ዋይት ሃውስ፡ ብዛዕባ ሕማም ትራምፕ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብሕዱር ሕማም ሰራውር ደም ይሽገር ከም ዘሎ ዋይት ሃውስ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ እግሩ ሕበጥ ድሕሪ ምግጣሙ፡ ትራምፕ ንሻምብቆኣዊ (ቫስኩላር) መርመራ ሓዊሱ "ኵለመዳያዊ መርመራ" ከም ዝገበረ ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት ገሊጻ።
ሊቪት፡ እታ ዝተጐድአት ኢድ ትራምፕ፡ ኣስፕሪን ኣብ ዝወስደሉ እዋን ብተደጋጋሚ ምጭብባጥ ኢድ ከጋጥም ዝኽእል ከም ዝሰማማዕ ገሊጻ፣ "እዚ ድማ ልሙድ ክፋል ምክልኻል ጥዕና ልቢ እዩ፡" ኢላ።
ወዲ 79 ዓመት ትራምፕ፡ ምሉእ ጥዕና ከም ዘለዎ ብቐጻሊ ክጕስጕስ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ሓደ እዋን ንነብሱ "እቲ ካብ ፕረዚደንታት ኣዝዩ ዝጠዓየ፡" ክብል ገሊጹዋ ነይሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተገብረ መርመራ፡ ሕዱር ሕጽረት ሰራውር ደም ዝበሃል ጸገም ሰራውር ደም ከም ዘሎዎ ተረጋጊጹ። እዚ ኵነታት'ዚ፡ ሰራውር እግሪ፡ ደም ናብ ልቢ ክጭንጕዕ ምስ ዘይክእል ከምኡ'ውን ደም ኣብ እግሪ ክእከብ ምስ ዝገብር እዩ። እዚ ድማ ሕበጥ ከስዕብ ይኽእል።
እዚ ኵነታት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ከም ልሙድ ከም ዝውሰድ ዝገለጸ ሊቪት፡ "ዓሚቝ ሰራውር ትሮምቦሲስ ወይ ሕማም ሻምብቆታት ከም ዘርኢ ዝሕብር መርትዖ ከም ዘየሎ"ን ኵሉ ውጽኢት ናይቲ መርመራ "ንቡር" ከም ዝዀነን ገሊጻ።
እቲ ምሉእ ሕክምናዊ ጸብጻብ ንጋዜጠኛታት ክዝርጋሕ ምዃኑ ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።
ሰኣልቲ ኣብቲ ብ13 ሓምለ ኣብ ኒውጀርሲ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ዋንጫ ዓለም ክለባት ፊፋ ዝሓበጠ ዝመስል እግሪ ትራምፕ ስኢሎም። ስዒቦም ዝወጽኡ ካልኦት ኣሳእል፡ ትራምፕ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ባሕሬን ሳልማን ቢን ሓማድ ቢን ዒሳ ኣል ኸሊፋ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ዝተጐድኡ ኣእዳዉ ዘርእዩ ነይሮም።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ለካቲት ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ዝተጐድአ ኢድ ናይቲ ፕረዚደንት ተሳኢሉ ነይሩ።
በቲ ዝሓበጠ እግርን መጕዳእትን፡ እቲ ፕረዚደንት ንህዝቢ ዘይገለጾ ሕማም ኣጋጢሙዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግምታትን ወረታትን ኣስዒቡ።
ትራምፕ ኣብ ሚያዝያ ዓመታዊ መርመራ ድሕሪ ምግባሩ፡ ዶክተር ዋይት ሃውስ ሾን ባርባቤላ፡ እቲ ፕረዚደንት፡ "ጽቡቕ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕና፡" ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ ጥሪ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ ክጽንብል ከሎ፡ ወዲ 78 ዓመትን 7 ወርሕን ስለ ዝነበረ፡ መራሒ ኣመሪካ ኰይኑ ዝተሸመ ዝዓበየ ፕረዚደንት ኰይኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







