ኣነባብራ፡ ዘይጾሙን ሰላት ዘይሰግዱን ማሕበረሰብ ኣስላም

ተኸተልቲ እምነት ባዬ ፎል፡ ከበሮ እናወቕዑን ፊስካ እናነፍሑን ይጽንብሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተኸተልቲ እምነት ባዬ ፎል፡ ከበሮ እናወቕዑን ፊስካ እናነፍሑን ይጽንብሉ

ኣብ ማእከላይ ሰኔጋል፡ ማብኪ ካዲዮር እትበሃል ቍሸት ኣላ።ኣብዚ ብዓውታ ዝስማዕ እስላማዊ መዛሙር ኣሎ።

ካብ መስጊድ ወጻኢ ከቢቦም ድምጾም ሓፍ ኣቢሎም ይዝምሩ።ብድሕሪኦም ሓዊ ክነድድ ይርኣይ፤ ኣብ ውሽጢ ነጸብራቕ እቲ ነበልባል ሓዊ ኸኣ ምንቅስቓስ ሰብነቶም ትዕዘብ።

ዝተቛጸረ ጸጕሮም [ድሬድሎክ ዝዀነ] ምስ ምንቅስቓስ ሰብነቶም ሓቢሩ'ዩ ዝውሕዝ።

እዚኦም፡ ተኸተልቲ እምነት ባዬ ፎል'ዮም። ሳም ፎል ዝበሃል ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣለዎም።

ኣብዚ ሃይማኖታዊ ስርዓት፡ ሰብነቶም ብረሃጽ ጀብጂቡ ኢኻ ትዕዘብ።

ፍስሃን ሓጐስን ከምኡ'ውን ኣምልኾ ዝግለጸሉ መገዲ'ዩ።

ኣብቲ ሃይማኖታዊ ስርዓት ዝሳተፉ ሰባት፡ ብተመስጦ ተዋሒጦም'ውን ትርእዮም።

እዚ፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ዘካይዱዎ ስነ-ስርዓት ኰይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰዓታት ይወስድ።

እዚ ባዬ ፎል ዝተባህለ ጕጅለ፡ ኣካል ኣብ ሰኔጋል ዝርከብ ጕጅለ ሕውነት ሞሪድ'ዩ።

ከም ካልኦት ኣስላም ግን ኣይኰኑን።

ኣብ ምዕራፍ ኣፍሪቃዊት ሰኔጋል ካብ መንጐ ዝነብር ህዝቢ፡ ኣስታት 17 ሚልዮን ኣስላም'ዮም።

ብዝሒ ኣባላት እዚ ጕጅለ ግን ውሑድ'ዩ።

እዚኦም ፍልይ ዝበሉ ስለ ዝዀኑ፡ ትዅረት ይስሕቡ። ካብ እስልምና ዝርሓቐ እምነትን ኣተሓሳስባን ኣለዎም።

ከም መብዛሕትኦም ኣስላም፡ ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ግዜ ሰላቶም ኣይፍጽሙን፤ ኣብ እዋን ረመዳን'ውን ኣይጾሙን።

ኣበርቲዕካ ብምስራሕን ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎትን ብምሃብ ጥራይ'ዮም ዝኣምኑ።

ገነት፡ ናይ መወዳእታ ቤትና ዘይኰነትስ፡ ተጊሆም ንዝሰርሑ ሰባት ከም ውህብቶ እትቐርበሎም'ያ ኢሎም ይኣምኑ።

ካልኦት ኣስላም፡ ኣተሓሳስባ እዚ ጕጅለ ፈጺሙ ኣይርድኦምን።

ምዕራባውያን፡ ኣባላት እዚ ጕጅለ መስተ ይሰትዩ፤ ዕጸ ፋርስ ይጥቀሙ'ዮም ዝብል ግጕይ ኣረኣእያ ኣለዎም።

እንተዀነ፡ እዚ መትከል ኣባላት ማሕበረሰብ እዚ ጕጅለ ኣይኰነን።

መራሒ ኣብ ቍሸት ማብኪ ካዲዮር ዝርከብ ጕጅለ ባዬ ፎል ዝዀነ ማም ሳምባ፡ "ፍልስፍና ባዬ ፎል ኣብ ስራሕ ዝተኰረ እዩ፤ ብመንፈሳዊ ስራሕ ንኣምን። ጕልበትካ ወፊኻ ምስራሕ ንፈጣሪ እሙን ምዃን እዩ" ይብል።

