ንዕሸላትን ህጻናትን ዝወሃብ ፈላማይ መድሃኒት ዓሶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንዕሸላትን ኣዝዮም ንኣሽቱ ህጻናትን ዝምችእ ናይ መጀመርታ ከም መድሃኒት ዓሶ ኰይኑ ዘገልግል ፈውሲ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ፍቓድ ተዋሂብዎ።
ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ሰሙናት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክዝርጋሕ ከኣ ትጽቢት ይግበር።
ክሳብ ሕጂ ብፍሉይ ንህጻናት ዝኸውን ፍቓድ ዘለዎ መድሃኒት ዓሶ ኣይነበረን።
ኣብ ክንድኡ ንዓበይቲ ዝኸውን መድሃኒት'ዩ ክውሃቦም ጸኒሑ፤ እዚ ከኣ ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ብምውሳድ ንዝስዕብ ሓደጋታት ከቓልዖም ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ 2023 ሞት ፍርቂ ሚልዮን ተመዝጊቡ
ኣብ 2023 ጥራይ ምስ ዓሶ ብዝተሓሓዝ ሞት ኣስታት 597 ሽሕ ሰባት ተመዝጊቡ።
ዳርጋ ኵሉ እቲ ሞት ከኣ ኣብ ኣፍሪቃ'ዩ ተራእዩ። ካብቶም ዝሞቱ ከኣ እቶም ሰለስተ ርብዒ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመቶም ህጻናትን ዕሸላትን'ዮም።
ንህጻናት ዝኸውን መድሃኒት ዓሶ ብርግጽ ኣሎ። እንተዀነ ሚዛኖም ትሕቲ 4.5 ኪሎ ግራም ንዝዀኑ ንዕሸላት ዝኸውን መድሃኒት ግን ኣይጸንሐን።
ኣብ ክንድኡ ነቶም ዕሸላት ንህጻናት ተባሂሉ ዝተዳለወ መድሃኒት'ዩ ክወሃቦም ጸኒሑ።
እቲ መድሃኒት ከኣ ነቶም ከም ኵሊቶም ዝኣመሰለ ገና ዘይማዕበለ ውሽጣዊ ኣካላት ዘለዎም ዕሸላት ንዝተፈላለየ ሓደጋታት'ዩ ከቓልዖም ጸኒሑ።
ሕጂ ግን እዚ ብኖቫርቲስ ዝተበሃለ ትካል ዝተሰርሐ ሓድሽ መድሃኒት፡ ብሰብ መዚ ስዊዝ ወግዓዊ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ኣብ ውሑዳት ሰሙናት ናብቲ ብዓሶ ኣዝዩ ዝተጠቕዐ ዞባታታን ሃገራትን ክዝርጋሕ'ዩ።
ኖቫርቲስ ነቲ መድሃኒት ብሰፊሑ ንመኽሰብ ቀዳምነት ከይሃበ ክዝርግሖ'ዩ መደብ ሓንጺጹ ዘሎ።
እቶም ዝነኣሱን ኣዝዮም ዝተቓልዑን
ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል ኣፍራዪ መድሃኒት ኖቫርቲስ ዝዀነ ቫስ ናራሲምሃን፡ እዚ መድሃኒት ፍቓድ ምርካቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብር።
"ንልዕሊ ሰለስተ ዕቑድ፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ዓሶ፡ ብዘይ ምድካምን ምስልካይን ክንሰርሕ ጸኒሕና፣ ኣብቲ ኣዝዩ ዝድለየሉ ቦታ ሳይንሳዊ ምርመርና ንምብጻሕ ከኣ ከይተሓለልና ኢና ዓዪና፡" ኢሉ።
"ምስ መሻርክትና ብምዃን ቀዳማይ ተቐባልነት ዝረኸበ ንዕሸላትን ንህጻናትን ዝውዕል መድሃኒት ዓሶ ክንሰርሕ ምኽኣልና ሓበን ይስምዓና፣ እቶም ኣዝዮም ዝነኣሱን ኣዝዮም ነቲ ሕማም ዝተቓልዑን ዝግባኦም መድሃኒት ክረኽቡ ምርኣይ ከኣ ኣዝዩ ዓቢ ነገር'ዩ፡" ክብል ወሲኹ የብርህ።
