እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወራር እንታይ ዝዓለመ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, SAEED QAQ/ANADOLU VIA GETTY IMAGES
መራሕቲ እስራኤል ንሓማስ ካብ ገጽ ምድሪ ክድምሰሱ ምዃኖም ክፍክሩ እንከለው፡ ቓዛ ከምቲ ዝጸንሐቶ ከምዘይትቕጽል ይገልጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ፡ ተዋጋእቲ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዘካየድዎ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1400 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፡ "ኵሉ ኣባል ሓማስ ምዉት ሰብ'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
እስራኤል፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣጋር ሰራዊታ ናብ ቓዛ ብምውፋር እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ወራር ጀሚራ ኣላ። ንሓማስ "ግብረ-ሽበራዊ ጕጅለ" እያ ትብሎ።
ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንት፡ ኣብ ቓዛ "ሓድሽ መሓውር ጸጥታ" ክቐውም ምዃኑ ገሊጹ።
ዕላማ ስርሒት እቲ ‘ሰይፊ-ሓጺን’ ብዝብል ዝፍለጥ ወፍሪ፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቓዛ ዝተኻየዱ ወተሃደራዊ ወፍሪታት ኣዝዩ ዝዓበየ ዕላማ ዘለዎ ይመስል። እዚ ግን ግብራዊ ወተሃደራዊ ተልእኾ ድዩ፣ ኣዘዝቲ ብኸመይ ክፍጽምዎ ይኽእሉ?
ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝፍጸም መሬታዊ ወራር፡ ገዛ ንገዛ ዝካየድ ናይ ከተማ ውግእ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ህዝቢ ዓቢ ሓደጋታት ከየስዕብ የስግእ። ድሮ መጥቃዕቲ ኣየር ልዕሊ 2700ሰባት ቀቲሉ፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ድማ ካብ ገዛኦም ተመዛቢሎም ኣለዉ።
እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ኣብ መላእ ቓዛ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታታት ጅሆ ዝተታሕዙ ልዕሊ 220 ግዳያት ናይ ምድሓን ተወሳኺ ዕማም ኣለዎ።
ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ሄርዚ ሃለቪ፡ ሓማስ ‘ክድምሰስ’ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ቓዛ ንዝርከብ ፖለቲካዊ ሓላፊኡ ድማ ፈልዩ ጠቒስዎ። ግን ድሕሪ 16 ዓመታት ዓመጽ ዝመልኦ ምሕደራ ሓማስ፡ ቓዛ እንታይ ክትመስል ከምዝኾነት ናይ መወዳእታ ራእይ ኣሎ ድዩ?
"እስራኤል ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ሓማስ ክተዕኑ እትኽእል ኣይመስለንን፡ ምኽንያቱ ናይ ኣኽራሪ እስልምና ሓሳብ'ዩ" ይብል ወተሃደራዊ ተንታኒ ኣሚር ባር ሻሎም ካብ ሬድዮ ሰራዊት እስራኤል።
"ግን ዳግማይ ናብ ስራሕ ከምዘይምለስ ብዝተኻእለካ መጠን ከተዳኽሞ ትኽእል ኢኻ"።
እስራኤል ምስ ሓማስ ኣርባዕተ ውግኣት ኣካይዳ፡ መጥቃዕቲ ሮኬት ደው ንምባል ዝገበረቶ ኩሉ ፈተነታት ድማ ፈሺሉ እዩ።
ወሃቢ ቃል ሌተናል ኮሎኔል ጆናታን ኮንሪከስ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ኲናት ሓማስ ድሕሪ ደጊም "ንሲቪል እስራኤላውያን ስግኣት ናይ ምዃን ወይ ንምቕታል ዘኽእል ወተሃደራዊ ዓቕሚ ክህልዎ የብሉን” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AHMED ZAKOT/SOPA IMAGES/LIGHTROCKE
ሓደጋ ዝመልኦ ወራር መሬት
እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ መስመሩ ከስሕትዎ ዝኽእሉ ብዙሓት ረቛሒታት ኣለዉ።
ዕጡቕ ክንፊ ሓማስ ብርጌድ ዒዘዲን ኣልቃሳም ንመጥቃዕቲ እስራኤል ተዳልዩ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ነታጒ ኣጽዋራት ተዳልዮም ክኾኑ ይኽእሉ፣ ድብያታት ድማ መደብ ተታሒዙሎም ይኸውን።
ነቲ ዕሉልን ሰፊሕን መርበብ ገለርያ ተጠቒሞም ንሓይልታት እስራኤል ከጥቅዑ ይኽእሉ'ዮም።
