እስራኤል ኣብ ትሕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ስምረት ኣለዋ'ዶ?

ቀዳማይ ሚኒስትር ነታንያሁ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስትር ነታንያሁ

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁን መነሓንሕቱ ቤኒ ጋንትዝን ብሓባር ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ኣኼባ ክፍሊ ኣትዮም ጐኒ ንጐኒ ኮፍ ኢሎም።

ክልቲኦም፡ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ልዕሊ 1400 ሰባት ቀቲሉ ብውሕዱ 239 ጅሆ ሒዙ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት እዮም ተራኺቦም።

ሽዑ፡ መጠን ናይቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ ምሉእ ብምሉእ ኣይፍለጥን ነይሩ።

እዞም ክልተ ፖለቲከኛታት ካቢነ ሚኒስተራት ህጹጽ እዋን ኣቚሞም፡ ንፈለማ እዋን ብሓባር ንድሕነት ሃገሮም ክገጥምዎ ተራእዮም።

እዚ፡ ድሕሪ እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ሰፊሕ ተቓውሞታትን ምናልባት እውን ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ገለ ዘጋጠመ ኣዝዩ ከፋፋሊ ፖለቲካን፡ ብዙሓት እስራኤላውያን ዝጠልብዎ ዓይነት ሓድነት’ዩ ነይሩ።

እቲ ሓድሽ መንግስቲ ንሃገርን ንጸላእቲ እታ ሃገርን ንጹር ናይ ምትሕግጋዝ መልእኽቲ'ኳ እንተመሓላለፈ ንዅሎም ወሰንቲ ተቓወምቲ ግን ኣየጠቓለለን።

መራሒ እቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ ያየር ላፒድ፡ ነታንያሁ ምስተን ኣብ ጥምረቱ ዝነበራ ክልተ ሕሉፋት የማናውያን ሰልፍታት ክፈላለ ንዝቐረበሉ ጻውዒት ድሕሪ ምንጻጕ፡ ኣይጽንበርን ኢሉ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብእትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕታት ሕነ ምፍዳይ ልዕሊ 9 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ኣብ ቓዛ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።

በንያሚን ነታንያሁን ፖለቲካዊ መነሓንሕቱ በኒ ጋንትዝን

ምንጪ ስእሊ, Israel GPO (Government Press Office)

መግለጺ ስእሊ, በንያሚን ነታንያሁን ፖለቲካዊ መነሓንሕቱ በኒ ጋንትዝን

ሓይልታት ምውህሃድ

ሌተናል ኮሎኔል ሮን ሻርፍ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ምስ በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ደቁን ነፋሪት እናተጸበየ እንከሎ፡ ሓማስ ንኪቡዚምን ከተማታትን እስራኤል ወሪሩ።

እታ መዓልቲ በዓል ኣይሁድ ስለ ዝነበረት፡ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ዕረፍቲ ነይሮም።

“ከባቢ ሰዓት 06፡30 ብዙሕ መልእኽታት ዋትስኣፕ ክመጽእ ጀሚሩ” ይብል ጥሮተኛ ኣዛዚ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሰራዊት እስራኤል ኣዝየን ፍሉያት ኣሃዱታት ኮማንዶ ዝነበረ ሻርፍ።

መስራቲ ‘ብራዘርስ ኢን ኣርምስ’ - ጕጅለ ዕቝር ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ መንግስቲ ንኣገባብ ኣሰራርሓ ስርዓት ንምቕያር ዝገብሮ ዘሎ ኣካታዒ ጽገናታት ተቓውሞኦም ዘስምዑ ሻርፍ፡ ኣብቲ ሃንደበታዊ ኣኼባ ተሳተፈ።

“ሰዓት 08፡00 ምስ ካልኦት መራሕቲ ‘ብራዘርስ ኢን ኣርምስ ድሕሪ ዝገበርናዮ ናይ ማንዛ ኣኼባ፡ ኵሉ ሰብ ብቕልጡፍን ብዘይ ምሕላልን ክኸትት ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺእና" ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መብዛሕትኦም እስራኤላውያን 18 ዓመት ምስ መልኡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክኸዱ ግዴታ እዩ።

