እስራኤል-ቓዛ፡ ካብ ዘሕዝን ፍጻመታት ዝኸስቡ ዘለዉ ጸለውቲ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብቲ ዞባ ዝዀነ ክኢላዊ ፍልጠት ዘይብሎም ተጽዕኖ ፈጠርቲ፡ ግጉይ ሓበሬታ እናዘርግሑን ህቡብነቶም ናብ ገንዘብ እናለወጡን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተኸታተልቲ የፍርዩ ኣለዉ።
ሽፋን ኲናት እስራኤል-ቓዛ፡ ኣብ ኤክስ (ትዊተር) ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ተጽዕኖ ፈጠርቲ ብዝዝርግሕዎም ኣጋገይቲ፡ ወገናውን ስእላዊ ትሕዝቶታትን ተዓብሊሉ ጸኒሑ’ዩ። ንሳቶም ዝለጠፍዎም ትሕዝቶታት ኣብ መንጎ ተጠቀምቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ብብዝሒ ዝተራእዮምን ተዘርጊሖምን’ዮም።
እቶም ብዛዕባ’ቲ ዞባ ዝዀነ ክኢላዊ ፍልጠት ዘይብሎም ተጽዕኖ ፈጠርቲ፡ እዋናዊ ፍጻመታት ንምግላጽ ካብ ፋይል ዝተረኸቡ፡ ዝተሰንዑን ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝተፈጥሩን ግፍዕታት ሓማስ ዝኽሕዱ ምስልታት ተጠቒሞም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተኸታተልቲ ኣፍርዮም ኣለዉ።
ግጉይ ሓበሬታ ዘጽንዑ ክኢላታት ከም ዝብልዎ፡ እቶም ኣካውንታት መብዛሕትኡ ግዜ ተኹታዂን ቅኑዕ ዘይኰኑን ትሕዝቶታት ብምልጣፍ ነቶም ዘሕዝኑ ፍጻመታት ገንዘብ ንምርካብ ዘውዕልዎም ዘለዉ ይመስሉ። እዚ ድማ ብመንገዲ መደብ ምክፍፋል እቶት ኤክስ ንዝኸፍሉ ተጠቀምቲ ብምስሓብ ኣታዊታት ክረኽቡ ዝገብር’ዩ።
ካብ ንክሊማ ምጥባቕ ናብ ዘመተ ጸረ-እስራኤል
ካብቶም ሓደስቲ ፍሉጣት ተጽዕኖ ፈጠርቲ ወዲ 24 ዓመት ጃክሰን ሂንክል ኣብ ቅድሚት ይስራዕ። ንሱ፡ ንገዛእ ርእሱ "MAGA [Make America Great Again] communist" ወይ ድማ "ማጋ [ኣመሪካ ዳግማይ ዓባይ ንግበራ] ኮሚኒስት" ኢሉ ዝገልጽ ደጋፊ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን እዩ። "ማጋ" ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝተሰለፈ ምንቅስቓስ እዩ።
ወጥሪ ዓመጽ እስራኤል-ቓዛ ካብ ዝውስኽ ንደሓር ኣብ ዝነበረ ወርሒ፡ ናይ ጃክሰን ሂንክል ኣካውንት ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ፡ ናብ ክልተ ሚልዮን ሰዓብቲ በጺሑ። ብዛዕባ እቲ ግጭት ኣብ ኤክስ ካብ ዝለጠፉ ኩሎም ኣካውንታት ዝያዳ ተራእዩ፡ ትሕዝቶታቱ ዳግማይ ተለጢፉ ወይ ‘ሪትዊት’ ተገይሩ፡ ‘ላይክ’ን ግብረ መልስን ረኺቡ።
እዚ ዕብየት እዚ፡ ኣብቲ ክዝርግሖ ዝጸንሐ ዓይነትን ብዝሒን ትዊት ዝምርኰስ’ዩ። እዚ ማለት ውጽኢት ናይቲ ብቀጻሊ ዝውሕዙ ናይ ሓሶት ትሕዝቶታት ውጉኣት ህጻናትን ዝዓነዉ ኣባይትን ዘርእዩ ቪድዮታትን እዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ትሕዝቶታት ትዊተር ዘሰክፉን ዘቈጥዑን’ኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ክስሕቡን ብሰፊሑ ክዝርግሑን ተኽእሎ ኣሎ።
