120 ሽሕ እስራኤላውያን ፍቓድ ዋንነት ኣጽዋር ንምርካብ ኣመልኪቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ እቲ ሓማስ ልዕሊ 1400 ሰባት ዝቐተለሉ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ፡ ልዕሊ 120 ሽሕ ዜጋታት እስራኤል ፍቓድ ዋንነት ኣጽዋር ንምርካብ መመልከቲ ኣእትዮም።
ሕጋዊ ኣጽዋር ንምውናን ዝግበር ጉያ ኣብ መላእ እታ ሃገር ይረአ ኣሎ። መሰልጠኒ ማእከላት ተዅሲ፡ ክእለቶም ንምምሕያሽ ብዝመጽኡ ሰባት ኣዕለቕሊቐን። ነዊሕ ሰልፊ ዝሓዙ ዜጋታት ኣጽዋር ኣብ ዝሽየጡሎም ድኳናት ተሰሪዖም ኣጽዋር ንምግዛእ ብትዕግስቲ ይጽበዩ።
እስራኤል፡ ሕጊ ዋንነት ኣጽዋር ድሕሪ ምልሕላሑ፡ ኣብዚ እዋን ገበናዊ ድሕረ ባይታን ጸገም ጥዕናን ዘይብሎም ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ፍቓድ ዋንነት ኣጽዋር ይረኽቡ።
ውልቀ ሰባት ክሳብ 100 ፍረ ጠያይቲ ክሕዙ እውን ተፈቒዱሎም ኣሎ።
ኣብ ጥቓ እየሩሳሌም ዝነብር ወዲ 41 ዓመት ጠበቓ ኦምሪ ሽናይደር "ሕጂ፡ ነዞም ኵሎም ክልከላታት ስለዘልዓሉዎም፡ ሽጉጥ ንምርካብ ቀሊል እዩ” ይብል።
እንተዀነ ሽናይደር እቲ ውሳነ ሻቕሎት ፈጢሩሉ ኣሎ። እቶም ንዜጋታት ዝዕደሉ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣጽዋር እንታይ ረብሓ ከምዝህልዎን ኣጨኒቕዎ ኣሎ።
“ረብሓታት ኣለዎ፤ ግን ድማ ጉድኣት እውን ዘስዕብ እዩ። እቲ ኣብ ኣመሪካ ዘጋጥም ንፈልጦ ኢና። ቀሊል ውሳነ ኣይኰነን። ህዝቢ እስራኤል ውሑስ ንምግባር ግን ነዚ ክገብሮ ከምዘለኒ ይስመዐኒ።"
ንነዊሕ እዋን ንዋንነት ኣጽዋር ክድግፍ ዝጸንሐ ሕሉፍ የማናዊ ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር በን-ግቪር፡ ኣብታ ሃገር እናዞረ ኣጽዋር ክዕድል ቀንዩ።
እቲ ሓደሽቲ ኣጽዋር፡ ነቶም ምስ ቓዛ ኣብ ዝዋስን ከባቢ ወይ ድማ ኣይሁድን ኣዕራብን ተሓዋዊሶም ዝነብሩለን ከተማታት ብፍሉይ ከምዝጥምት ዝገልጽ ኢታማር፡ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ጕጅለታት ጸጥታ ከቝሙ ምዃኖም ይዛረብ።
ሽናይደር ኣስታት 200 ስድራቤታት ኣብ ዝነብሩላ ዓባይ ቍሸት እዩ ዝነብር።
“ብሰንኪ እቲ ኵነታት፡ ኣብ ቍሸተይ ኣጽዋር ክንሕዝን ሓለዋ ከባቢ ክንምስርትን ወሲንና። ኣይበሎ እምበር፡ እዚ ህጹጽ ግብረ መልሲ ወሃቢ ጕጅለ፡ ካልእ ተዅሲ እንተጋጢሙ ወይ ግብረሽበራውያን ሰሊኾም እንተኣትዮም፡ ዝከላኸል እዩ።”
