'ስቶክሆልም ሲንድሮም' እንታይ እዩ፣ ከምዘጥቅዓናኸ ብኸመይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነሓሰ 1973 ቀዝሒ ወዲቕሉ ኣብ ዝነበረ ንግሆ፡ ጃን-ኤሪክ ኦልሰን ኣብ ስቶክሆልም ናብ ዝርከብ ባንክ ኣተወ - ምስ ሽጕጡ። መደቡ ገንዘብን ጅሆታትን ሒዙ ንምኻድ እዩ ዝነበረ።
ነቲ ኣብዚ ግዜ'ዚ ግኑን ኰይኑ ዝርከብ "ስቶክሆልም ሲንድሮም" ዝብል ኣምር ንኽፍጠር ምኽንያት ክኸውን እየ ኢሉ ግን ፍጹም ሓሲቡ ኣይፈልጥን።
እዚ ፍርቁ ዕምሩ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ዘሕለፈ ሰብ፡ ብ24 ሰነ 2025 ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ከም ዝዓረፈ ቤተሰቡ ገሊጾም።
ናብቲ ናይ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ዛንታኡ ንመለስ. . .
ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ፓሊስ መጺኦም ነቲ ህንጻ ከበቡዎ። ኦልሰን ከይእሰር ብምስጋእ ንሰለስተ ደቀንስትዮን ሓደ ወዲተባዕታይን ሰራሕተኛታት ናይቲ ባንክ ጅሆ ሓዞም። ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ድማ ኣእተዎም።
ኣብ መንጎ ኦልሰን ፖሊስን ዘተ ተጀመረ'ሞ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከብ ዓርኩ ክላርክ ኦሎፍሰን ተፈቲሑ ናብኡ ክመጽኦ ሓተተ። ምእንቲ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ተባሂሉ ድማ ኣብ ስምምዕ ተበጽሐ።
ዓርኩ ምስ መጽኦ፡ ፍርቂ ሚልዮን ክሮነር ከምኡ'ውን ካብ ሽወደን እተውጽኦም ሄሊኮፕተር ክትወሃቦም ሓድሽ ጠለብ ኣቕረቡ።
እቲ ኵነታት ቀልጢፉ መዕለቢ ክረክብ ኣይከኣለን፣ ወዮ ንመላእ ከተማ ዝጸለወ ወጥሪ ንሽዱሽተ መዓልታት ቀጸለ።
እቶም ክልተ ኣዕሩኽ፡ ነቶም ኣብ ትሕተ-ባይታዊ ክፍሊ ኰይኖም ስግኣትን ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢን ዝስምዖም ዝነበረ ጅሆታት እንሓንሳብ ብህድኣት፡ ኣብ ገለ ኵነታት ድማ ብነድርን ሓደገኛን መንገዲ ይዛረቡዎም ነበሩ።
መዓልታት እናቐጸለ እንከሎ ግን ኣብ መንጎ ሓድሽ ክስተት ተፈጥረ። እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ኣብ ፈለማ ፍርሒ ዝነበሮም ሰባት ነቶም ቀየድቶም ብኻልእ መንገዲ ክርእዩዎም ጀመሩ። ኣብ መንጎ እቲ ብርቱዕ ጸቕጥን ተነጽሎን፡ ሓደ ዘገርም ርሕራሐ ተወልደ።
ክርስቲን ከምኡ'ውን ብሪግታ ዝተባህላ ነቲ ጅሆ ዝሓዘን ኦልሰን ክከላኸላሉ፡ ካብኡ ሓሊፈን ምእንቲ ድሕነቱ ንፖሊስ ክልምናሉ ተራእያ።
እቶም ነዋሕቲ መዓልታት ዘሕልፉን ነቲ ወጥሪ ዝመልኦ ዘተ ዝዕዘቡን ዝነበሩ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ነቶም ከርደንቶም ክርድእሎምን ይቕረ ክብልሎምን ጀመሩ።