ኣብዚ፡ ደቂ ተባዕትዮ 32 ኣዋርሕ ደቂ ኣንስትዮ ድማ 24 ኣዋርሕ ይጸንሑ።

ብድሕሪ እዚ መብዛሕትኦም ክሳብ 40 ዓመት ዝዕድመኦም ወይ ልዕሊኡ፡ ምናልባት ህጹጽ ሃገራዊ ኵነታት እንተኣጋጢሙ ናብ ዕቑር ኣሃዱታት ክጽውዑ ይኽእሉ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት መንግስቲ ወግዓዊ ዝገበሮ ጽገናታት ነታ ሃገር ከፋፊሉዋ ጸኒሑ’ዩ።

በዚ ምኽንያት፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲ እታ ሃገር ጕድኣት ከየውርዱ ዝሰግኡ ኣማኢት ኣሽሓት እስራኤላውያን ናብ ጐደናታት ወጺኦም ተቓውሞታት ገይሮም።

“ብሰንኪ ሕጊ እቲ መንግስቲ ኣብ መላእ ወተሃደራዊ ጨንፈራት ዝነበሩ ብዙሓት ኣባላት ብራዘርስ ኢን ኣርምስ፡ ወለንታዊ ኣገልግሎት ዕቝር ሰራዊት ኣቋሪጾም” ክብል ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ቀንዲ መራሒ ዝዀነ ሻርፍ ይገልጽ።

ወሲኹ፡ “ኣብ መንጐ መንግስትን ወተሃደራትን ዝነበረ ውዕል ተጣሒሱ” ኢሉ።

ንሻርፍ ግን እዚ ኵነታት ዝተፈለየ እዩ ነይሩ።

“እቶም ኣሸበርቲ ብ(ዶብ ከተማ) ስደሮት ፒክኣፕ (መኪና) ክዝውሩ ዘርኢ ቪድዮ ምስ ረኣኹ፡ ኣዝዩ ዘይተለምደ ፍጻመ ይመጽእ ከም ዘሎ ተረዲኡኒ። ዕቝር ሰራዊትና ብኡንብኡ ናብ ኣሃዱታቶም ተዋፊሮም። እቶም ንኣገልግሎት ዘይተጸውዑ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣብ ተልኣቪቭ ናብ ዝኸፈትናዮ ሲቪላዊ ማእከል እዚ ተጸንቢሮም።”

ሕጂ፡ እቲ መንግስቲ ንምቅዋም ዝተመስረተ ትካል፡ ንጻዕርታት ሓገዝ ይመርሕ ኣሎ።

ካብቲ መጥቃዕቲ ተሪፎም “ክድሕኑ ዝኽኣሉ ኣውጺእና፡ ናብተን ኣሃዱታት ወተሃደራትን ናውትን ኣጓዒዝና፡ ንኣባላት ሰራዊት ክኣ መግቢ ኣቕሪብና” ይብል።

ካብዚ ሓሊፉ፡ “ንሕዙናት ስድራቤታት ደገፍ ዝህብ ኣካል ፈጢርና። ካብ ገዛኦም ንዝሃድሙ ነበርቲ መንበሪ ገዛ ኣብ ምርካብ ሓጊዝና። ስድራቤታት ዝጠፍኡ ሰባት ብዛዕባ መቕርባቶም ሓበሬታ ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ክፍሊ’ውን ኣቚምና” ኢሉ።

ሻርፍ እስራኤላውያን ብዛዕባ መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ሕቶታት ከም ዘለዎም ይኣምን።

መስራቲ ብራዘርስ ኢን ኣርምስ ዝተባህለ- ጉጅለ ዕቑር ሰራዊት እስራኤል ሮን ሻርፍ፡ ኣንጻር እቲ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ጽገናታት ፍትሒ ተቓውሞ የስምዕ