ሎጂካሊ ዝተባህለ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝጥቀም ኩባንያ ቴክኖሎጂ ዘካየዶ ትንታነ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ጽሑፋት ሂንክል ኣብ ኤክስ ልዕሊ 20 ሚልዮን ግዜ ከም ዝተኻፈሉ ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ ካብቶም ምስ ግጭት እስራኤል-ቓዛ ብዝተኣሳሰር ኣብ ኤክስ ዝያዳ ‘ሼር’ ዝተገበሩ ትሕዝቶታት፡ 75 ሚእታዊት ንሱ ዝጸሓፎም እዮም። እዚ ማለት 15 ካብ 20 ናቱ ትሕዝቶታት እዮም።
ሂንክል ኣብቲ ዓውዲ ክኢላ ኣይኰነን፤ ቅድሚ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ብዛዕባ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ሳሕቲ’ዩ ነይሩ ኣብ ትዊተር ዝጽሕፍ። ቅድሚ ሕጂ ድማ ዝያዳ ንኣከባቢ ብዝጣበቕን ንሩስያ ብዝድግፍን ኣረኣእያኡ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ። መንእሰይ ከሎ ተቓላሳይ ስነ-ህይወት እዩ ነይሩ፤ "ንምድሪ ከድሕኑ ዝሰርሑ ዘለዉ መንእሰያት ተጣበቕቲ ከባቢ" ኣብ ዝብል ዝርዝር መጽሔት ቲን ቮግ ተጠቒሱ’ዩ።
ንሱ፡ ንነብሱ ከም ‘ማጋ ኮሚኒስት’ ብምቑጻር፡ ብተደጋጋሚ ቁልፊ ሓሶታት ፕሮፖጋንዳ ክረምሊን ብምውዕዋዕ ኣብ ኢንተርነት ተፈላጥነት ክረክብ ክኢሉ። ንኣብነት፡ ዩክረይን ብናዚ’ያ ትግዛእ ዘላ፡ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ድማ ወልፊ ሓሽሽ ኣለዎ ዝብሉ ናይ ሓሶት ወረታት ይዝርግሕ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ስነ-ውርሻ (ጀነቲክስ) ናይ ሓሶት ሳይንስ ምዃኑ፡ ንስታሊን ከም ዘፍቅሮን ኣብ ሶርያ ንስርዓት ኣሳድ ከም ዝድግፍን ገሊጹ’ዩ።
ብድሕሪኡ ብ7 ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመ፡ ሂንክል ሃንደበት ተለዊጡ። መዓልታዊ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ጸረ እስራኤል ጽሑፋት ክዝርግሕ ድማ ጀሚሩ። ንሱ፡ ንእስራኤል ምስቶም ከም ግብረሽበራዊ ትካላት ዝጽውዑ እስላማዊ መንግስቲን ኣልቃዒዳን ማዕረ’ያ ዝብሉ ናይ ሕሶት ኣረኣእያታት ኣንጸባሪቑ።

ቢቢሲ ገምጊሙ ዘደናግር ወይ ዘይቅኑዕ ኰይኖም ዝረኸቦም ቪድዮታት፡ ስእልታትን ክሲታትን ኣካፊሉ። ኣብ ሓደ ትሕዝቶኡ፡ ቅድሚ ሕጂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዘርእይ ቪድዮ፡ ከም ኣብ ሶርያ ዝፍጸም ዘሎ እዋናዊ ኵነታት ገይሩ ኣቕሪቡዎ።