ኣብ 2014፡ ቦጦሎኒታት ኣጋር ሰራዊት እስራኤል ብጸረ ታንክታት ነተጉቲ፡ ስናይፐርን ድብያን ከቢድ ክሳራታት ከጋጥሞም እንከሎ፡ ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ ከተማ ቓዛ ብዝተኻየደ ውግእ ኣማኢት ሲቪል ሞይቶም።
እስራኤል ካብ ሰሜናዊ ሓውሲ ምድረበዳ ቓዛ 1.1 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ክወጹ ዝሓተተትሉ ሓደ ምኽንያት እዚ እዩ።
እስራኤላውያን እቲ ኲናት ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ፡ ኣስታት 360 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት ድማ ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ ሕቶ እስራኤል ዓለማዊ ጸቕጢ ከይተገብረላ ክሳብ መዓስ ስርሒታታ ክትቅጽል ትኽእል ዝብል እዩ።
ቓዛ ብቕልጡፍ "ሲኦል" ትኸውን ከምዘላ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ። ቁጽሪ ዝሞቱ ብቕልጡፍ ይውስኽ ኣሎ፤ ቀረብ ማይ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ነዳድን ተቛሪጹ፣ ሕጂ ድማ ፍርቂ ህዝቢ ካብ ሰፊሕ ከባቢታት ክሃድም ይንገሮ ኣሎ።
"መንግስትን ወተሃደራትን ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ዘለዎም ኮይኑ ይስምዖም - እንተወሓደ መራሕቲ ምዕራባውያን። እቲ ፍልስፍና 'ብዙሕ ከነሰልፍ፡ እኹል ግዜ ኣለና' ዝብል'ዩ" ይብል ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ጋዜጠኛታት ጸጥታን ስለያን እስራኤል ዮሲ መልማን።
ይንዋሕ ይሕጸር ግን መሓዙት እስራኤል ምስሊ ብጥሜት ዝሳቐዩ ሰባት እንተርእዮም ኢዶም ከምዝስሕቡ ይኣምን።
ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀሚሩ፡ ተኹሲ ደው ክብል ፀቕጥታት ተጀሚሩ ኣሎ፤ እስራኤል ግን ኣቕቢፃ ኣላ።
ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ምድሓን
ብዙሓት ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ኮይኖም፡ ኣብ መንጎኦም ግን ብዝሒ ዘለዎም ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ድርብ ዜጋታትን እውን ስለዘለዉ፡ ኣሜሪካ፣ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ሓዊሱ ካልኦት ሓያሎ ሃገራት ኣብዚ ስርሒት ምስታፎም ኣይተርፍን።
ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ ፈረንሳዊ-እስራኤላውያን ስድራቤታት ንዝፈትውዎም ሰባት ናብ ገዝኦም ከምጽእ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ፡ "ፈረንሳ ደቃ ፈጺማ ኣይትሓድግን እያ"።
ብኻልእ ወገን፡ ዕጫ ናይቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክሳብ ክንደይ ንወተሃደራዊ ውጥን ክጸልዎ ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን።
ኣብ ልዕሊ መራሕቲ እስራኤል እውን ውሽጣዊ ጸቕጢ ኣሎ።
ኣሚር ባር ሻሎም ነቲ ኩነታት ምስቲ ኣብ 1972 ኦሎምፒክ ሙኒክ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ከነጻጽሮ እንከሎ፡ ሽዑ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ንእስራኤላውያን ኣትሌታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታው 11 ሰባት ቀቲሉ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ኩሎም ንምድላይን ንምቕታልን ስርሒት ከምዝተጀመረን መንግስቲ ንኹሎም ብድሕሪ እቲ ጭውያ ዘለዉ ክሃድኖም ከምዝደሊ ይኣምን።
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ቓዛ ተታሒዞም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ምድሓን ኪኖ ኮማንዶታት ኤሊት ኣሃዱ እስራኤል ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓማስ ድሮ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ከም ምላሽ፡ ካብቶም ጅሆ ዝሓዞም ክቐትል ምዃኑ ኣፈራሪሑ ኣሎ።
ኣብ 2011 እስራኤል ንሓሙሽተ ዓመታት ብሓማስ ተታሒዙ ዝነበረ ጊላድ ሻሊት ዝተባህለ ወተሃደር ንምፍታሕ ልዕሊ 1000 እሱራት ፍልስጤማውያን ክትፈትሕ ተገዲዳ'ያ።