ምንጪ ስእሊ, Ben Cohen

መግለጺ ስእሊ, መስራቲ ብራዘርስ ኢን ኣርምስ ዝተባህለ- ጕጅለ ዕቝር ሰራዊት እስራኤል ሮን ሻርፍ፡ ኣንጻር እቲ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ጽገናታት ፍትሒ ተቓውሞ የስምዕ

ሕጂ ግን በዚ እንካትዓሉ ግዜ ኣይኰነን ብምባል ይዛረብ።

“ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ብዘይምኽኣሎም ተቘጢዖም’ዮም፤ ስለዚ ነታ ሃገር ንምሕጋዝ ዓቕሞም ዘበለ ኵሉ ክገብሩ ህንጡያት እዮም።”

“እቲ ዘጋጠመ ኣይንርስዖን ኢና። መልሲ ንምሕታት ቅኑዕ ግዜ ክህሉ'ዩ፤ ንተሓታትነት እውን ግዜ ክህሉ'ዩ። ሕጂ ግን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ማእከል ኲናት ስለ ዝርከቡ፡ እዛ ሃገር ክትጥርነፍን ክትሓውን ኣለዋ።"

ገለ ሰባት ግን በዚ ትዕግስቲ የብሎምን።

'ነታንያሁ ብቝዕ ኣይኰነን'

ብዙሓት እስራኤላውያን ብቕልጡፍ መልሲ ይጠልቡ ኣለው፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ድማ ነታ ሃገር ኣብዚ ፈታኒ እዋን ክመርሕ ዘለዎ ዓቕሚ ኣብ ሕቶ የእትዉዎ ኣለዉ።

ግጭት እስራኤል-ቓዛ ሰለስተ ሰሙን ገይሩ ኣሎ።

ነታንያሁ ኣብ ኤክስ፡ ብዛዕባ ውጥን ኲናት ሓማስ “መጠንቀቕታ ኣይተዋህበንን” ክብል ጽሒፉ።

“ብኣንጻሩ ኵሎም ሰበስልጣን ጸጥታ፡ ሓላፊ ጨንፈር ስለያ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤልን ሓላፊ ትካል ጸጥታ እስራኤልን፡ ሓማስ ከም ዝተገትአን ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ከም ዝደልን’ዮም ገምጊሞም” ኢሉ።

ድሕሪኡ ዝሰዓበ ግብረመልሲ ተሪርን ደረት ፖለቲካዊ ደምበታት ዝሰገረን እዩ ነይሩ።

ነታንያሁ፡ እቲ ነቐፌታ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ጸጥታ ክወርድ ይገብር ከም ዘሎ እዩ ተገሚቱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት ነቲ ጽሑፍ ኣልዩ ይቕረታ ሓቲቱ።

እንተዀነ፡ እቲ ዝኽሰር ተኸሲሩ’ዩ።

ብዙሓት ሰባት ነታንያሁ፡ ሓላፍነት እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናብ ካልኦት ሰባት ኣሕሊፉ ክህብን ድሒሩ ካብ ዝመጽእ ሳዕቤን ክሃድምን ይፍትን ኣሎ ኢሎም ገሚቶም።

ኢያል ዋልድማን፡ ብጽሑፍ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ዝሓረቑ ሰባት ሓደ ኰይኑ፡ ነታንያሁ ብቕልጡፍ ካብ ስልጣን ክወርድ ኣለዎ ኢሉ ይሓስብ።

ነታንያሁ፡ ካብ ውሽጢ እቲ ዝመርሖ ሰልፊ’ውን ነቐፌታ ከም ዘጋጠሞ ብምግላጽ “ብዘይካ ንባዕሉ ንዅሉ ይወቅስ ኣሎ” ክብል እቲ እስራኤላዊ በዓል ሃብቲ ይዛረብ።