ኦልሰንን ኦሎፍሰንን ክፉኣት ዘይኰኑ፡ ብሰንኪ እቲ ዝነበሩዎ ከቢድ ኵነታት ኣብ ጌጋ ዝወደቑ መንእሰያት ገይሮም ክርእዩዎም ከኣሉ።
ቀጺሎም፡ ነቶም ብደገ ኰይኖም ክሕግዝዎም ዝፍትኑ ዝነበሩ ሰበስልጣን ምትሕብባር ኣብዮም፡ ነቶም ጅሆ ዝሓዙዎም እሙናት ክዀኑ ተራእዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኦልሰን ንሓንቲ ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ክሪስቲን ኤንማርክ ኣብ ክንድኦም ኰይና ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ሽወደን ብተለፎን ክትዘራረብ ኣእመና።
እቶም ጨውዮማ ዘለዉ ዘምልጡላ መኪና እንተ ተዳልያትሎም ምስኦም ክትወጽእ ክፍቀደላ ለመነቶ፣ ነቶም ከርደንታ፡ "ምሉእ ብምሉእ ይኣምኖም እየ. . . ዋላ ሓንቲ ኣይገበሩናን፡" በለቶ።
ኣስዒባ ድማ፡ "ብኣንጻሩ ኣዝዮም ጥዑማት ሰባት እዮም. . . እመኑ ኣይትእመኑ ኣብዚ ጽቡቕ ግዜ ኢና ነሕልፍ ዘለና፡" በለት።
ኤንማርክ፡ ኣብቲ ዘካየደቶ ሓያሎ ናይ ተለፎን ዝርርብ፡ እቶም ጅሆ ዝሓዙዎም ብፖሊስ ከይጕድኡ ከም ዝሰግአትን ነቲ ተግባሮም ብተደጋጋሚ ከም ዝተኸላኸለትሎምን ገሊጻ።
ኣብ ዝጸሓፈቶ መዘክራ ድማ፡ "ዋላ ሓደ ከም ዘየጋጥመኒ ቃል ኣትዩለይ፡ ኣነ ድማ ክኣምኖ ወሲነ። ገና ንህይወተይ ዝፈርሓላ ጓል 23 ዓመት እየ ነይረ፡" ክትብል ጽሒፋ።
ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብ ሻድሻይ መዓልቲ፡ ፖሊስ ናብቲ ባንክ ንምእታው ስርሒት ብምግባር ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናጻ ኣውጽኡዎም።
ኣብቲ መስርሕ ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣጋጣሚ ኰይኑ ዝተጐድአ ኣይነበረን።
እንተዀነ፡ እቲ ካብ ሽወደን ሓሊፉ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ኣቓልቦ ስሒቡ ዝነበረ ፍጻመ፡ መልሲ ዘድልዮ ሓደ ዓቢይ ሕቶ ኣለዓዓለ - እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ነቶም ዝኸርደንዎም ብኸመይ ክድንግጽሎም ክኢሎም?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ መጀመርታ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ብፖሊስ ብጥይት ከይህረሙ ብምስጋእ፡ ነቶም ዝኸርደኑዎም ሓዲጎም ምውጻእ ኣብዮም። ቀጺሎም እውን ኣብ ልዕሊ ኦሎፍሰንን ኦልሰንን ኣብ ዝቐረበ ክሲ ምስክርነት ምሃብ ኣብዮም።
ንሕጋዊ መስርሕ ናይቶም ከርደንቶም ዝኸውን ገንዘብ እውን ኣዋጺኦም።
