እስራኤል 39 ፍሊስጤማውያን እሱራት ፈቲሓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
39 ፍልስጤማውያን እሱራት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ተፈቲሖም። ዝተፈትሕሉ ምኽንያት ድማ ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንምልውዋጥ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
እቲ ስምምዕ ብመንጎኝነት ቀጠር ዝተፈጸመ ኮይኑ ንኣርባዕተ መዓልትታት ተጻብኦታት ምቁራጽ ዘጠቓልል እዩ።
ካብ ምድርባይ እምኒ ክሳብ ፈተነ ቅትለት ብዝኣመሰሉ ገበናት ተኸሲሶም ገሊኦም ተፈሪዶም ገሊኦም ድማ ፍርዲ ዝጽበዩ ዝነበሩ’ዮም።
24 ደቂ ኣንስትዮን 15 ሰገናት ደቂ ተባዕትዮን ዝርከብዎም እሱራት ኣብ ስግር መፈተሺ ነቑጣ በይቱንያ ከምዝተፈትሑን ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዝፍቀደሎምን ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ይሕብር።
እቶም እሱራት ካብቲ እስራኤል ዘዳለወቶ ዝርዝር 300 ደቂ ኣንስትዮን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ዝተመርጹ እዮም።
ካብቶም ኣብቲ ዝርዝር ዘለዉ ትሕቲ ርብዒ ፍርዲ ዝተውሃቦም ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝበዝሑ ድማ ፍርዲ ክወሃቦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለዉ’ዮም።
መብዛሕትኦም እቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰገናት ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ካብዚኦም እቶም 40 ምኢታዊት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም። ብተወሳኺ ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ጓል ኣነስተይትን 32 ደቂ ኣንስትዮን ከምዝርከበኦም ተሓቢሩ።
ፍልስጤማውያን መናእሰይ ቅድም ኢሉ ኣብ ኬላ ቤይቱንያ ምስቲ ኣብ ቅድሚኦም ተሰሪዑ ዝነበረ ሰራዊት እስራኤል ዝገጠሙ ኮይኖም፡ ሰራዊት እስራኤል ነቶም ተኣከብቲ፡ ንድሕሪት ንምድፋእ፡ ናይ ጎማ ጥይትን ዘንብዕ ጋዝን ተኲሱ።
ካብቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ መሓመድ ካቲብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል እንተቐጺሉን ቅትለት ደው እንተይሉን ንፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ናይ ተስፋ ምልክት'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
እቶም እሱራት ምስ ተፈትሑ፡ እታ እተጓዕዘቶም ዝነበረት ኣውቶቡስ ብሓጎስ ፍልስጤማውያን ደገፍቲ ተዓጂባ ክትሓልፍ ተራእያ።
ብመስኮት ገለ ካብቶም እሱራት ክስዕስዑ ዝተርኣዩ ኮይኖም ሓደ ካብኣቶም ብባንዴራ ፍልስጤም ተጠቕሊሉ ይርአ።
ውሑዳት ካብቶም ተኣኪቦም ዝነበረ ባንዴራ ሓማስ ከወዛውዙ እንከለዉ ካልኦት ግን ብዛዕባ ሓድነት ፍልስጤም ይዛረቡ ነይሮም።
እቶም ዝተፈትሑ እሱራት ንእስራኤል ናይ ጸጥታ ስግኣት ክኾኑ እንከለዉ ነቶም ኣብዚ ተኣኪቦም ዘለዉ ፍልስጤማውያን ግን ግዳያት ጎበጣ እስራኤል እዮም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ 24 ብመሰረት ስምምዕ ዕርቂ ተፈቲሖም ናብ እስራኤል ተመሊሶም ከምዝኣተዉ ተረጋጊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ብወገኑ ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ዜጋታት ታይላንድ ከምዝተፈትሑ ገሊጹ።
ምፍታሕ ዜጋታት ታይላንድ ካብቲ ብመንጎኝነት ቐጠር ዝተኻየደ ድርድር ዝተፈለየ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤልን ሓማስን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ካብ ዝነበሩ እቶም 50 ሰባት ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ይፍለጥ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ዝተኣስሩ 150 ፍልስጤማውያን ክፍትሑን ናብ ቓዛ ክኣቱ ዝፍቀድ ሰብኣዊ ሓገዝ ርኡይ ወሰኽ ክገብርን ከምዝግባእ ተሰማሚዖም።
ትማሊ ዓርቢ ኣስታት 60 ናውቲ ሕክምና፣ ነዳዲን መግብን ዝጸዓና ናይ ጽዕነት መካይን ካብ ግብጺ ናብ ቓዛ ከምዝተዋ ተፈሊጡ’ሎ።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ልዕሊ 200 ጅሆ ሒዙ 1200 ሰባት ድማ ከምዝቐተለ’ዩ ዝግለጽ።
ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ቁጽሪ ናይቶም ብዘይ ክሲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ዝተኣስሩ ፍልስጤማውያን ድሕሪ እቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣዕርዩ ከምዝወሰኸ ገሊጾም።
ሕጂ ልዕሊ 6 ሽሕ ፍልስጤማውያን ብጸጥታዊ ምኽንያት ብእስራኤል ተታሒዞም ከምዘለዉ ዝግመት ኮይኑ ብዙሓት ገና ፍርዲ ይጽበዩ ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







