ቻይና ካብ ኲናት እስራኤል - ሓማስ እንታይ እያ ትደሊ ዘላ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዘሎ ግጭት እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዘይተጸበናዮ ምዕባለ ተቐልቂሉ ኣሎ፤ ቻይና ኣብ መንጐ ክልቲኡ ወገን ሰላም ክወርድ ሽምግልና ጀሚራ ኣላ።
እንተዀነ ንኽዕወት ዝድርቱ ገለ ማሕንቘታት ኣለዉ።
ላዕለዋይ ዲፕሎማት ቻይና ዋንግ ዪ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ምስ ሰብመዚ ዋሽንግተን እቲ ግጭት መሰረት ብምግባር ኣብቲ እዋን ዓቢይ ዞባዊ ኲናት ከም ዘስግኦም ተዘራሪቦም።
ኣመሪካ ድማ፡ እዚ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ቻይና ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትያ።
ዋንግ፡ ብተወሳኺ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ማእከላይ ምብራቕ ዛይ ጁን ምስ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ንምርኻብ ናብቲ ዞባ ድሕሪ ምኻዱ፡ ምስ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን መዛኑኡ’ውን ተዘራሪቡ።
ኣብ ኣኼባታት ሕቡራት ሃገራት’ውን ሓደ ካብቶም ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበር ብትሪ ዝድግፉ ኰይኑ ኣሎ።
ቻይና፡ ምስታ ኣብ ቓዛ ንሓማስ ኣብ ሊባኖስ ድማ ንሕዝቦላህ እትድግፍ ኢራን ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና ተጠቒማ ነቲ ኵነታት ከተህድኦ ተስፋታት ኣሎ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ዋንግ ንኢራናውያን “ከህድኦም” ጸቕጢ ከም ዝገበሩ ፋይናንሻል ታይምስ ጸብጺቡ።
ቻይና ዝዓበየት ንግዳዊ መሻርኽቲ ኢራን ኰይና፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ መንጐ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ዝነበረ ዘይምቅዳው ክሃድእ ሸምጊላ።
ኢራን ኣብ ምፍታሕ ኵነታት ቓዛ “ምስ ቻይና ዝርርባት ንምሕያል ድልውቲ” ምዃና ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ቻይና ምስ ኵሎም ተዋሳእቲ እቲ ግጭት ብተዛማዲ ሚዛናዊ ዝምድና ስለ ዘለዎ ሰበስልጣን እታ ሃገር 'ከም ቅኑዓት ሸምገልቲ ክውሰዱ ይኽእሉ’ዮም ክትብል ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ኮሌጅ ኲናት ፖሊሲ ወጻኢ ቻይና እተጽንዕ ሓጋዚት ፕሮፌሰር ዳውን ማርፊ ትዛረብ።
ብፍላይ ቻይና ምስ ፍልስጤማውያን፡ ዓረብ፡ ቱርኪን ኢራንን እወታዊ ዝምድና ከም ዘለዋ ትገልጽ።
“ምስታ ምስ እስራኤል ጽቡቕ ዝምድና ዘለዋ ኣመሪካ ብምዃን ድማ ንዅሎም ተዋሳእቲ ናብ መኣዲ ዝርርብ ከተምጽኦም ትኽእል’ያ” ክትብል ተረድእ።
ካልኦት ተዓዘብቲ ግን ቻይና ኣብ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ ውሱን ተራ ዘለዋ ሃገር ኰይና ከም እትቕጽል ይሕብሩ።
“ቻይና ኣብዚ ጉዳይ ዕትብቲ ተዋሳኢት ኣይኰነትን፤ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ሰባት ብምዝርራብ፡ ቻይና ኣብቲ ፍታሕ ኣበርክቶ ክትገብር ትጽቢት ዝገብር ሰብ የለን" ይብል ኣብ ባይቶ ኣትላንቲክ ክኢላ ርክብ ቻይናን ማእከላይን ምብራቕን ጆናታን ፉልተን።
ቻይና ብዛዕባ ጐንጺ እስራኤል- ሓማስ ዘውጽኣቶ ፈላማይ መግለጺ ንእስራኤል ዘቘጥዐ ነይሩ።
ቻይና ንሓማስ ዘይምዅናን ወይ እስራኤል ንነብሳ ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዋ ዘይምባላ፡ እስራኤል “ዓሚቝ ተስፋ ምቍራጽ” ክስምዓ ከም ዝገበረ ገሊጻ።
ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ካብ ወሽመጥ ቓዛ ወጺኦም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ልዕሊ 1400 ቀቲሎም ብውሕዱ 239 ጅሆ ሒዞም’ዮም።
ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ድማ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ክትፍጽም ጸኒሓ ኣላ፤ ብሰንኪ'ዚ ልዕሊ 8 ሽሕ ከም ዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።
ሕጂ እስራኤል ሰራዊትን ታንክታትን ኣክቲታት ብመሬት ትዋጋእ ኣላ።
ድሕሪ'ቲ ዝሃቦ ፈላማይ መግለጺ ዝነበረ ዕግርግር፡ ሚስተር ዋንግ ንእስራኤል “ኵለን ሃገራት መሰል ርእሰ ምክልኻል ኣለወን” ኢሉ፤ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ድማ ተግባራት እስራኤል “ካብ ዓንኬል ርእሰ ምክልኻል ወጻኢ” ከም ዝዀነ ገሊጹ።
ቻይና፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ጉዳይ ፍልስጤም ተደናጋጺት ስለ ዝዀነት፡ ሚዛን ንምሕላው ትጽገም ኣላ።
እዚ ድማ ምስቲ ኣብ መላእ ዓለም ይካየዱ ንዝነበሩ ምንቅስቓሳት “ሃገራዊ ሓርነት” ንምድጋፍ ብዝብል መትከል ንፍልስጤማውያን ኣጽዋር ዝለኣኸ መስራቲ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ማኦ ዘቱንግ ዝተኣሳሰር እዩ።
ማኦ፡ ንእስራኤል ምስ ታይዋን - ክልቲአን ብኣመሪካ ዝድገፋ - ከም መደበራት ምዕራባዊ ሃጸይነት ገይሩ’ዩ ዝርእየን ነይሩ።
ኣብ ዳሕረዎት ዓሰርተታት ዓመታት ቻይና ብቝጠባዊ መዳይ ምስ እስራኤል ዝምድናኣ ናብ ንቡር ከም ዝምለስ ገይራ።
ሕጂ ክልቲአን ሃገራት ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ንግዳዊ ዝምድና ኣለወን።
ቻይና ግን ንፍልስጤም ትድግፍ ከም ዘላ ግልጺ ገይራ’ያ።
ሰበስልጣን ቻይና ይዅን ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንን ብዛዕባ እዚ ግጭት ኣብ ዘስምዑዎም ዘረባታት፡ ኣድላይነት ናጻ ሃገር ፍልስጤም ኣስሚሮምሉ።
ሓደ ጐድናዊ ሳዕቤን ድማ፡ ብሃገራውያን ጸሓፍቲ ዝድገፍ ጸረ-ሴማውነት ኣብ ኢንተርነት ምዕባዩ’ዩ።
ገሊኦም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቻይና ንተግባራት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤም ምጽናት ዓሌት ፈጺሞም ብምባል ምስ ናዚ ማዕረ ገይሮም ይገልጽዎ።
ኣብ በይጂን ንሓደ ኣባል ስድራቤት ሓደ ሰራሕተኛ ኤምባሲ እስራኤል ብኻራ ምቕታሉ እውን ነቲ ቅልውላው ኣጐሃሂርዎ።
እዚ ኵሉ ቻይና ንመንግስቲ እስራኤል ንምዝርራብ ኣብ እትፍትነሉ እዋን ጽቡቕ ምስሊ ዝህባ ኣይኰነን።
እቲ ዘይርጉጽነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቻይና ስለምንታይ እያ ኣብዚ ትኣቱ ዘላ? ዝብል ሕቶ ንመልስ።
ሓደ ምኽንያት፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዋ ቍጠባዊ ረብሓ ኰይኑ፡ እዚ ግጭት ናብ መላእ እቲ ዞባ እናሰፍሐ እንተኸይዱ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ’ዩ።
በይጂን፡ ምንቅስቓሳ ኣብቲ ካብ ካልኦት ሃገራት እተእትዎ ነዳዲ ዝምርኮስ እዩ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣስታት ፍርቂ ናይዚ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ከም ዝመጽእ ተንተንቲ ይግምቱ።
ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብቲ እምነ ኵርናዕ ፖሊሲ ወጻኢን ቍጠባን ቻይና ዝዀነ ተበግሶ ሓደ ቅናት ሓደ መገዲ (BRI) ኣገደስቲ ተዋሳእቲ እናዀና ይመጽኣ ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልእ ምኽንያት ግን እቲ ግጭት ቻይና ተቐባልነታ ንምዕባይ ክትሰርሓሉ ዘኽእላ ወርቃዊ ዕድል ምዃኑ እዩ።
ቻይና፡ “ምስ ፍልስጤማውያን ደው ምባል ምስ ሃገራት ዓረብ፡ ዝበዝሑ ኣስላም ዝነብሩለን ሃገራትን ሰፊሕ ክፋል ደቡባዊ ዓለምን ሓቢሩ ዝኸይድ’ዩ” ኢላ ከም እትኣምን ዶክተር ማርፊ ተመልክት።
ቻይና ካብ ኣመሪካ ንላዕሊ ንዓለም ዝሓሸት ሃገር ኰይና ኣብ እትቐርበሉ ዘላ እዋን እዩ እቲ ኲናት ተወሊዑ።
ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ፡ ነቲ ከም ውድቀት "ልዕልና" ኣመራርሓ ኣሜሪካ ዝርኣዮ እናነቐፈት፡ ብቻይና ዝምራሕ ስርዓት ዓለም ተስፍሕ ኣላ።
ቻይና፡ ነቲ ኣመሪካ ንእስራኤል ዘለዋ ደገፍ ብወግዒ ኣይኰነነትን።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ግን መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጸም ዘሎ ዛዕባ ኣመሪካ ንእስራኤል ዘለዋ ደገፍ ብምዝማድ ይጽብጽባ ከም ዘለዋ ዶክተር መርፊ ትዛረብ።
ወተሃደራዊት ጋዜጣ ቻይና ፒኤልኤ ደይሊ፡ ኣመሪካ "ኣብ ልዕሊ ሓዊ ነዳዲ ወሲኻ" ክብል ከሲሱ።
እዚ ድማ በይጂን ዋሽንግተን ኣብ ኲናት ዩክረይን ንኪቭ ብምሕጋዛ እትነቕፈሉ ዝነበረት ኣገላልጻ እዩ።
እታ ብመንግስቲ እትመሓደር ብቋንቋ እንግሊዝ እትሕተም ጋዜጣ ዘ ግሎባል ታይምስ፡ ካርቱን “ብደም ዝጠልቀየ ኣእዳው ሳም” ኣሕቲማ።
ተዓዘብቲ፡ በይጂን ኣንጻር ኣሜሪካ ዘለዋ መርገጺ ብምግንዛብ፡ ዓለማዊ ደረጃ እታ ምዕራባዊት መነሓንሕታ ከተውርዶ ትኽእል እያ ዝብል ግምት ኣለዎም።
ቻይና ግን ንሓማስ ብግልጺ ብዘይምኹናን ናይ ገዛእ ርእሳ መርገጺ ከየዳኽሞ’ውን የስግእ።
ቻይና ኣብ ናይ ነዊሕ እዋን ድሌታታ ዘጋጥሙዋ ብድሆታት ኣለዉ።
እቲ ሓደ ዲፕሎማስያዊ መርገጺኣ ምስ ናይ ገዛእ ርእሳ ሕሉፍ ጕዕዞ ከመይ ገይሩ ክመዓራረ ከም ዝኽእል እዩ።
ምስ ሃገራት ኣስላም ዘለዋ ምትሕግጋዛ ክትገልጽን እስራኤል ንመሬት ፍልስጤም ምጕባጣ ክትቃወምን እንከላ፡ በይጂን ግን መሰል ውሑዳን ኣስላም ዊገር ብምግሃስን ምጽናት ዓሌት ብምፍጻምን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቲበት ግዱድ ምውህሃድ ብምፍጻማ ትኽሰስ ኣላ።
ቻይና ምስ ሃገራት ዓረብ ዝሃነጸቶ ድልዱል ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምናልባት እቲ ዝቐርበላ ክስታት ንዓረባዊ ዓለም ዘገድስ ኣይምዀነንን ይብሉ ተዓዘብቲ።
እቲ ዝዓበየ ጸገም፡ በይጂን ኣብ ጽምዶኣ ከም ላዕለዋይ ደረጃ ወይ ካብኡ ብዝሰገረ ክትርአ ምድላይ፡ ንግጭት እስራኤልን ሓማስን ተበሊጻ ረብሓታታ ከተሰጕም ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ኣሎ።
ቻይና “ንፍልስጤም ይድግፍ’የ ብምባል ካብ ሃገራት ዓረብ ጽቡቕ ነጥቢ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ኢላ ትግምት፤ እዚ ድማ ምሉእ ኣገባብ ኣይኰነን” ዝብል ዶክተር ፉልተን፡ ሃገራት ዓረብ ኣብቲ ጉዳይ ኣዝዩ ዝተፈላለየን ውሁድ ዝዀነ ድምጺ ከም ዘየለን ኣመልኪቱ።
ሚስተር ዋንግ፡ ቻይና ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ጥራይ እያ ትደሊ፤ ኣብ ሕቶ ፍልስጤም ድማ ተበላጺ ድልየት ከም ዘይብላ ገሊጹ።
እቲ ብድሆ ግን ንዓለም እዚ ሓቂ ምዃኑ ምእማን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