እስራኤል ግን ቅድሚ ብዝሒ ዘለዎም እሱራት ምፍታሓ፡ ክልተ ግዜ ክትሓስብ ክትግደድ እያ።
ምኽንያቱ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ምልውዋጥ ነጻ ዝኾኑ ሰባት ያሕያ ሲንዋር ኰይኑ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, SAID KHATIB/AFP
ጎረባብቲ ብቐረባ ዝጸናጸንዎ ጎንፂ
ካልእ፡ ንውሓት ግዜን ውጽኢትን ናይ መሬት መጥቃዕቲ ክጸልዎ ዝኽእል ነገር እንተሃልዩ፡ ጎረባብቲ እስራኤል ዝህብዎ ግብረ መልሲ እዩ።
ካብታ ምስ ቓዛ ትዳወብ፡ ብመሳገሪ ዶብ ራፋሕ ኣቢላ ሓገዝ ክፍቀድ ትደፍእ ዘላን ግብጺ እናወሰኸ ዝኸይድ ጠለባት ከጋጥማ ይኽእል እዩ። ድሮ ውሱን ረድኤት ዝፀዓና መካይን ክሓልፋ ጀሚረን ኣለዋ።
"ድሕሪ ወተሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ስዒቡ ቓዛውያን ብዝተሳቐዩ መጠን፡ ግብጺ ዝያዳ ጸቕጢ ክገጥማ'ዩ፡ ንፍልስጤማውያን ሑቘኣ ከምዝይትህብ ፍሉጥ እዩ" ይብል ኦፊር ዊንተር ካብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል።
እዚ ግን ክሳብ ካይሮ ብጅምላ ቓዛውያን ናብ ግብጺ ክሰግሩ ምፍቃድ ወይ ድማ ኣብ ክንዲኦም ኣንጻር እስራኤል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዘይከይድ ይኣምን።
ኣብ ሰሜናዊ ዶብ እስራኤል እትርከብ ሊባኖስ እውን ነቲ ኩነታት ብቐረባ ትከታተሎ እያ።
ክሳብ ሕጂ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ዘሳተፈ ሓያሎ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕትታት እኳ እንተነበረ፡ ኣንጻር እስራኤል ሓድሽ ግንባር ናብ ምኽፋት ዝበጽሕ ግን ኣይኰነን።
ቀንዲ መዋሊት ሕዝቦላህ ዝኾነት ኢራን፡ ድሮ ኣንጻር እስራኤል "ሓደስቲ ግንባራት" ክትጅምር ምዃና ተፈራርሕ ኣላ።
ኣብዚ ሰሙን'ዚ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ "ንዝኾነ ነዚ ኩነታት ክምዝምዙ ንዝሓስብ ሃገር፣ ንዝኾነ ትካል፣ ሰብ፡ ሓንቲ ቃል ኣለኒ፡ ‘ከይትሓስብዎ’!" ኢሉ።
ነዚ መልእኽቲ ንምጉላሕ ክልተ ነፈርቲ ኲናት ዝጽዕና ዓርሞመርከብ መራኽብ ሓይሊ ምስ ጭፍራታተን ናብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ክጽግዓ ኣዚዙ'ሎ።
እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ናይ መወዳእታ ሽቶኣ እንታይ እዩ?
ሓማስ ብዓቢኡ እንተዝዳኸም፡ ኣብ ክንድኡ እንታይ ምተፈጥረ ዝብል ሕቶ መልሲ የብሉን።
እስራኤል ኣብ 2005 ሰራዊታን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰፋሮ ዜጋታትን ካብ ወሽመጥ ቓዛ ኣውጺኣ’ያ፡ ከም ጎባጢት ሓይሊ ክትምለስ ዝኾነ ዕላማ ኣይክህልዋን እዩ።
ኦፊር ዊንተር፡ ኣብ 2007 ብሓማስ ካብ ቓዛ ዝተባረረ ወግዓዊ ፍልጦ ዘለዎ ብማሕሙድ ዓባስ ዝምራሕ ምምሕዳር ፍልስጤም ቀስ ብቐስ ንኽምለስ መንገዲ ክኸፍት ከምዝኽእል ይኣምን።
እቲ ዕጡቕ ዘይኮነ ምምሕዳር ኣብዚ እዋን’ዚ ንገለ ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ሩባ ዮርዳኖስ ይቆጻጸር ኣሎ።
ግብጺ እውን ዝያዳ ከምዚ ዓይነት ማእከላይ መርገጺ ዘለዎ ጎረቤት ምተቐበለት ይብል።
እቲ ዝዓነወ ትሕተ ቅርጺ ቓዛ ኣብ መወዳእታ ከምቲ ድሕሪ ቀዳሞት ውግኣት ዝነበረሉ መንገዲ ዳግማይ ክህነጽ ክግደድ እዩ።
ቅድሚ መጥቃዕቲ ሓማስ’ውን እንተዀነ፡ እስራኤል ወተሃደራዊ ከምኡ'ውን ሲቪላዊ ረብሓ ክህልዎም ዝኽእል ኣቑሑት ናብ ጋዛ ከይኣትው ጽኑዕ ገደብ ነይሩ። እስራኤል ካብዚ ዝኸበደ ገደብ ክትገብር ክትደሊ እያ።
ንማሕበረሰባት እስራኤል ዝያዳ ውሕስነት ንምሃብ ምስ ቓዛ ጽኑዕ ሓጹር ክህሉ ጻውዒታት ቀሪቡ ኣሎ።
ሓላፊ ኣገልግሎት ውሽጣዊ ጸጥታ ሺን ቤት ነበር ዮራም ኮሄን፡ ነቲ ዝጸንሐ ሓጹር ዝትክእ፡ 2 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ፅኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ዶብ ከምዘድሊ ይኣምን።
ውጽኢት ናይቲ ኲናት ዝኾነ ይኹን፡ እስራኤል ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ዳግማይ ከምዘይፍጸማ ከተረጋግጽ ትደሊ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