ጸሓይ ኣብ ዝበርትዓትሉ እዋን ምሕራስ፡ ቤት ትምህርቲ ምስራሕ ወይ ቅርጻ ቅርጺ ምድላው መንፈሳዊ በረኸት ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ።

እዚ ብፍላይ መናእሰይ ናይ ምስሓብ ሓይሊ ዘለዎ ምንቅስቓስ፡ ኣስታት 700 ሽሕ ኣባላት ከም ዘለዉዎ ይግመት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እዚ ብፍላይ መናእሰይ ናይ ምስሓብ ሓይሊ ዘለዎ ምንቅስቓስ፡ ኣስታት 700 ሽሕ ኣባላት ከም ዘለዉዎ ይግመት
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ስራሕ ክበሃል እንከሎ፡ ሓላፍነትካ ምውጻእ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። እኳ ደኣ፡ መግለጺ ተመስጦን ጸሎትን'ውን እዩ።

መስራቲ እዚ ጕጅለ ኢብራሂም ፎል፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ማብኪ ካዲዮር ኣብ ዝተባህለ ቝሸት፡ ንመስራቲ ጕጅለ ሕውነት ሞሪድ ቺኪሕ ኣሕማዱ ባምባ ከም ዝረኸቦ ይኣምኑ።

ሕውነት ሞሪድ፡ ኣካል ሱፊ እስልምና'ዩ። ኣብ ሰኔጋል ክኣ ልዑል ጽልዋ ኣለዎ።

ኢብራሂም ፎል፡ ምሉእ ብምሉእ ኣገልግሎቱ ንቼኪሕ ኣሕማዱ ብምውፋይ ብዛዕባ ነብሱ ረሲዑ ከም ዝሓለፈ እቲ ማሕበረሰብ የዘንቱ።

መግቢ ምብላዕ፡ ጸሎት ምብጻሕን ንነብሱ ምሕብሓብን ደው ኣቢሉ ከም ዝነበረ ይኣምኑ።

ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ ክዳኑ ኣሪጕ ከም ዝተበሳስዐ ይዛረቡ።

ንነብስኻ ምድርባይ፡ ኣብነት ተኣማንነት እዩ።

ክዳኑ ክቕደድ እንከሎ፡ እናሰፈየ ይጥቀም ስለ ዝነበረ፡ ተኸተልቲ ባዬ ፎል ዝተዓጻጸፈ ክዳን ጌርካ ምኻድ ከም ፍልስፍና ወሪሶምዎ ኣለዉ።