ዋልድማን ቅድሚ ነቲ ኩባንያ ምሻጡ፡ ሓደ ካብቶም ዕዉታት ኩባንያታት ተክኖሎጂ እስራኤል ዝዀነ ‘ሜላኖክስ’ መስሪቱ፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ማእከል ልምዓት ኣስታት 24 ፍልስጤማውያን ቈጺሩ የስርሕ ነይሩ።

እቲ ናይ ሕጂ ግጭት ክጅመር እንከሎ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ኣብ ዕረፍቲ’ዩ ነይሩ።

ጓል 24 ዓመት ጓሉ ዳኒኤልን መጻምዳ ኖኣም ሻይን ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ፈስቲቫል ሙዚቃ ‘ሱፐርኖቫ’ ከም ዝነበሩ ሓበሬታ በጺሕዎ።

ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት፡ ውግኣት እናተኻየደ እንከሎ፡ ዋልድማን ተዓጢቑ ናብቲ ፈስቲቫል ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ብምኻድ ጓሉ ንምድላይ ዝዀነ ኣድላዪ ስጕምቲ ክወስድ ተዳለወ።

“ሓማስ ንልዕሊ 20 ኣባላት ማሕበረሰብና ሒዙ። ሰራዊትና ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኰይኑዎ። ኣብ ዝዀነ ሰብ ክተኣማመን ኣይከኣልኩን። ንጓለይ ከድሕና እየ ዝደሊ ነይረ።

“መኪና ኣዕሩኽቶም ብጥይት ተበሲዓ ረኺብናያ። ገና ብህይወት ከም ዘላ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ተሓቢኣ ከም ዘላ ተስፋ ነይሩኒ። ተጨውያ፡ ኣብ ቓዛ ከም ዝተታሕዘት ክቕበል ፍቓደኛ ነይረ” ይብል።

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግን ማዕጾ ገዛኡ ተዃሕኲሑ መርድእ ጓሉ ተነጊሩ።

“ሰባት ቀቲሎም፡ ኣካላቶም ቈሪጾም ኣሳቒዮም፣ ዘሚቶምን ጨውዮምን። ሓማስን ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድን ምሉእ ብምሉእ ከነጥፍኦም ኣለና። ክሳብ ዘይጠፍኡ ደው ኣይነብልን፡ ልክዕ ከምቲ ምዕራባውያን ንዳዕሽ ዝገበርዎ።”

ዳኒኤልን ኖኣምን ማዕረ-ማዕረ ተቐቢሮም።

ኣብ ፈስቲቫል ሙዚቃ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 270 ሰባት ሞይቶም።

“ኣብ ቓዛ፡ ኬብሮንን ራዋቢን ዝተባህሉ ፍልስጤማውያን ቘጺረ’የ” ብምባል ዋልድማን ንድሕሪት ተመሊሱ ይዝክር።

“ኣብ ቓዛ ንዝርከብ ሆስፒታል ገንዘብ ኣወፊየ። ንሰላማዊ ተበግሶ እስራኤልን ፍልስጤምን መሪሐ። እቲ ኣፈላላይ ንምጽባብ ብዝብል ብዙሕ ፈቲነ’የ። ንሓድሕድና ምቕታል ትርጕም የብሉን። ፍልስጤማውያን ነዚ'ውን ክርድኡ ኣለዎም። ሰላም ክንገብር ኢና፤ መጀመርታ ግን ንሓማስ ኣጥፊእና ኣብቲ ኲናት ክንዕወት ኣለና” ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ግን ነዚ ዕዮ ዝበቅዕ ሰብ ኣይመስሎን።

“እስራኤላውያን፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘይኰነ ብድሕሪ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሕቡራት’ዮም፤ ነታንያሁ ብቑዕ ኣይኰነን።”

'ሓድነት ምስ ነታንያሁ'ዩ’

