ጽውጽዋይ ቫምፓየር፡ ኣበይን ስለምንታይን ተጀሚሩ?

ቫምፓየር ደም ህይወታውያን መጢጡ ከምዝናበር ኣብቶም ጽውጽዋያት ይዝንቶ

ኣብ መጀመርታ መበል 18 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ሰርብያ ዝነበሩ ዓሰርተታት ሰባት ሚስጢራዊ ብዝዀነ መንገዲ ንዝሞቱ ጐረባብቶም ስዒቦም ክሞቱ ከምዝጀመሩ ይዝረበሎም። ቅድሚ ምማቶም ድማ ናይ ምሕንካኽ ስምዒት ወይ ብርቱዕ ምትንፋስ የጋጥሞም ነይሩ ይበሃል።

ብፍላይ ክልተ ንኣሽቱ ዓድታት፡ ኣብ ደቡባዊ ሰርብያ እትርከብ መድቨድጃ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ድማ ኪሲልየቮ፡ ኣብ ሕመረት ናይዚ ዝንገረሉ ዝነበረ ሞት ከምዝነበራ ይዝንቶ።

እተን ዓድታት 200 ኪሎ ሜትር ራሕቒ ዝርከባ ይዅና እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ግን ተመሳሳሊ ኣገባብ ፍሉይ ፍጻመታት ከምዘጋጠመን ጸብጺበን።

ኦስትሪያውያን ሓካይም ጠንቂ ናይዚ ሞት እዚ እንታይ ምዃኑ ንምምርማር ናብኡ ተላኢኾም። ብዛዕባ'ቲ ዝረኸብዎ ኵሉ ዝርዝር ጸብጻባት ድማ ኣዋህሊሎም። እቲ ርኽበታት ቀልጢፉ ናብ ማዕከናት ዜና ኦስትርያ፡ ድሒሩ ድማ ናብ ኣካዳሚያዊ ዓንኬላት ቀሪቡ ነበረ።

ጀርመናዊ ጸሓፊ ታሪኽ ቶማስ ኤም ቦን፡ ደራሲ 'ቫምፓየርስ፡ መበቆል ጽውጽዋይ ኣውሮጳ'፡ 'ቫምፓየር' ዝብል ቃል ንመጀመርታ ግዜ ኣብታ 'ዊነሪሸስ ዲያርየም' እትበሃል ናይ ኦስትርያ መዓልታዊት ጋዜጣ ኣብ 1725 ከምዝተጽሓፈ'ዩ ዘዘንቱ።

ቫምፓየር ደም ፍጡራት ብምምጋብ ብህይወት ከም ዝነብር ዝሕሰብ ጽውጽዋያዊ ፍጡር እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ መልክዕ ቫምፓየር ዝገልጽ ዛንታታት ተመዝጊቡ እኳ እንተሎ፡ 'ቫምፓየር' ዝብል ቃል ግን ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ድሕሪ ከምዚ ዓይነት ጸብጻባት ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ገኒኑ ከምዝወጽአ ይንገር።

ብራም ስቶከር ኣብ 1897 ዝጸሓፋ ልብ-ወለድ ድራኩላ ከም ቅንጥብጣብ ልብ-ወለድ ቫምፓየር ኮይና ትኽበር።
መግለጺ ስእሊ, ብራም ስቶከር ኣብ 1897 ዝጸሓፋ ልብ-ወለድ ድራኩላ ከም ቅንጥብጣብ ልብ-ወለድ ቫምፓየር ኰይና ትኽበር።

'ንግዲ ድያብሎስ'

ብ1725 ኣብ ኪሲልየቮ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ትሽዓተ ሰባት ሞይቶም። ኵሎም ቅድሚ ሞቶም ብዛዕባ ሓደ ጐረቤት ከምዝተዛረቡ ይንገር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቐዲሙ ከምዝሞተ ዝዛረብሉ ፔታር ብላጎጀቪች ዝተባህለ ሰብ ኣብ ሕልሞም መጺኡ ከምዝሓነቘም የዘንትዉ።

ነዚ ዛንታ ዝሰምዑ ደቂ እቲ ዓዲ መቓብር ብላጎጀቪች ከፊቶም ምስ ረኣዩ ብጽቡቕ ዝተዓቀበ ሬሳ ረኺቦም፤ እዚ ድማ 'መርትዖ ንግዲ ዲያብሎስ' ተባሂሉ ተሓሲቡ።

