ወርሒ ምልእቲ ክትከውን እንከላ፡ እንታይ'ዩ ዝፍጸም? ንህይወትናኸ ብኸመይ ትጸልዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወርሒ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መበል 29 መዓልቲ፡ ጸሓይ ብቐጥታ ብድሕሪ መሬት ኰይና ኣብ ልዕሊ ወርሒ ከተብርህ እንከላ ምልእቲ ትኸውን።
እታ ብዓርቢ ዝተራእየት ምልእቲ ወርሒ፡ ካብቶም ኣርባዕተ ተኸታተልቲ "ልዕለ-ወርሒታት" [supermoons] እታ ዝዓበየት ነይራ።
እዚኣ፡ ካብታ ልምድቲ ወርሒ ብ14 ሚኢታዊት ዝዓበየትን ብ30 ሚኢታዊት ዝደመቐትን እያ።
እዞም፡ 'ሱፐር ሙንስ' ወርሒታት ዝበሃሉ፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ግዜ ጥራይ'ዮም ዝርኣዩ።
ወትሩ ከኣ ተኸታቲሎም ይርኣዩ።
ምልእቲ ወርሒ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ባህልታትን ልምድታትን ኣብ ምቕራጽ ዓቢዪ እጃም ኣበርኪታ እያ።
እስከ፡ ንገለ ካብቲ ምስ'ዚ ክስተት ዝተተሓሓዘ ጽውጽዋያትን ትርጕምን ንርአ።
ምልእቲ ወርሒ ንወለድና ብኸመይ ተገድሶም ነይራ?
ዑደት ወርሒ – ምስ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ዝኽሰት ስሩዕ ምዕራፋት ምውሳኽን ምንካይን ስምዒ – ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዑደት ሰዓታት ንምቍጻርን ንምክትታልን ይውዕል ነይሩ።
ዓጽሚ ኢሻንጎ ንውሰድ - ኣብ 1957 ኣብ ዘመናዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተረኽበ።
እቲ ዓጽሚ፡ ምናልባት ካብ መንኵብ ባቡን ዝተወስደን ልዕሊ 20 ሽሕ ዓመት ከም ዘቝጸረን ይእመን።
እዚ ድማ፡ ጥንታዊ ኣገባብ ዓውደ ኣዋርሕ ነይሩ ይበሃል።
እዚ ዓጽሚ፡ ብቤልጅማዊ ተመራማሪ ስነ-ምድራዊ እዩ ተረኺቡ።
ፍሉይ ቅርጻታት ነይሩዎ - ገሊኡ ቅርጺ ዓንኬል ወይ ክፋል ዓንኬል ነይሩዎ።
ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ኣሌክሳንደር ማርሻክ፡ እዚኦም ንዝተፈላለዩ ምዕራፋት ወርሒ ዝውክሉ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ብምግማት፡ እቲ ዓጽሚ ከም ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ዓውደ ኣዋርሕ ኣገልጊሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር።
ወርሒ ቀውዒ: ንምልእቲ ወርሒ ዝወሃብ ስም ኰይኑ፡ እዛ ምልእቲ ወርሒ ኣብ ከባቢ ቀውዒ (ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ወይ መጀመርታ ጥቅምቲ) ትወጽእ።
ኣብዚ እዋን፡ ወርሒ ጸሓይ ምስ ዓረበት ነዊሕ ከይጸንሐት ትወጽእ።
እዚ ማለት ድማ ዘራእቶም ንምእካብ ዝጓየዩ ዝነበሩ ሓረስቶት ክሳብ ምሸት ብርሃን ወርሒ ተጠቒሞም ስርሖም ክቕጽሉ ይኽእሉ።
ሕጂ፡ መብዛሕትኦም ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ይረኽቡ'ዮም።
ምልእቲ ወርሒ ክትከውን እንከላ ዝበዓሉ በዓላት
ኣብ ቻይና ኣብ መፋርቕ ቀውዒ ዝበዓል 'ዞንግኪ ጂ' (በዓል ወርሒ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ)፡ ኣብ መዓልቲ ቀውዒ ወርሒ [Harvest Moon] ዝበዓል ህዝባዊ በዓል እዩ።
