ሕርሻ እስራኤል ዝተዋፈሩ ኣስታት 30 ሽሕ ታይላንዳውያን ከምዘለዉ'ዩ ዝግለጽ።
ካልኦት ስድራቤታት ድማ መቕርባቶም ካብቶም ብዓርቢ ዝተፈትሑ እንተኾኑ ንምፍላጥ ከብዶም ሓቝፎም ይጽበዩ ኣለዉ።
ኣደ ወዲ 26 ዓመት ናታፖርን ኦንካው ዝኾነት ቶንግኩን ኦንካው፡ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ወዳ ዝተዘራረበትሉ፡ ንግሆ 7 ጥቅምቲ ምዃኑን፡ ምስ ኣዕሩኽቱ ኩዕሶ ክጻወት ኣብ ዝሓሰበሉ እዋን ከምዝነበረን ገሊጻ።
ንሳ፡ "ወደይ ካብቶም ቀዳሞት ዝፍትሑ እንተዝኸውን ጽቡቕ ነይሩ። ብስራት ዘይብሉ መሪር ወርሒ'ዩ ነይሩ።" ድማ ኢላ።
እታ ታይላንዳዊት ኣደ ኣስዒባ "ወደይን ካልኦት ጅሆ ዝተታሕዙ ታይላንዳውያንን ውሑስ ክኾኑ ሰናይ ትምኒተይ’ዩ። ዜጋታት ታይላንድ ንኽፍትሑ ጻዕሪ ንዝገበሩ ኩሎም ሰበ ስልጣናት የመስግኖም።" ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