እዚ ስርዓት፡ ኣብ መጸውዒ ደቈም'ውን ክሕወስ ገይሮም።

ኣብ ቍሸት ማብኪ ካዲዮር ኣብ ዝርከብ መስርሒ ቦታ፡ መንፈስ ምትሕብባርን ስራሕን እቲ ማሕበረሰብ ትዕዘብ።

ዝተፈላለየ ምህዞ ዘንጸባርቝ ምዕሩጋት ክዳውንቲ የዳልው።

ደቂ ኣንስትዮ፡ ምሉእ ትዅረተን ዓለባታት ኣብ ውሽጢ ቀለም ምእዛኽ እዩ።

ውሁድ ዞም ሕብርታት ክኣ፡ ምዑሩግ ዓለባ ይፈጥር።

ደቂ ተባዕትዮ ክኣ፡ ምሉእ ኣድህቦ ሂቦም ነቶም ሕብሪታት ዝተለኸዩ ኣጭርቕቲ ይሰፍዩ።

ንኽትለብሶም ምቹኣትን መንነት ባዬ ፎል ዝገልጹን ኰይኖም ክዳለው ድማ ይገብሩ።

ምህዞኦምን ናይ ስራሕ ጻዕሮምን፡ ኣዝዪ ዓሚቕ ክእለት ተመስጦ ከም ዘለዎም ይምስክር።

እቶም ክዳውንቲ ተሰፍዮም ምስ ተዳለው፡ ኣብ ዕዳጋ ሰኔጋል ይቐርቡ።

እዚ፡ ነቲ ማሕበረሰብ ብገንዘብ ዝድግፈሉን ፍልስፍናኡ ንኻልኦት ዘላልይሉን መገዲ'ዩ።

መራሒ ጕጅለ ባዬ ፎም ማም ሳምባ፡ "ቅዲ ባዬ ፎል መበቈላዊ'ዩ" ይብል።

ኣቡኡ፡ ኣዝዩ ዝኸበረ ሼኽ ባዬ ፎል ነይሩ።

"ዝተዓጸፈ ክዳን፡ዓለምለኻዊ ሓድነት ይውክል፤ ኣስላማይ ኴንካ ባህሊ ምዕቃብ ይክኣል'ዩ። ኵሉ ሰብ ኣይርድኣናን'ዩ- ነቐፌታ ዘይቕበል ሰብ ክኣ ክዓቢ ኣይኽእልን ኢና ንብል፡" ኢሉ።

ኣብ እዋን ረመዳን፡ ኣስላም ክጾሙ እንከለው ተኸተልቲ ባዬ ፎል፡ ነቶም ኣብ መስጊድ ዘለዉ ሰባት ዝኸውን መግቢ ኢፍጣር የዳልው።

እዚ ማሕበረሰብ፡ ሓበራዊ ትካላት ንግዲን ኣብ ገጠራት ሰኔጋል ድጋፍ ዝህቡ ዘይመንግስታዊ ትካላትን መስሪቱ'ዩ።

ስራሕ፡ ንኽትነብር ጥራይ ዘይኰነ መንፈሳዊ ተግባር ከም ዝዀነ'ዮም ዝኣምኑ።

"ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ንግዲን ኣለውና። ብምክብባር፡ ብፍቕርን ንተፈጥሮ ትኵረት ምሃብን ክኣ ናይ ህይወት ፍልስፍናና'ዩ። ዘላቒ ዝዀነ ዕብየት ስነ-ህይወታውያን ብምዕቃብ፤ዩ ዝመጽእ" ይብል እቲ መራሒ።

ይኹን'ምበር፡ እዚ ጕጅለ ኣብ መገዲ ብምልማን ይንቀፍ።

እቲ እምነት ገንዘብ ምሕታት ኣይኽልክልን፤ ገንዘብኣ ኣኪብኻ ነቲ መራሒ ብምሃብ፣ ንሱ መሊሱ ነቲ ማሕበረሰብ ከከፋፍሎ ምግባር ልሙድ'ዩ።

ኣብ ዙርያ ጕጅለ ሕውነት ሞሪድ መጽናዕቲ ዝገረበ ምኽትል ዩኒቨርሲቲ ዲዮፕ፡ ቻንስለር ሼኽ ሴን "ሓቀኛን ናይ ሓሶትን ባዬ ፎል ኣሎ" ይብል።

ኣብ ዳካር፡ እዞም "ናይ ሓሶት" ዝበሃሉ ባዬ ፎላት ብብዝሒ ከም ዝርኣዩ ገሊጹ።

"ከማና ተኸዲኖም ይልምኑ፤ ነቲ ማሕበረሰብ ዝረብሑዎ ነገር ግን የለን። ሽምና'ዮም ዘጸልሙ ዘለዉ፡"።

ኣባላት ባዬ ፎል፡ ቅድስቲ ኣብ ዝብሉዋ ከተማ ቱባ ኣብ ዝርከብ መስጂድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ባዬ ፎል፡ ቅድስቲ ኣብ ዝብሉዋ ከተማ ቱባ ኣብ ዝርከብ መስጊድ