እዚ በዓል ን3000 ዓመታት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ምሉእ ዘይጐደለ ዘራእቲ ምህርቲ ንምርካብ ይበዓል።
ብተመሳሳሊ ኣብ ኮርያ በዓል 'ቹሰኦክ' ዝበሃል ኣሎ።
እዚ፡ ምስ ወርሒ ቀውዒ ንምግጣም ዝካየድ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጽምብል እዩ።
ስድራቤታት ነቲ ቀውዒ ንምጽንባልን ንኣቦታቶም ንምምስጋንን ይእከቡ።
ኣብ ባህሊ ሂንዱ፡ ወርሒ ምልእቲ ክትኸውን እንከላ 'ፑርኒማ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ በዓል ይኽበር።
እዚ ብጾምን ጸሎትን እዩ ዝበዓል።
ካርቲክ ፑርኒማ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ኰይኑ - ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ሂንዱ ዝተቐደሰ ወርሒ – ጐይታ ሺቫ ኣብ ልዕሊ ትሪፑራሱራ ዝተባህለ ጋኔን ዝረኸቦ ዓወት ይጽንብል።
ስርዓታት እዚ በዓል፡ ኣብ ሩባታት ምሕጻብን መስርዕ መብራህቲ ምውላዕን የጠቓልል።
ተኸተልቲ ቡድሃ፡ ቡድሃ ቅድሚ 2500 ዓመት ኣብ ትሕቲ ምልእቲ ወርሒ ከም ዝተወልደ ይኣምኑ።
ብርሃን ከም ዝረኸበን ኣብ ትሕቲ ምልእቲ ወርሒ ከም ዝሞተን እውን ይኣምኑ።
እዞም ፍጻመታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ወይ ግንቦት ይሳለጡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ስሪላንካ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምልእቲ ወርሒ፡ 'ፖያ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ህዝባዊ በዓል ኣሎ።
ኣብዚ እዋን፡ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተን ስጋን ክልኩል እዩ።
ኣብ ባሊ ምልእቲ ወርሒ ብፑርናማ ትልለ።
ኣማልኽቲ ናብ ምድሪ ወሪዶም በረኸቶም ከም ዝህቡ ድማ ይእመን።
እዚ፡ ጸሎት ዝግበረሉ፡ መለኰታዊ መስዋእቲ ዝቐርበሉን ፍረ ዘፍርዩ ኣትክልቲ ዝትከለሉን እዋን እዩ።
ኣስላም፡ ምልእቲ ወርሒ ክትከውን እንከላ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ክጾሙ ይተባብዑ።
እዚኦም ድማ ጻዕዳ መዓልታት ወይ ኣል-ኣያም ኣል-ቢድ ተባሂሎም ይፍለጡ።
ነቢይ መሓመድ ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ኣላህ ጸልማት ለይቲ ብምብርሁ ንምምስጋን ከም ዝጸወመ ይዝንቶ።
ኣብ ክርስትና ድማ በዓል ፋሲካ ኣብ ቀዳመይቲ ሰንበት ድሕሪ እታ ቀዳመይቲ ምልእቲ ወርሒ ድሕሪ ጽድያ ይኽበር።
ኣብ ሜክሲኮን ገለ ካልኦት ሃገራት ላቲን ኣመሪካን፡ ደቀንስትዮ ኣብ ምልእቲ ወርሒ ተኣኪበን፡ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ዝስዕስዓሉን ዘምልኻሉን "ሳዕስዒት ወርሒ" ዝበሃል በዓል ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዙርያ ምልእቲ ወርሒ ዝዝንተዉ ጽውጽዋያትን ኣፈ-ታሪኻትን
ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ኤውሮጳ ምልእቲ ወርሒ ኣብ ሰባት ገለ ከም እተስዕብ ይእመን ነይሩ።
"ጽላለ" [lunacy] -ሉና -luna- ካብ ዝብል ንወርሒ ዝገልጽ ቃል ላቲን ዝተወስደ እዩ።