እቲ ኳርተም ቤቢ ወይ ሪያመት ቤቢ [Coartem Baby or Riamet Baby] ዝብል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ መድሃኒት ናቫርቲስን መዲስን ፎር ማላርያ ቬንቸር [MMV]ዝተበሃለ ትካልን ብሓባር ብምዃን'ዮም ሰሪሖሞ።
መዲስን ፎር ማላርያ ቬንቸር ኣብ ስዊዝ ዝመደበሩ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኰይኑ፡ ብመንግስታት ብሪጣንያ፡ ስዊዝን ሆላንድን ከምኡ ከኣ ባንክ ዓለምን ሮክፌለር ፋውንደሽንን ዝድገፍ ትካል'ዩ።
ኣድማዕነት እቲ መድሃኒት ንምርኣይ ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ ፈተነ ከምዝተገበረሉን እተን ሃገራት ቀዳሞት ተረባሕቲ እቲ መድሃኒት ከምዝዀናን'ውን ተገሊጹ ኣሎ።
ላዕለዋይ ሓላፊ መዲስን ፎር ማላርያ ቬንቸር ማርቲን ፈቸት፡ እዚ ብሕማም ዓሶ ንዝስዕብ ሞት ደው ንምባል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣዝዩ ወሳኒ ምዕራፍ ምዃኑ ኣብሪሁ።
"ሕማም ዓሶ ኣብ ዓለምና ብፍላይ ኣብ ህጻናት ሓደ ካብ ኣዝዮም ቀተልቲ ሕማምት'ዩ። ግቡእ ጸጋን ኣተኵሮን እንተሂብናዮ ግን ክውገድ ዝኽእል'ዩ" ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ "መድሃኒት ኳርተም ቤቢ ኣብ መዓላ ክውዕል ወግዓዊ ኣፍልጦ ምርካቡ፡ ነቶም ኣዝዮም ኣቓልቦ ስኢኖም ዝጸንሑ ዕሸላትን ህጻናትን ግቡእ መድሃኒት ንኽረኽቡ ዝሕግዝ'ዩ፣ ብዓቢኡ ኣብ ዝርዝር ጸረ ዓሶ ዝዀኑ መድሃኒታት ከኣ ሓደ መድሃኒት ንውስኽ ኣለና" ይበል።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ሀርትፎርድሻየር ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር መድሃኒትን ስነፍልጠትን ዝዀነት ዶክተር ማርቬል ብራውን፡ እቲ መድሃኒት ብሕማም ዓሶ ዝስዕብ ሞት ዕሸላትን ህጻናትን ኣብ ምውጋድ ኣዝዩ ዓቢ ተራ ክህልዎ ምዃኑ ትገልጽ።
"ኣብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ብፍላይ ብዓሶ ካብ ዝተለኸፉ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመቶም ህጻናትን ዕሸላትን እቶም 76 ሚእታዊት ይሞቱ'ዮም" ኢላ።
ወሲኻ፡ "ብዓሶ ዝመጽእ ሞት ብፍላይ ኣብቶም ብሰንኪ ኣመጋግባ ዝስዕብ ድኹም ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ዘለዎም ዕሸላትን ህጻናትን ይዛይድ'ዩ፣ ብዓይኒ ህዝባዊ ጥዕና ከኣ ኖቫርቲስ ነዚ መድሃኒት ንመኽሰብ ኢሉ ዘይምስርሑ ኣብ ተበጻሕነት ክንክን ጥዕና ዘይምዕሩይነት ኣብ ምንካይ ክሕግዝ ይኽእል'ዩ፤" ብምባል ኣድናቘታ ገሊጻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