ካልእ ድማ፡ ብሃሬትዝ ዝተባህለት ሊበራላዊት እስራኤላዊት ጋዜጣ ዘካየደቶ መርመራ ብምጥቃስ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ መጥቃዕቲ ሓማስ ዝተቐተሉ፡ ከምቲ ዳሕረዋይ ወግዓዊ ሓበሬታ ዘመልክቶ ልዕሊ 1200 ዘይኰነስ 900 ከም ዝዀኑን ካብዚኦም ድማ ፍርቆም ወተሃደራት እስራኤል ምዃኖምን ከም ዘረጋገጸት ገሊጹ።
ሃሬትዝ ግን ከምዚ ዓይነት ዛንታ ኣሕቲማ ኣይትፈልጥን፤ እቲ ሂንክል ዝጸሓፎ ጽሑፍ "ግሁድ ሓሶት" ዝሓዘ ምዃኑን "ኣብ ጸብጻብ ሃሬትዝ ፍጹም ዝተመስረተ ከም ዘይኰነን" ዘብርህ መግለጺ ኣውጺኣ’ያ። እንተዀነ ግን፡ ትሕዝቶ ሂንክል ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኤክስ ኣሎ፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ግዜ ድማ ተራእዩ’ዩ።
ሂንክል፡ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ክሳብ ምኽሓድ በጺሑ’ዩ። እቶም ኣብ ፈስቲቫል ሱፐርኖቫ ዝተሳተፉ ሲቪላት ብዕጡቓት ሓማስ ከም ዘይተቐትሉን የግዳስ ምስቶም መንገዲ ዝዓጸዉ ፖሊስ እስራኤል ኣብ ዝነበረ ምልውዋጥ ተዅሲ "ብተሰጋጋሪ ተዅሲ" ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።
"ሓማስ በቲ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ ገበነኛ ኣይኰነን" ይብል እቲ ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ መድረኽ ተዘርጊሑ ዘሎ ትሕዝቶ ሂንክል።
እዚ ሓሶት እዩ፤ ቢቢሲ፡ ዕጡቓት ሓማስ ንዘይዓጠቑ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ክቐትሉ ዘርኢ ቪድዮ ኣረጋጊጹ’ዩ።
ሂንክል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ እቲ ግጭት "ሓቂ ይዛረብ" ከም ዘሎ ኣጽኒዑ ተዛሪቡ። ቅድሚ 7 ጥቅምቲ ብዛዕባ እስራኤል-ቓዛ ኣብ ትዊተር ሳሕቲ’ኳ ዝጠቐሰ እንተዀነ፡ ኣብ ካልኦት መድረኻት ግን ብዛዕባኡ ይጽሕፍ ከም ዝነበረ ገሊጹ።
"ካብ ዝዀነ ነገር ረብሓ ክረክብ ኣይደልን" ዝበለ ሂንክል "ብዛዕባ እዞም ወሳኒ ጉዳያት ካብ ምሕሳው ሓቂ ብምዝራብ መነባብሮኻ ምምራሕ ይሓይሽ" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።
ብዛዕባ እዚ ዞባ ዘለዎ ክኢላዊ ፍልጠት ብዝምልከት ምስ ተሓተተ ድማ፡ "እቶም ክኢላታትን ቀንዲ መራኸቢ ብዙሃንን ብሓቂ ክኢላታት ኣይኰኑን" ክብል ኣስሚሩ።
'እቶም ሓደስቲ ልሂቃን ’
ነዞም ሜላታት ዝጥቀም ዘሎ ተጽዕኖ ፈጣሪ ጃክሰን ሂንክል ጥራይ ኣይኰነን።
ማሪዮ ናውፋል፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጥዕናን መሳርሒታት ክሽነን ዘጠቓለለ ጻዕሪ ዝገበረ ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ በዓል ሃፍቲ ክሪፕቶካረንሲ እዩ። ኣብቲ መዳይ ዝፍለጥ ክእለት እኳ እንተዘይሃለዎ፡ ኣብ ጉዳይ ሩስያ ብዘለዎ ርድኢት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ደገፍ ኤሎን መስክ ረኺቡ'ዩ።
