ምዕጣር ቆርበት ገጽ ንምውጋድ ዝተሓከሙ ልዕሊ 30 ሰባት ተመሪዞም

ኣብ ገዛ መርፍእ እትውጋእ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ቅድሚ ቍሩብ ሰሙናት ምዕጣር ቆርበት ገጽ ንምውጋድ ዝተሰንዐ ቦቶክስ ዝተባህለ መድሃኒት ዝተወግኡ ልዕሊ 30 ሰባት ከም ዝተመረዙ ተገሊጹ።

ኣብ ቆርበት ዘጋጥም ምሽምራርን ምሽብሻብን ቆርበት ንምግታእ ተባሂሉ ዝወሃብ መድሃኒት ቦቶክስ ኣብ ምቅማሙ ዝዀነ ምምጥጣን ዓቐን ምስ ዝጐድሎ ወይ ምስ ዝዛባዕ፡ ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ንህይወት ሓደገኛ ዝዀነ ምምራዝ ከቃልዖም ይኽእል'ዩ።

ኤን.ኤች.ኤስ. ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እንግሊዝ ፍቓድ ዘይተዋህቦ መድሃኒት ዝተዋህቦም 38 ሰባት ናይ ምምራዝ ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ ተሓከምቲ ቅድሚ መድሃኒት ምውሳዶም እቲ ዝሕክሞም ዘሎ ሓኪም ወግዓዊ ፍቓድ ከም ዘለዎን እቲ መድሃኒት ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ከም ዝዀነን ከረጋግጹ ኤን.ኤች.ኤስ. ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ብመርፍእ ዝወሃብ መድሃኒት ኣብ ገጽ ዝፍጠሩ ዕጥርጥርን ምሽምራር ናይረ ቆርበትን ንምጕዳል ዝወሃብ ዝውቱር መድሃኒት'ዩ።

ነዚ መድሃኒት ንምስራሕ ዝውዕል ቦቱሊኒዮም፡ ዝተጻረየ መጠናዊ መርዚ ዘለዎ ኰይኑ፡ እቲ መድሃኒት ካብቲ ግብኡ ንላዕሊ ቦቱሊኒዮም ምስ ዝህልዎ ወይ ልዕሊ ዓቐን ምስ ዝወሃብ ንተሓካሚ ክምርዝ ከም ዝኽእል'ዩ ዝግለጽ።

ኤን.ኤች.ኤስ. ከም ዝገለጾ፡ እቶም ዝተመረዙ 38 ሰባት፡ ፍቓድ ዘይተዋህቦ መድሃኒት ብምውሳዶም ዝስዓበ ከም ዝዀነ ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ፍቓድ ዘይተዋህቦ መድሃኒት ዝተመረዙ እቶም ተሓከምቲ ናይ ምስትንፋስ ጸገምን መግቢ ክውሕጡ እንከለዉ ብርቱዕ ቃንዛን ንምዝራብ ምጽጋምን ዝኣመሰለ ጥዕናዊ ጸገማት ከም ዘጋጠሞም ተሓቢሩ። መብዛሕትኦም ከኣ ንምትንፋስ ዘሕግዞም ሕክምናዊ መሳርሒ ከም ዝተገበረሎም ሓካይም ገሊጾም።

ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እቲ ምምራዝ ከበሮ ዓይኖም ንምእዛዝ ምጽጋምን ናይ ዓይኒ ጸገምን ምድካም ጅማወቲ ገጽን ከም ዘስዓበሎም ሓካይም ገሊጾም።

ኣብ ኤንኤችኤስ ዝሰርሕ ዶክተር ጋሪው ጋድልቦል ከምዚ ዓይነት ምምራዝ እቲ ምልክታት ንኽረአ ክሳብ ኣርባዕተ ሰሙናት ከወስድ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ከምዚ ዓይነት መድሃኒት ዝወሰዱ ሰባት ናብ ማእከላት ሕክምና መጺኦም ግቡእ መርመራ ክገብሩ ጸዊዑ።

ኣብ ገጽ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ዓይኒ ንዘጋጥም ምሽብሻብ ቆርበት ንምውጋድ ኣብ ዝዀነ ቦታ መድሃኒት ምውሳድ ክውገድ ከም ዘለዎ ምኽሩ ዝለገሰ እዚ ብዓል ሞያ፡ ነዚ መድሃኒት ክወስዱ ዝደልዩ ሰባት ፍቓድ ናብ ዝተዋህቦ ሓኪም ከይዶም ፍቑድ መድሃኒት ክወስዱ መኺሩ።