ኣብ ውሽጢ እዚ ማሕበረሰብ ዘሎ ባህሊ ስራሕን ምትሕግጋዝን ካብታ ሃገር ወጻኢ ኣፍልጦ ረኺቡ'ዩ።

ኣብ 2019 ነቲ ማሕበረሰብ ድሕሪ ምብጻሕ ሰዓቢት ባዬ ፎል ዝዀነት ኣመሪካዊት ኪቶን ሳውየር ስካንሎ፡ ሽማ ናብ ፋጡማ ባቱለይ ቀይራ።

"ካብ ሰብነቱ ብርሃን ክወጽእ ርእየ፤ ልበይ ክኣ ነቲ ሓቂ ተሰሚዑዎ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ረኺበሉ" ትብል።

ካልኦት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት መጺኦም ዝሕወሱ ሰባት'ውን ኣለው።

እቲ ማሕበሰረብ፡ ብዓውዲ ሕርሻ ኣብ ቍጠባ እታ ሃገር ልዑል እጃም ኣለዎ።

ሰዓብቲ እዚ እምነት፡ በብግዚኡ ንመራሒ ሞሪድ ወይ ካሊፍ እሙናት ምዃኖም ብምግላጽ መብጽዓ ይኣትው።

ገንዘብን ቀለብ ጥሪትን ክኣ ይልግሱ።

ኣብ ሰኔጋል ቅድስቲ ከተማ ቶባ ንዘሎ ዓቢይ መስጊድ ክኣ ይሕልው። እዚ፡ ኣብ ሞሪዲዝም ዓብይ ቦታ ዘለዎ'ዩ።

ኣብ ቶባ፡ ዘይስሩዓት ሓለውቲ ጸጥታ፡ ነቲ መስጊድ ይሕልዉዎ።

ዓመታዊ ሃይማኖታዊ ጕዕዞ ማጋል ክግበር እንከሎ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ናብ ቶባ ይጕዓዙ።

እቶም ሓለውቲ ጸጥታ፡ ሰባት ብግቡእ ክኽደኑ፡ ሓሽሽ ከይሽየጥን መራሕቲ ዝዀኑ ኻሊፋት ክኽበሩን ይገብሩ።

ኣብ ባዬ ፎል መጽናዕቲ ዘካየደ ክኢላ፡ "ድሕነት እቲ ኻሊፍን እታ ከተማን ይሕልው" ኢሉ።

ነቐፍቲ እዞም ማሕበሰረብ ብዙሓት'ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ሃይማኖታዊን ባህላውን መድረኽ እታ ሃገር ዝፈጥሩዎ ጽልዋ ይውስኽ ኣሎ።

ብርግጽ፡ ባህልን ዘመናውነትን ንምጥዕዓም ይጽገሙ'ዮም።

እምነትን ኣገልግሎትን ምርኵስ ዝገበረ ዘላቒ ዕብየት ክመጽእ ይደልዩ።

ኣብ ሰኔጋል ድማ ልዑል ቍጽሪ ዘለዎም ስራሕ ዘይብሎም መንእሰያት ክሕግዙ ይኽእሉ።

መብዛሕትም ግዳያት ሽቕለት ኣልቦነት፡ ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ሓደገኛ ናይ ባሕሪ ጕዕዞ ከም ዝገብሩ ይፍለጥ።

መራሒ ባዬ ፎል፡"ብዙሕ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና፤ ብዙሕ ዕድላት ስራሕ ክንፈጥር ንኽእል። ምስ መንግስትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ብሓባር ክንሰርሕ ይግባእ። በዚ መገዲ፡ እቲ መጻኢ ክዕረ ይኽእል'ዩ፡" ይብል።

ኣበርቲዕካ ምስራሕ፡ ንጸገማት ቍጠባ እታ ሃገር ከምኡ'ውን መንፈሳዊ ሕቶታት መልሲ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።