ብደገፍቱ "ንጉስ ቢቢ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ነታንያሁ፡ ንነዊሕ እዋን ንእስራኤል ዝመርሐ ሰብ ኰይኑ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ካብ ዝዀነ ቀዳማይ ሚኒስተር ንላዕሊ ሽዱሽተ ግዜ ስልጣን ሒዙ።

ኣብ ሕዳር 2022 ዳግማይ ምምራጹ፡ እቲ ዝመርሖ ሰልፊ ሊኩድ ምስ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ሃይማኖታዊ ጽዮናውነት ጥምረት ብምፍጣር፡ መንግስቱ ኣብ ታሪኽ እስራኤል እቲ ዝሓየለ የማናዊ መንግስቲ ክኸውን ገይርዎ።

ጋዜጠኛ ጋዜጣ ሃሬትዝ ኣንሸል ፌፈር፡ እቲ ውጽኢት መረጻ ነቲ ድሮ ግልጺ ዝነበረ ዝንባለ ጥራይ’ዩ ዘቃልዕ ይብል።

“ኣብ እስራኤል ኣብ መንጐ እቲ ገለ ሰባት ከም ዝያዳ ሊበራላውን ግልጽን ሕብረተሰብ እስራኤል ዝርእዩዎን እቶም ዝያዳ ሃይማኖታውያንን ጽንፈኛታትን ወገናት ሕብረተሰብ እስራኤልን ኣይሁድን፡ ውሽጣዊ መንነት ወይ ባህላዊ ኲናት ኣሎ" ክብል ትዕዝብቱ ይገልጽ።

“እዚ ሓድሽ ኣይኰነን፤ ግን [ነታንያሁ] ንናቱ ፖለቲካዊ ዕላማታት ክብል ኣዕብይዎ” ትብል ሓላፊት ‘ናተይ እስራኤል’ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ዝዀነት ሃትዝኒ-ኮሄን።

እዚ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ኣረኣእያ እስራኤል ንዓለም ዘላልን ደጋፊ ጽዮናውያንን እዩ።

ንሳ፡ እስራኤላውያን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ነታንያሁ ከድህቡ ከም ዘይብሎም ትኣምን።

“ኵሉ ሰብ ዋጋ ክኸፍል ክግደድ እዩ፡ ኵሉ ሰብ። ሓለፍቲ ፖለቲካዊን ሓለፍቲ ኣካላት ጸጥታን ብማዕረ። ኣብ ምዕዋት ከነተኩር ኣለና” ትብል።

ሃትዝኒ-ኮሀን ነቲ መንግስቲ ሓድነት ከም እትድግፍ ትዛረብ።

“ካልኦት ክጽንበሩ ምተመነኹ። ከምቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ነታንያሁ ዝበለ ሰፊሕ ህዝባዊ ሕጋውነት ዘይብሉ መንግስቲ ነዚ ኲናት ክመርሖ ኣይክእልን'ዩ” ብምባል ነቲ መንግስቲ ምትካእ ዝብል ተኽእሎታት ትነጽጐ።

ድሕሪ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ናብ ካቢነ ሚኒስተራት ኲናት ዝተጸንበሩ ከም በዓል በኒ ጋንትዝን ጋዲ ኣይዘንኮትን ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ተቓወምቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ መንግስታት ሓለፍቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኰይኖም ከም ዘገልገሉን ስለዚ ድማ ንዝዀነ ውድቀት ፖሊሲ ሓላፍነት ከም ዝካፈሉን ከኣ ትዛረብ።

“ኣብ ቓዛ ተመሳሳሊ ጽንሰ-ሓሳብ ነይርዎም። ጋንትዝ ኣብ መንግስቲ በነት ሚኒስተር ምክልኻል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ቓዛ ዝመጽኡ ፍልስጤማውያን ኣብ ሕርሻዊ ግራውቲ እስራኤል ክሰርሑ ፈቒዱ ነይሩ። ገሊኦም ሕጂ ንሓማስ ስለያዊ ሓበሬታ ከም ዝሃቡ ይፍለጥ።”