መብዛሕትኦም ኣባላት ማሕበረሰብ ኣይሁድ ውሑስ ክገብርዎም ዝኽእሉ መንገዲታት ይደልዩ ኣብ ዘለዉሉ፡ 20 ሚእታዊት ብዝሒ ህዝቢ እስራኤል ዝሽፍኑ ኣዕራብ እስራኤላውያን፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ፍርሒ ተሰሚዕዎም ከምዘይፈልጥ ይገልጹ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ዓረብ እስራኤላውያን፡ ኣድልዎ፡ ቃላውን ብኢንተርነት ዝፍጸሙ ጥቕዓታት ከምዝተፈጸምዎም ምግላጾም ጸብጻባት ቢቢሲ ዓረብ የረድኡ።

ኣብ ማእከላይ እስራኤል እትርከብ ከተማ ሎድ፡ ሕማቕ ታሪኽ ግጭት ዓሌት ኣይሁድን ዓረብን ዘለዋ እያ።
መጕዳእቲ ናይ ዘለዎም ህጻናት መምህር ኰይና እትሰርሕ ሱሀይር ሓምዶኒ፡ ዕድመኣ ሙሉእ ኣብ ከተማ ሎድ ተቐሚጣ።
ኣብቲ እትነብረሉ ጎደና ብሓደ ገጽ ኣይሁድ በቲ ካልኣይ ኣዕራብ ይነብሩ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ሸቐጥ ኣስቤዛ ንምግዛእ ናብ ናይ ኣይሁድ ሹቕ ኣይትኸይድን፤ ተዃሊላ ካብቶም ኣዕራብ እያ እትገዝእ። እዚ ድማ መጥቃዕቲ ከይወርዳ ካብ ዘለዋ ምሒር ፍርሒ ዝብገስ እዩ።
“ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ገዛና መጥቃዕቲ ተፈጺሙና ነይሩ። በቲ በሰላ ክሳብ ሕጂ ንሳቐ ኢና ዘለና።
ብተለምዶ ፍልስጤማውያን ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣዕራብ እስራኤላውያን፡ ብሓፈሻ ካብ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እስራኤል ናጻ እዮም። ብዘይ እዚ ኣገልግሎት ናይ ኣጽዋር ዋንነት ፍቓድ ክረኽቡ ከቢድ እዩ።
“እስራኤላውያን ርእሶም ናይ ምክልኻል መሰሎም ተግባራዊ ኣብ ዝገብሩሉ፡ ኣነ ግን ክመውት ይኽእል እየ ዝብል ሻቕሎት ኣለኒ፤ ኣነን ደቀይን። ዝዀነ ጌጋ ስለዝፈጸምኩ ኣይኰነን። ዓረብ ስለዝዀንኩ እምበር። እዞም ኣይሁድ ጐረባብተይ ኣጽዋር እንተረኺቦም ኣነውን ክረክብ ኣለኒ፤ ወይ ንኽልቴና ክወሃበና የብሉን።”
ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ማእከላት በጻሕቲ ዝነበራ ኣይሁድን ኣዕራብን ተሓናፊጾም ዝነብሩለን ከተማታት እስራኤል ጽምዋ ዓሲልወን ኣሎ።
ድኳናትን ኣብያተ መግብን ተዓጽዮም እዮም።
ወናኒ ሎድ ሬስቶራንት ኣቡ ዓሚር “ልዕሊ 60 ሚእታዊት ዓማዊለይ ኣይሁድ ነይሮም” ይብል።
“ሕጂ ግን ኣይመጽኡን፤ ማንም ኣይመጽእን። ማንም ኣይድውልን። ኣዕራብ ናብ ናይ ኣይሁድ ከባቢ ክኸዱ ይፈርሑ፤ ኣይሁድ እውን ናብ ናይ ኣዕራብ ከተማታት ከኸዱ ይፈርሑ።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