ካብ ሽዑ ጀሚሮም ክኢላታት፡ ስቶክሆልም ሲንድሮም ጭቡጥ ናይ ስነኣእምሮ ሕማም ምዃኑ ክካትዑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ስንባደ ንዘስዕቡ ኵነታት ንምጽዋር ዝሕግዝ መከላኸሊ ኣገባብ ምዃኑ ይምጕቱ።
እዚ 'ስቶክሆልም ሲንድሮም' ዝብል ቃል ብሽወደናዊ ክኢላ መርመራ ገበንን ሓኪም ስነኣእምሮን ኒልስ በጀሮት ዝተማህዘ ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ጅሆ ዝሓዙዎም ሰባትን እቶም ግዳያትን ንዝምስረት ዘይርትዓዊ ዝመስል ፍትወት ዝገልጽ እዩ።
እዚ ክልሰ-ሓሳብ'ዚ፡ ፓቲ ሄርስት ዝተባህለት ወራሲት ናይ ጋዜጣ ካሊፎርንያ ብ1974 ብዕጡቓት ድሕሪ ምጭዋያ ዝሰዓበ ፍጻመ 'ስቶክሆልም ሲንድሮም' ዝብል ኣምር ኣቓልቦ ክረክብ ከኣለ።
እታ ሃብታም ጐርዞ ነቶም ዝጨወዩዋ ዝራሕራሐትሎም ትመስል፣ ምኽንያቱ፡ ምስኦም ኰይና ኣብ ምዝማት ሓደ ባንክ ተሳተፈት። ፖሊስ ምስ ሓዙዋ ድማ ናብ ቤት-ማሕቡስ ኣተወት።
ጠበቓኣ፡ እታ ጓል 19 ዓመት መንእሰይ በቶም በደልታ ጽልዋ (ሕጽበተ-ኣእምሮ) ከም ዝሓደራን ብ'ስቶክሆልም ሲድሮም' ከም ዝተጠቕዐትን ገለጸ'ሞ፡ እቲ ሓድሽ ዝነበረ ኣምር ድማ ህቡብነት ረኸበ።
ኤንማርክ ኣብ 2021 ኣብ ቢቢሲ ሳይድዌይስ ፖድካስት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እዚ ነቲ ግዳይ ንምውቃስ ዝግበር ሜላ እዩ፣ ብህይወት ንኽነብር ዝከኣለኒ ገይረ፡" ብምባል፡ ንኣምር ስቶክሆልም ሲንድሮም ትነጽጎ።
ገለ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ ኤንማርክ ምስ ኦልሰን ኣዝዩ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዝሃነጸትን ክሳዕ ኣብ ሕጸ ከም ዝበጽሑን ይገልጹ።
ኦሎፍሶን ተደጋጋሚ ገበን ይፍጽም ስለ ዝነበረ፡ መብዛሕትኡ ህይወቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ ቤልጂየም ምስ ዕጸፋርስ ብዝተኣሳሰር ገበን ድሕሪ ምእሳሩ፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 2018 ተፈቲሑ።
ምልክታት 'ስቶክሆልም ሲንድሮም'
ዋላ'ኳ 'ስቶክሆም ሲንድሮም' ወግዓዊ ምርመራ ዘይግበረሉ እንተዀነ፡ ከምዚ ተግባራት ዘርእዩ ሰባት ብሓባር ዘንጸባርቕዎም ምልክታት ዘለዉ ይመስሉ፤
- ምስ በዳሊኻ ብፍቕሪ ምትእሳሳር ወይ ጥቡቕ ቅርበት ምፍጣር፣
- ንበዳሊኻ ክትድግፎ ምፍታን፣
- ካብቲ ዘለኻዮ ኵነታት ከውጽኡኻ ንዝፍትኑ ሰባት ዘይምእማን ወይ ኣብ ልዕሊኦም ምቝጣዕ፣
- ነቲ በዳሊ ዝገብሮ ዘሎ ምኽንያታውነት ወይ ርትዓውነት ክትፈጥረሉ ምጽዓር/ምፍታን፣
- ክብሪ ሰብ ምሕላው ከም መሰረታውን ተራን ነገር ዘይኰነ ከም ሕያውነት ገይርካ ምርኣይ፣
- ሓይሊ-ኣልቦ ወይ ስልጣን ኣልቦ ምዃንካ ምስማዕ።
ናብ 'ስቶክሆልም ሲንድሮም' ዘቃልዑ ጠንቅታት
ጠንቅታት ናይ 'ስቶክሆልም ሲንድሮም' ንምርዳእ ስነኣእምሮኣዊ፡ ማሕበራውን ኵነታውን ረቛሒታት ብዝተወሳሰበ መንገዲ ምድህሳስ ከም ዘድሊ ክኢላታት ይገልጹ።