ናውፋል ኣብቲ ግጭት ንሓደ ወገን ዝድግፍ ኣይመስልን፡ እንተዀነ ግን ን1.1 ሚልዮን ተኸታተልቱ 24 ሰዓታት ዝህቦም ሓደስቲ ሓበሬታታት - መብዛሕትኡ ግዜ ብ "ሰበር" ወይ "ዜና" ወይ "ሕጂ ዝተረኸበ" ኢሎም ዝጅምሩ - ምንጪ ዝጎድሎም እዮም። ሓድሓደ ግዜ ድማ ዘደናግር ሓበሬታ ይደጋግም’ዩ። ኣብ ሶርያ ዝተተኮሰ ሮኬት ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ቓዛ ከም ዘጋጠመ ፍጻመ ገይሩ ኣቕሪቡ ነይሩ። እዚ ትሕዝቶ ግን ኣብ መወዳእታ ተደምሲሱ። ካልእ፡ ሓደ እስራኤላዊ ጀነራል ብሓማስ ተጨውዩ ዝብል ናይ ሓሶት ዜና ግን ክሳዕ ሕጂ ኣሎ፤ ልዕሊ 18 ሚልዮን ግዜ ድማ ተራእዩ’ዩ።
ናውፋል ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።

ቅድሚ ሕጂ ምስቲ ግጭት ርክብ ዘይነበሮም ኮሊን ራግን ዶም ካክርን (ትኽክለኛ ስሙ ዶሚኒክ ማክጊ) ዝተበሃሉ ክልተ የማናውያን ኣመሪካውያን ተጽዕኖ ፈጠርቲ እውን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዛዕባ እስራኤል-ቓዛ ኣብ ትዊተር ብምጽሓፍ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰዓብቲ ኣፍርዮም’ዮም - ኮሊን ራግ ልዕሊ 700,000 ዶም ላክር ድማ 600,000 ሰዓብቲ ኣለዎም።
ራግ፡ ተቓለስቲ ሂዝቦላህ ብፓራግላይደር ናብ እስራኤል ከም ዝሰገሩ ዝገልጹ ናይ ሓሶት ጸብጻባት ብተደጋጋሚ ኣካፊሉ። ዶም ላክረ ኣብ ሶርያ ዘጋጠሙ ፍጻመታት ንምግላጽ ካብ ቓዛ ዝተረኸቡ ዝጸንሑ ቪድዮታት ለጢፉ፤ ኣብ ፖላንድ ዝተኻየደ ምትእኽኻብ ካቶሊካውያን ድማ ከም ደገፍቲ እስራኤል ሰልፊ ኣቕሪቡ’ዩ።
ዶም ላክረ ብዝብል ዝልጥፍ ማክጊ፡ ነቶም ዘሕዝኑ ፍጻመታት ኣታዊ ንምርካብ ይጥቀመሎም ኣሎ ዝብል ክሲ ብምንጻግ ብዛዕባ እቲ ግጭት ሓበሬታ ምክፋል ከም ዘቋረጸ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ራግ ግን ቢቢሲ ርእይቶ ንክህብ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።
ካልኦት ነቲ ግርጭት ተጠቒሞም ቁጽሪ ሰዓብቲ ዝወሰኹ ጉጅለታት ድማ፡ ስሞም ዘይተገልጹ ቅልጡፍ፡ ዘይተረጋገጸን ስምዒት ዝመልኦን ሓድሽ ሓበሬታ ዝልጥፉ ኣካውንታት እዮም። ካብዞም ኣካውንታት ክልተ 'OSINTdefender'ን 'WarMonitor'ን ኰይኖም ብዛዕባ እቲ ኲናት ሓበሬታ ንምርካብ ከም ምንጪታት ብኤሎን መስክ ተጠቒሶም’ዮም። ክልቲኦም ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሮም ኣማኢት ኣሽሓት ተኸታተልቲ ኣፍርዮም ኣለዉ።
ክልቲኦም ኣካውንታት ልክዕ ከምቶም ተጽዕኖ ፈጠርቲ፡ ዘይተረጋገጸን ናይ ሓሶትን ክስታት ናይ ምልጣፍ ታሪኽ ኣለዎም። ንኣብነት ኣብ ጥቓ ፔንታጎን ዝተፈጸመ ፍንጀራ ንምርኣይ ዘካፈልዎም ምስልታት ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝፈረዩ ምዃኖም ተረጋጊጹ’ዩ። ሓደ ካብኣቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጸረ-ሴማውያን ርእይቶታት ከም ዝሃበ እውን ሓበሬታ ተቐልቂሉ ኣሎ። መስክ ነቲ ንዓኣቶም ንምውዕዋዕ ዘካፈሎ ትሕዝቶ ደምሲስዎ’ዩ።