ምልእቲ ወርሒ፡ ካብ ቍጽጽር ወጻእ ዝዀነ ባህርያት ክለዓል ትገብር ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ተዃሉ - ብዘይድሌቶም ናብ ተዃሉ ዝተቐየሩ ሰባት - ምልእቲ ወርሒ ክትከውን እንከላ ናብ ተዅላ ይቕየሩን ለይቲ ንማሕበረሰቦም የሸብሩን ናብ ዝብል ጽውጽዋይ ዓብዩ።
ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ቅ.ል.ክ.፡ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ሄሮዶተስ፡ ብዛዕባ ካብ ስኪትያ (ኣብዚ ሕጂ ሩስያ ተባሂላ እትጽዋዕ) ዝመጽኡ ኒሪ ዝበሃሉ ቀቢላ፡ ዓመታዊ ንሓያሎ መዓልታት ናብ ተዅላ ይቕየሩ ነይሮም ክብል ጽሒፉ'ዩ።
ኣብ ኤውሮጳ ካብ 15 ክሳብ 17 ክፍለ ዘመን ብርክት ዝበሉ ሰባት ተዃሉ እዮም ተባሂሎም ተፈሪዶም ነይሮም።
ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ፍጻመታት፡ ኣብ ጀርመን ብ1589 ፒተር ስቱብ (ወይ ስታምፕ) ዝበሃል ዋና መሬት ነይሩ።
ሃደንቲ እቲ ከባቢ፡ ካብ ተዅላ ናብ ሰብ ክቕየር ከም ዝረኣይዎ ተዛሪቦም።
ድሕሪኡ፡ ፒተር ግዳይ ምግፋዕ ኰይኑ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ናብ ተዅላ ንምቕያር ዝጥቀመሉ ፍሉይ ሓይሊ ዘለዎ መዓጥቘ ከም ዘለዎ፣ እዚ ድማ ሰባት ንምህዳንን ንምብላዕን ከም ዘኽእሎ ተናዚዙ።
ምልእቲ ወርሒ ንመዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ትጸልዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ እዋን ምልእቲ ወርሒ፡ ሰባት ድቃስ ንኽወስዶም ብዙሕ ግዜ ይወስደሎም።
ኣብ ዓሚቝ ድቃስ ድማ ዝወሓደ ግዜ ከም ዘሕልፉ፡ ውሑድ ሰዓታት ከም ዝድቅሱን ትሑት መጠን ናይቲ ንድቃስ ዝሕግዝ ሆርሞን ሜላቶኒን ከም ዘመንጭውን ይሕብሩ።
ኣብቲ መጽናዕትታት ዝተሳተፉ ሰባት፡ ኣብ እዋን ምልእቲ ወርሒ ዘዕግብ ድቃስ ከም ዝውሕዶም ገሊጾም።
ብዙሓት ኣትክልተኛታት ድማ ኣብ እዋን ምልእቲ ወርሒ (ከምቲ ማሕበረሰብ ባሊ ኣብ እዋን ፑርናማ ዝገብርዎ) እቲ ሓመድ ክለምዕ ይሕግዝ'ዩ ብዝብል ዘርእን ቈጽልን ይተኽሉ።
ምልእቲ ወርሒ ምስ እትህሉ ሓይሊ ስሕበት ወርሒ ንሓደ ሸነኽ መሬት ክስሕብ እንከሎ፡ ሓይሊ ስሕበት ጸሓይ ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ንመሬት ይስሕባ።
እዚ ዝዓበየ ውሕጅ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ፡ ዝያዳ ርስሓት ናብ ገጽ መሬት ከም ዝስሕብ እውን ይግመት።
እንስሳታት ኣብ እዋን ምልእቲ ወርሒ ናይ ምንካስ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ ኣብ 2000 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ኣብ ብራድፎርድ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።
እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 1997 ክሳብ 1999፡ ኣብ ከባቢ ምልእቲ ወርሒ ኣብ ዝነበረ መዓልታት፡ ቍጽሪ ናይቶም ብመንከስቲ እንስሳታት ናብ ሆስፒታል ዝኣትዉ ሕሙማት ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ኣረጋጊጹ።
እቲ ዘሕዝን ግን ካብ ሰብ ናብ ተዅላ ብዝተቐየሩ ዝተመዝገበ መንከስቲ የሎን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







