ሽወደን፡ ቍርኣን ዘቃጸለ ሰብ 'ብጥይት ተቐቲሉ'

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቍርኣን ድሕሪ ምቅጻሉ ጐነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞታት ዘስዓበ ሰብ፡ ኣብ ሽወደን ብጥይት ተቐቲሉ።
እቲ ሳልዋን ሞሚካ ዝተባህለ ውልቀሰሰብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ምሸት ሶደርታልየ ኣብ ዝተሰምየ (ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ) ህንጻ ከም ዝተቐትለ ኣኽበርቲ ሕጊ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ሞሚካ ኣብ 2023 ኣብ ኣፍ-ደገ ዓቢይ መስጊድ ስቶክሆልም ቅዱስ መጽሓፍ እስልምና ብሓዊ ምስ ኣቃጸለ ናዕቢ ተላዒሉ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ኣብ 40ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ ኣብቲ ምሸት ብዝተተኰሰሉ ጠያይቲ ህይወቱ ድሕሪ ምሕላፋ፡ ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዘለዉ፡ ፖሊስ ስቶክሆልም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ረቡዕ ሰዓት 23፡11 (ሰዓታት ሽወደን) ኣብቲ ህንጻ ተዅሲ ምስ ተፈጸመ፡ መኮንናት ፖሊስ ድሕሪ ዝቐርበሎም ጻውዒት ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም።
ብፖሊስ ስሙ ዘይተጠቕሰ ሰብኣይ ብጥይት ተሃሪሙ ተረኺቡ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ፡ ንጽባሒቱ ንግሆ ከም ዝሞተ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ናይቲ ከባቢ መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝሓበርኦ፡ ሳልዋን ሞሚካ ኣብ ከባቢ እቲ ዝተቐትለሉ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቀጥታዊ ፈነወ ይገብር ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እዚ ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ዒራቓዊ፡ ኣብ ነሓሰ 2023 ጥራሕ፡ "ኣንጻር ሓደ ብሄር ቅስቀሳ" ኣካይድካ ብዝብል ኣርባዕተ ግዜ ክሲ ተመስሪትሉ።
እቲ ብሓሙስ ክወሃብ ዝነበሮ ውሳነ፡ "ሓደ ካብቶም ተኸሰስቲ ከም ዝሞተ ብዝተረጋገጸ" ክናዋሕ ከም ዝተገብረ፡ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ስቶክሆልም ገሊጹ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሶን፡ ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ኣብቲ መርመራ ዝተሳተፈሉ ምኽንያት፡ "ምስ ሓይልታት ወጻኢ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ርዱእ ስለ ዝተወስደን ዝነበሮ ሓደጋ ስለ ዝተራእየን እዩ፡" ክብል ኤስቪቲ ጸብጺቡ።
ሞሚካ ተኸታታሊ ጸረ እስልምና ተቓውሞታት ብምክያዱ፡ ኣስላም ኣብ ዝበዝሑወን ሃገራት ቍጥዐ ኣለዓዒሉ እዩ።
ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን ክልተ ግዜ ናዕቢ ክካየድ እንከሎ፡ ኣምባሳደር ሽወደን ድማ ብዲፕሎማስያዊ ምትህልላኽ ካብታ ከተማ ተባሪሩ።
ፖሊስ ሽወደን፡ ቅዱስ መጽሓፍ ብምቅጻል ተቓውሞኡ ክገልጽ ንቅዋም እታ ሃገር ተወኪሱ ፍቓድ ሂቡዎ ነይሩ እዩ።
ድሒሩ ግን፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ገለ ኵነታት ጽሑፋት ብምንዳድ ዝግበሩ ተቓውሞታት ዝእለየሉ ኣገባብ ንምድላይ ሕጋጋት ክኽለስ ምዃኑ ቃል ኣትዩ እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