ግዳያት ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን ኵነት ምስ ዝህልዉ፡ ብህይወት ናይ ምቕጻሎም ተኽእሎ ንምዕባይ ኣብ ልዕሊ በደልቶም እወታዊ ስምዒት ከማዕብሉ ይኽእሉ። ብስምዒት ብምትእስሳር ድማ ካብ በደሊኦም ክመጽኦም ንዝኽእል ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ከጕድሉ ይኽእሉ።
ዌስት ሚድላንድ ፖሊስ ሓሙሽተ ብኣሰጋገርቲ ሰባት ዝመጽኣ ደቀንስትዮ ናብ ናብዮት ዝካየደሉ ማሕቡስ ምስ ወሰደን፡ ኵለን መስርሕ ምኽሪ ክካየደለን ኣብየን።
"መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዘይምዕሩይ ሓይለ-ስልጣን ምስ ዝህሉ ግዳያት ምስ በዳሊኦም ስምዒታዊ ወይ ስነኣእምሮኣዊ ምትእስሳር ዝገብርሉ ሓደ ዓይነት ስቶክሆም ሲንድሮም ክህሉ ይኽእል እዩ፡" ይብል ካብ ዌስት ሚድላንድ ፖሊስ ቲም ቤኮን።
እቲ በዳሊ ንኸም ማይ፡ መግቢን መጽለልን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ድሌታት ደቅሰብ ዝቈጻጸሮ እንተዀይኑ፡ እቲ ኣብኡ ዝምርኰስ ግዳይ ምስ ዓማጺኡ ስምዒታዊ ምትእስሳር ከዕቢ ይኽእል እዩ።
ኣማኻሪት ሕክምናዊ ስነኣእምሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ጀኒፈር ዋይልድ፡ "ቀንዲ ኣብነት ናይዚ ዘቤታዊ ዓመጽ እዩ - ብሕልፊ ኣብ ጓለንስተይቲ፡" ትብል'ሞ፡ "ኣብ ልዕሊ መጻምድታ ናይ ምምርኳስ ስምዒት ምስ ዝህልዋ ምስኡ ትቕጽል፡" ክትብል ተብርህ።
"ኣብ ክንዲ ትሓርቕ ርሕራሐ ክስምዓ ይኽእል እዩ።"
ተነጽሎ'ውን ካልእ ረቋሒ ምዃኑ ይግለጽ። ግዳያት ካብ ግዳማዊ ጽልዋታት ዝተገለሉ ምስ ዝዀኑ፡ እቲ በዳሊኦም እቲ ቀንዲ ምንጭን ድሕነትን ምዃኑ ብምእማን ስነኣእምሮኣዊ ጽግዕተኛነት ክፈጥረሎም ይኽእል።
"ግህሰት ህጻናትን ቈልዑን [Child abuse]፡ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ደቈም ስምዒታዊ ኰነ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ከለዉ እዩ። ይዅን'ምበር፡ እቲ ቈልዓ ነቶም ወለዱ ክከላኸለሎም፡ ብዛዕባ'ቲ ዝፍጸም ዘሎ ዘይክዛረብ ወይ ከኣ ክሕሱ ይኽእል እዩ፡" ትብል ክኢላ ሕክምና ስነኣእምሮ ጀኒፈር ዋይልድ።
ስግኣትን ፍርሕን ዓሚቝ ጽልዋ ኣለዎም። እቲ ዝጭቍኖም ዘሎ ከም እንኮ ዋልታኦም ገይሮም እንድሕር ዝርእዩዎ ኰይኖም፡ ኣብ ልዕሊ በዳሊኦም ሓልዮት ከሕድሩ ይኽእሉ።
እቲ በዳሊ ኰነ ኢሉ ንኣረኣእያታትን ስምዒታትን ናይቲ ግዳይ ብስነኣእምሮኣዊ ብልሓታት ኣቢሉ ክቈጻጸሮ ይኽእል እዩ። በዚ ድማ ንበዳሊኡ ከም ብሉጽ ሰብ ገይሩ ክርእዮ ይኽእል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