ኣብቲ ምፍሓር ሬሳ ዝተረኽበ ሓደ ኦስትሪያዊ በዓል ስልጣን፡ "ገጽ፡ ኣእዳውን እግርን፡ ኮታስ ምሉእ ኣካላት፡ ብህይወት ዝነበረ ሰብ እንተዝኸውን ከምዚ ክዕቀብ ኣይምኸኣለን ነይሩ" ኢሉ ጽሒፉ።

"እቲ ኣዝዩ ዝገረመኒ ነገር ኣብ ኣፉ ዝረግአ ደም ረኺበ፤ ብመሰረት እቲ እምነት፡ እቲ ኣብ ኣፉ ዝተረኸበ ደም ካብቶም ዝቐተሎም ሰባት ዝመጠጦ ምዃኑ'ዩ"

ዳብሊን ኣብ ዝርከብ ትሪኒቲ ኮለጅ ፕሮፌሰር ክሌመንስ ሩትነር፡ እቶም ኦስትሪያውያን ሓካይም መቓብራት ከፊቶም ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ተርጐምቲ ብምዝርራብ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምርዳእ ኣብ ዝፈትኑሉ ግዜ 'ቫምፓየር' ዝብል ቃል ከምዝተጀመረ'ዩ ዝኣምን።

"እቲ ተርጓሚ ምናልባት ከም 'ኡፒር' ዝኣመሰለ ነገር ተዛሪቡ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ እዚ ድማ ንጋኔን ዝገልጽ ናይ ስሎቨንኛ ቃል'ዩ፡ ኣብቲ ዘይምርድዳእ ድማ 'ቫምፓየር' ዝብል ቃል ተወሊዱ" ይብል።

ብመግዛእታዊ ርክብ ኣብ መንጐ ንነብሶም ከም 'ዝተምሃሩ' ዝመስሎም ሰበስልጣን ኦስትሪያን ብኦስትሪያውያን ከም 'ዘይነቕሑ' ዝቝጸሩ ደቂ እቲ ከባቢን፡ ሓድሽ ፍጥረት ከም ዝመጸ ይውስኽ።

ንፔታር ደው ንምባል፡ ደቂ እቲ ዓዲ፡ ኣብ ኣፍ ልቡ ዕንጸይቲ ብምትካል ሬሳኡ ኣቃጺሎም። እዚ ድማ ኣብታ ዓዲ ብዛዕባ ቫምፓየር ዝገልጽ ጸብጻባት ከብቅዕ ከም ዝገበሩ ይግለጽ።

እዞም ፍጻመታት ኣቓልቦ እኳ እንተሰሓቡ፡ እቲ ህሞት ገና ኣብ ቫምፓየር ንዝህሉ እምነት ንምምልካት ዝጥቀሙሉ ቃል – ንሓሳብ ሰፊሕ ህዝቢ ንምሓዝ ከምዘይበሰለ ፕሮፌሰር ቦን ይዛረብ።

ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ መንፈስ ኣብርሆት -ኢንላይትመንት - ብስነ-መጐታዊ መገዲ ክግለጽ ዘይክእል ነገር ኣይቅበልን ነይሩ።

ብቫምፓየራት ዝሰግኡ ኦስትሪያውያን ኣፍ ደገ ገዛውቶም ቆጥቋጥ ተኺሎም ክኸላኸሉ ይፍትኑ ነይሮም
መግለጺ ስእሊ, ብቫምፓየራት ዝሰግኡ ኦስትሪያውያን ኣፍ ደገ ገዛውቶም ቆጥቋጥ ተኺሎም ክኸላኸሉ ይፍትኑ ነይሮም

ቫምፓየር ዶ ተበጃዊ?

ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት፡ ኣብ ጥሪ 1732፡ ቁሸት መድቨድጃ ብፍርሒ ተዋሕጠት።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ገለ ካብኣቶም መንእሰያትን ጥዑያትን ዝነበሩ 17 ሰባት ብዘይ ገለ ምኽንያት ሞይቶም።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ኪሲልየቮ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ገለ ካብቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ቅድሚ ሞቶም ሓያል ናይ ምሕንካኽ ስምዒትን ኣብ ኣፍ ልቦም ብርቱዕ ቃንዛን ከምዝነበሮም ይንገር።

ዶክተር ዮሃንስ ፍሉኪንገር ነቶም መቓብራት ንምፍሓር ዝተዋህበ ትእዛዝ ድሕሪ ምኽታል፡ ኣብ ጉዳያት 'ቫምፓየሪዝም' ከም ቀንዲ ገበነኛ ሓደ ሚሊሻ ጠቒሱ ጸብጻብ ጽሒፉ።

ኣካላቱ ገና ከም ዘይበስበሰ፡ ካብ ኣዒንቱን ኣፍንጫኡን ኣፉን እዝኑን ድማ ውዑይ ደም ከም ዝፈሰሰ ይንገር።

ብሓቂ ቫምፓየር ምዃኑ ብህዝቢ መድቨድጃ ከም መርትዖ ተራእዩ፣ በዚ ምኽንያት ድማ እዮም ኣብ ኣፍ ልቡ ዕንጸይቲ ተኺሎም ድሓር ኣካላቱ እውን ኣቃጺሎምዎ።

ቶማስ ቦን ኣብ መጽሓፉ፡ "ብዛዕባ ህይወትን ዕጫን እዚ ዝሞተ ሰብ፡ ብዙሕ ኣይፍለጥን" ኢሉ ጽሒፉ።

እዚ ሰብኣይ እዚ ካብ ኮሶቮ ዝመጸ ኣልባኒያዊ ኣርናውት ፓቭለ ምዃኑ ይኣምን።

"ኣብ ኪሲልየቮ ዝርከብ ፔታር ብላጎጀቪችን ኣብ መድቨድጃ ዝርከብ ኣርናውት ፓቭለን፡ ናይ መጀመርታ ዝፍለጡ ወከልቲ ቫምፓየራት እዮም ነይሮም" ይብል።

ቶማስ ቦን እቲ ምምጣጥ ደም ብምዕራባውያን ዝተፈጠረ ጽውጽዋይ እዩ ኢሉ ይሓስብ።
መግለጺ ስእሊ, ቶማስ ቦን እቲ ምምጣጥ ደም ብምዕራባውያን ዝተፈጠረ ጽውጽዋይ እዩ ኢሉ ይሓስብ።

ሳይንሳዊ መብርሂ

እቶም ደቂ ዓዲ ነቲ ዘይበስበሰ ሬሳታት ክፈርሕዎ እንከለዉ፡ እቶም መዋቶ ዝተረኽበሉ ኩነታት ዘይተለምደ ከምዘይኰነ ናይ ሎሚ ክኢላታት ፓቶሎጂ ይሕብሩ።

"ክርስቲያን ራይተር ዝተባህለ ፍሉጥ ክኢላ ፓቶሎጂ ቪየና ብድሕሪ እዚ ኩሉ ሕማማት ለበዳ ኣንትራክስ ከምዝነበረ ይሓስብ። እዚ ለበዳ ኣብ እዋን ውግኣትን ድሕሪኡን ኣብ ዝነበረ እዋናት ልሙድ ተርእዮ እዩ ነይሩ" ይብል ፕሮፌሰር ሩትነር።

ኣንትራክስ ካብ ዝተለኽፉ እንስሳታት ናብ ሰባት ዝሰጋገርን መብዛሕትኡ ግዜ ሞት ዘስዕብን ሕማም ባክተርያ እዩ።

ሩትነር ቅድሚ ሞት ምሕንካኽ ከምዘሎ ዝሕብር ጸብጻባት ምስ ኒሞንያ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል እውን ይኣምን።

"ነቶም ጸብጻባት ብጥንቃቐ እንተ ኣንቢብካዮም፡ ነቶም ቫምፓየር ብዓይኑ ዝረኣዮም ሰብ ከምዘየለ ትዕዘብ። ደም መጢጦም ዝብል ሓሳብ ትርጕም ናይ ኦስትሪያውያን ሓካይም እዩ ነይሩ" ይብል።

ቶማስ ቦን እውን እቲ ምምጣጥ ደም ብምዕራባውያን ዝተፈጠረ ጽውጽዋይ እዩ ኢሉ ይሓስብ።

ሕጂ'ውን እቲ ብዛዕባ ቫምፓየር ዝነበረ እምነትን ፍርሕን ኣብ ስነ-ኣእምሮ ሰባት ከምዝቐጸለ ሓደ ናይቲ ከባቢ ጸሓፍ ታሪኽ ኢቫን ነሲች ይሕብር።