ኤጀንሲ ድሕነት እስራኤል ሺን ቤት ነዚ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ሃትዝኒ-ኮሀን፡ “ነታንያሁ ተሓታቲ'ዩ። ፈሺሉ፡ ፖለቲካዊ ሂወቱ ከብቅዕ ክግደድ'ዩ።” ግን ድማ ኣብ ሓድነታዊ መንግስቲ ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ንዕኡ ምእላይ ማለት ደገፍ ገለ እስራኤላውያን ምጥፋእ ማለት'ዩ። ሓድነታዊ መንግስቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣገዳሲ’ዩ፤ ሓድነት ድማ ምስ ነታንያሁ’ዩ ዘሎ” ክትብል ትካታዕ።

ሃገራዊ ጋዜጣ ማሪቭ፡ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ኣስታት 80 ሚእታዊት እስራኤላውያን ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ነቲ ብመጥቃዕቲ ሓማስ ዝተቓልዐ ጸጥታዊ ውድቀት ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ዝገልጽ ሓበሬታ ረኺቡ።

ብተወሳኺ፡ ሕጂ መረጻ እንተተኻይዱ፡ ብበኒ ጋንትዝ ዝምራሕ ማእከላይ ምሕዝነት ተቓወምቲ ውድባት ዝበዝሐ ድምጺ ክረክብ ከም ዝኽእል ጸብጺቡ።

ከምዚ ዓይነት ርኽበታት መብዛሕትኦም ኣብ እዋን ኲናት ዘለው መራሕቲ ምስ ዘለዎም ባዕላዊ ግምታት ዝጻረር ይመስል።

ኣብ ኣመሪካ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት ደረጃ ቅቡልነት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ ወሲኹ።

ኣብ ካልእ ብ27 ጥቅምቲ ጋዜጣ ማሪቭ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ሰራዊት ብቕጽበት ናብ ሰፊሕ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ክዓቢ ኣለዎ’ዶ ተባሂሎም ካብ ዝተሓተቱ፡ ዳርጋ ፍርቂ ምቍራጽ ይሓይሽ ኢሎም።

ሕጂ እስራኤላውያን ኣብ ቓዛ ብመሬት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ቅኑዕ ስጕምቲ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ክትዕ ይገብሩ ኣለዉ፤ እንተላይ ስድራቤት ናይቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ።

ሓዳስ ካልደሮን ውጻእ መዓት ካብቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኪቡዝ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ እያ።

ወዲ 12 ዓመት ወዳን ጓል 16 ዓመት ጓላን ካብቲ ንሳ ዘላቶ ቅሩብ ውርድ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ገዛ ምስ ኣቦኦም ኣብ ዝነበርሉ ሓማስ ንሰለስቲኦም ጨውዩ ወሲዱዎም።

ካልደሮን ምስ መራሕቲ ኣውሮጳ ኣብ ዝገበረቶ ርክብን ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣብ ዝሃበቶ ቃልን፡ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ቀዳምነት ክወሃቦም ትጠልብ።

“ኵሉ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ደው ይበል። ናይ ሎሚ ዕላማና፡ ነቶም ህጻናትን ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባትን ኣውጺእካ ምድሓን ጥራይ’ዩ ክኸውን ዘለዎ" ክትብል ንመንግስታ ትምሕጸን።

“መን ኣብቲ ካልእ ወገን ይሃሉ ብዘየገድስ ንኽፍትሑ ተደራደሩ።”

ሓማስን ካልኦት ፍልስጤማውያንን 242 እስራኤላውያንን ካልኦት ዜጋታትን ጅሆ ሒዞም ይርከቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ፡ ኣብ መሬት ዝካየድ መጥቃዕቲ፡ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንኽፍትሑ ተኽእሎታት ክኸፍት’ዩ ይብል።

እስራኤላውያን ግን ኣብዚ ጕዳይ ተኸፋፊሎም እዮም።