‘ህወሓት’ ብዝብል ስም ሓዱሽ ውድብ ንምቛም ዝቐረበ ሕቶ ተነፂጉ

ምንጪ ስእሊ, NEBE
'ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)" ብዝብል ስም ሓዱሽ ክልላዊ ሰልፊ ንምቛም ዝቐረበ ሕቶ መባእታዊ ፍቓድ ከም ዝነፀገ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ኣብታ ክልል 'ህወሓት' ብዝብል ስም ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ውድብ ምህላዉ ከም ዝዀነ እቲ ቦርድ ገሊጹ።
ብ12 ግንቦት 2015 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) 'ህወሓት' ዝተብሃለ ሓዱሽ ክልላዊ ውድብ ቅድመ ኣፍልጦ ክዋብ ዝሓትት ኣይተ ገብረሚካኤል ተስፋይ ብዝተበሃለ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ኮሚተ ዝተፈረመ ደብዳበ ናብ ቦርድ መረፃ ቀሪቡ ነይሩ።
እቲ ብኣይተ ገብረሚካኤል ካልኦት ሰለስተ ውልቀሰባትን ዝምራሕ ቦርድ መረፃ 120 መስረትቲ ኣባላት ዝሓዘ ዝርዝር ኣተሓሒዙ እዩ ሕቶ ኣቕሪቡ።
"ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ክልል ትግራይ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሃገርና ብዝርከቡ መረጽቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝፍለጥ ምዃኑ ንጹር'ዩ" ክብል እቲ ቦርድ ሓቢሩ።
እቲ ሕቶ ቅድመ ኣፍልጦ ዝቐረበሉ ስም ኣብ እዋን መረፃ ይኹን ካብ መረፃ ወፃኢ ኣብ ዜጋታት ምድንጋር ከም ዘይፈጥር ክረጋገፅ ይግባእ ኢሉ።
ስለዝዀ ድማ እቲ ቦርድ ምስ ዝምልከቶም ድንጋገታት ብምንጽጻር ነቲ ሕቶ ከም ዘይተቐበለ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ሕቶ ብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፍለጥ ውድብ ባዕሉ ዝቐረበ ድዩ ወይስ ብኻልኦት ብንጹር ኣይተገልጸን።
ህወሓት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ስዒቡ ሕጋዊ ኣፍልጦኡ ብቦርድ ከም ዝተሰረዘን ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ተባሂሉ ተኣዊጁ ከም ዝነበረን’ውን ይዝከር።
ፌደራል መንግስትን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ዝተሳተፉ ህወሓትን ነቲ ኲናት ከብቅዕ ኣብ ስምምዕ ሰላም ምስ በጽሑ፡ እቲ ውድብ ካብ ዝርዝር ግብረሽበራ ወጺኡ’ዩ። እንተዀነ ግን፡ ሕጋዊ ኣፍልጦኡ ብቦርድ መረጻ ኣይተመለሰሉን።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ብኣቦ መንበር ዶ/ር ደብረ ጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት ሕጋዊ ኣፍልጦ ክምለሰሉ ሓቲቱ ነይሩ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ግን እቲ ተሰሪዙ ዝጸንሐ ሕጋውነት ክለዓል ዘቕረቦ ሕቶ ከም ዝተነጸገ ኣፍሊጡ እዩ።
እቲ ቦርድ፡ ህወሓት ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዳግመ ምዝገባ ሕቶ ምስ ኣቕረበን እቲ ቦርድ ብሕጊ መሰረት ምስ ኣጽደቖን ጥራይ ሕጋውነት ክረክብን ንጥፈታቱ ክጅምርን ከም ዝኽእል ከም ዘመልከተ ይዝከር።
እቲ ሰልፊ ሕጋዊ ኰይኑ ንኽንቀሳቐስ ዘኽእሎ ሕቶ ምዝገባ ኣቕሪቡ፡ እቲ ቦርድ ኸኣ ንሕጊ ሰልፍታት ክማላእ ዝግባኦ ቅጥዒ ከም ዘማልአ ምስ ኣረጋገጸ ጥራይ ሕጋዊ ከም ዝኸውን ገሊጹ።
ነዚ ስኢቡ፡ ህወሓት ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ወጻኢ’ዩ ብምባል ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ተቓዊሙ ነይሩ።
“ኣብ ፕሪቶርያ ንዝተገበረ ስምምዕን ንሕግን መሰረት ዘይገበረ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ነቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ንምትግባር ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ዋና ዘይብሉ ዝገብር’ዩ” ብምባል ንውሳነ እቲ ሃገራዊ ቦርድ ኮምሽን መረጻ ኢትዮጵያ ዘለዎ ተቓውሞ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ተስፋ ሰላም ኣክንዲ ምድጋፍ፡ ነቲ ቀንዲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈራረመ ህወሓት ኣፍልጦ ከም ዘይህልዎ ንምግባር ዘሕለፎ ውሳነ ብሕግን ብፖለቲካን ተቐባልነት የብሉን” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