ፔታር ብላጎጀቪችን ኣርናውት ፓቭለን ምስ ሞቱ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ከይተረፈ፡ ደቂ እቲ ዓዲ ንገዛእ ርእሶም ካብ ቫምፓየር ክከላኸሉ ከም ዝፈተኑ ይሕብር።

"ሰርብያዊ ቫምፓየር ከም ዝተነፍሐ ፍንጣጣ ቆርበት፡ ብደም ዝተመልአ ምዃኑ ይእመን" ይብል።

"ኣብ ዝዀነ ቦታ እንተተበቲኹ ከም ፍሕኛ ክነፍስ እዩ። ነዚ ድማ እዮም ሰባት ንመከላኸሊ ኣብ ኣፍደገታት፡ መስኮት ወይ ማዕጾታት ቆጥቋጥ ዘቐምጡ ዝነበሩ።"

ኣብ ንግስነት ሃብስበርግ ሓድሽ ማዕበል 'ቫምፓየር' ተቐልቂሉ

ኣማራጺ 'ስግኣት ቱርኪ'

ክልቲአን ኪሲልየቮን መድቨድጃን ኣብቲ ድሕሪ ናይ ዘመናት ምሕደራ ኦቶማን ቱርኪ ኣብ 1700ታት ኣብ ትሕቲ ስልጣን ንግስነት ሃብስበርግ ዝኣተወ ዶባዊ ከባቢታት ዝርከባ ዓድታት እየን።

ፕሮፌሰር ሩትነር፡ እዚ ፍጻመታት እዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካታዒ ግዝኣታት ስለ እተጸብጸበ፡ እቲ ተራእዩ ዝበሃል ቫምፓየር ኣቓልቦ ከም ዝሰሓበ ይኣምን።

"ኣብ መንጐ ግዝኣት ኦቶማንን ምዕራባውያንን ዘሎ ዓቢ ግጭት፡ ኣገዳሲ ድሕረ ባይታ ናይዞም ፍጻመታት'ዩ" ይብል።

ፕሮፌሰር ቦን ብተወሳኺ ድሕሪ'ቲ ኣብ 1683 ቪየና ንምቍጽጻር ዝተኻየደ ካልኣይ ዘይዕዉት ወራር ኦቶማን፡ ቫምፓየር ካብቲ ንክርስትና ዝነበረ 'ስግኣት ቱርኪ' ኣማራጺ ኰይኖም ከምዝመጽኡ ይሕብር።

ኣብ መፋርቕ መበል 18 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ንግስነት ሃብስበርግ ሓድሽ ማዕበል 'ቫምፓየር' ተቐልቂሉ፡ እንተዀነ ግን ነቲ ኣጉል እምነታት ንምግታእ ኵሉ ኣንጻር እቶም ዝሕሰቡ ፍጥረታት ዝግበር ቃልሲ ክልኩል ነበረ።

እቶም ቫምፓየር ግን ነዊሕ ከይጸንሑ ብዝተፈለየ መልክዕ ተሲኦም።

ሩትነር፡ "ኣብቲ ፍቕራዊ ዘመን ዝነበሩ ቫምፓየር ምልኩዓትን ፍሕሽው ቆርበት ዘለዎምን ምሩጻት እምበር፡ ቀይሕ ገጽ ዘለዎም ዝተነፍሑ ሰርብያውያን ደቂ ዓዲ ኣይነበሩን" ይብል።

እቲ ምዕሩግን ዝተራቐቐን ቫምፓየር ዘመናዊ ልቢ ወለድ፡ ብ1819 ብእንግሊዝኛ ብጸሓፊ ጆን ፖሊዶሪ 'ዘ ቫምፓየር' ብዝብል ኣርእስቲ ተደሪሱ።

ብራም ስቶከር ኣብ 1897 ዝጸሓፋ ልብ-ወለድ ድራኩላ ከም ቅንጥብጣብ ልብ-ወለድ ቫምፓየር ኰይና ትኽበርን ክሳብ ሎሚ መሰረት ዘመናዊ ኣፈ-ታሪኽ ቫምፓየር ትህብን።