ተጽዕኖ ፈጠርትን ስሞም ዘይተገልጹ ኣካውንታትን ብሓባር፡ ኣብ ኲናት እስራኤልን ቓዛን "ኣብ ትዊተር ዝበዝሑ ዓብላሊ ምንጭታት ዜና ቋንቋ እንግሊዝኛ" ከም ዝዀኑ ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ይሕብር፡ እቲ ጸብጻብ "ሓደስቲ ልሂቃን" ናይቲ መድረኽ ክብል ይገልጾም።
መኽሰብ ተሳትፎ
ኣባል ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ሻያን ሳርዳሪዛደህ ኣብ ኤክስ ዝዝርጋሕ ዘሎ ኲናት እስራኤልን ጋዛን ዝምልከት ናይ ሓሶትን መደናገሪ ጽሑፋትን ክከታተልን ክቃልዕን ጸኒሑ'ዩ።
"ኣልጎሪዝም ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብስሩዕን ብቐጻልነትን ንዝልጠፍ ዘሰንብድ ወይ ዘሕፍር ትሕዝቶ ዓስቢ ይህብ’ዩ። ኲናት ድማ ንኸምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ዝኸውን ኵነታት ይፈጥር" ይብል።
"ኣብ ትሕቲ ኤሎን መስክ፡ እቲ ናይ ኤክስ ፕሪምየም ባህሪ ነዚ ንምትብባዕ፡ ነቶም ትሕዝቶታት ኣብ ናይ ካልኦት ተጠቀምቲ ገጽ ክረኣዩ ብምግባር ተጠቃሚ ኤክስ ፕሪምየም የዕብይን ከምኡ'ውን ኣብ ምትእስሳርን ኣታዊታት መወዓውዒታትን ዝተመርኮሰ ወርሓዊ ክፍሊት የቕርብን እዩ።"
ኤክስ ፕሪምየምን ፕሪምየም ፕላስን ብመስክ ዝተኣታተዉ ዝኽፈሎም ኣገባባት’ዮም። መልሲ ናይ ዝኸፍሉ ተጠቀምቲ "ይበረታትዑ" ወይድማ ኣብ ቅድሚት ክረኣዩ ይግበር። ተጠቀምቲ እውን ኣብ ኤክስ ኣካውንቶም ብኽፍሊት ምዝገባ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ ብመሰረት ናይ ኤክስ ናይ እቶት ምክፍፋል መደብ ካብ መወዓውዒ ክፍሊት ክረኽቡ ብቑዓት ይዀኑ።
ኣብ ኤክስ ዝኽፈል መጠን ምዝገባ ይፈላለ እዩ: ሂንክል ኣብ ወርሒ 3 ዶላር ከኽፍል እንከሎ፡ ዋጋታት ካልኦት ህቡባት ኣካውንታት ድማ ካብ 1 ክሳብ 5 ዶላር ይሓቱ። ብዝሒ ናይቶም ዝኸፍሉ ሰዓብቶም ኣይተገልጸን።
ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ጸረ-ሴማውያን ርእይቶታት ዝለጠፈ ኣካውንት 'ዋርሞኒተር'፡ ከም ኣካል ናይቲ ኤክስ ንፈጠርቲ ትሕዝቶታት ዝገብሮ መደብ ምክፋል እቶት፡ 16,191 ዶላር ከም ዝተኸፍለ ተጃሂሩ ነይሩ።
"ንተጠቀምቲ ኤክስ ፕሪምየም ዝቐርብ ዘሎ ኣታዊን ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝተራእየ ደረጃ ዕብየት ተኸታተልትን፡ ኣብዚ ተግባራት ንምቕጻል ዘተባብዑ ክልተ ኣዝዮም ጭቡጥ ምኽንያታት እዮም" ይብል ካይል ዋልተር፡ ሓላፊ መጽናዕቲ ሎጂካሊ።
ኤክስ፡ ርእይቶ ንክህብ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







