መጠን ፍርያምነት ደቂሰብ ስለምንታይ'ዩ ዘንቈልቍል ዘሎ?

ቈልዓ

መጠን ወሊድን ሞትን፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት መዘራረቢ ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ጸኒሑ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት፡ መጠን ወሊድ ይዅን መጠን ሞት ዓመታዊ ልዑል ብምዃኑ፡ ሻቕሎት ክፈጥር ይርአ።

እንተዀነ ምስ ምስፍፋሕ ትምህርቲ፡ ሕክምና ከምኡ ድማ ዝሐሸ ኣነባብራ ስዒቡ፡ መጠን ሞት እናነከየ፣ መጠን ወሊድ ድማ እናወሰኸ ከምዝዀነ እዩ ዝንገር።

ንኣብነት ኢትዮጵያ እንተወሲድና፡ ብዝሒ ህዝባ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ዓመት መጸ ብኽልተ ሚልዮን ይውስኽ። ኣብ ቀረባ እዋን ማዕከን ስነህዝቢ ሕቡራት ሃገራት ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ጸብጻብ፡ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ 129 ነጥቢ 7 ሚልዮን በጺሑ።

እዚ ቍጽሪ ድሕሪ 28 ዓመት ብዕጽፊ ከም ዝውስኽ ይግመት። ብመሰረት እዚ ትንበያ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ 2044፡ 259 ነጥቢ 4 ሚልዮን ክኸውን ግምት ኣሎ።

እዚ ኣብ ከም ኣፍሪቃን ኤስያን ዝኣመሰላ ገና ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝርአ ክስተት ኰይኑ፡ ኣብ ፈጣን ቍጠባዊ ዕቤት እትርከብ ሃገር ቻይና ድማ መጠን ወሊድ ደው ንምባል፡ 'ሓደ ውላድ' ዝብል ፖሊሲ ክትክተል ጸኒሓ እያ።

እንተዀነ፡ ልክዕ ክንድቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ልዑል ብዝሒ መጠን ህዝቢ ዘሻቕል ዝነበረ፡ ሕጂ ድማ ግርምቢጥ፡ ትሑት መጠን ወሊድ ዘሻቕል ዘሎ ይመስል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ ዘላቶም ናምራታ ናንጅያን በዓል ቤታን፡ ካልእ ቈልዓ ክወልዱ ክህቅኑ ጸኒሖም እዮም።

ወትሩ ግን ሓንቲ ሕቶ እያ ትለዓል፡ 'ዓቕሚ ኣለና ድዩ?" ዝብል።

እቶም ኣብ ከተማ ሙምባይ ዝነብሩ ስድራ፡ ንሳ ኣብ ፋርማሲ፡ በዓል ቤታ ድማ ኣብ ትካል መፍረዪ ጎማ ይሰርሕ።

ንሓደ ቘልዓ ዝወጽእ ወጻኢታት ድሮ ልዕሊ ዓቐን ኰይኑዎም ኣሎ፤ ክፍሊት ቤት ትምህርቲ፣ ኣውቶቡስ ቤት ትምህርቲ፣ ትምህርቲ ምሕንባስ፣ ክፍሊት ሕክምናን ካልእ ተዛማዲ ወጻኢታትን ክቡር እዩ።

ናምራታ ብቘልዓኣ እቲ ኵነታት ዝተፈለየ እዩ ነይሩ።

"ንሕና ናብ ቤት ትምህርቲ ጥራይ ኢና ንኸይድ ነይርና፣ ካብ ስሩዕ ስርዓተ ትምህርቲ ወጻኢ ዝዀነ ነገር ኣይነበረን። ሕጂ ግን ንውላድካ ናብ ምሕንባስ ክትሰዶ ኣለካ፣ ናብ ጥበበ-ስእሊ ክትሰዶ ኣለካ፣ ካልእ እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ክትርኢ ኣለካ።"

ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻብ፡ ትካል ፈንድ ስነ-ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት (UNFPA)፡ ኵነታት ናምራታ ዓለማዊ ሻቕሎት ይኸውን ኣሎ።

ከምኡ ኰይኑ'ውን፡ እቲ ትካል ክሳብ ሕጂ ኣብ ምንቍልቋል ፍርያምነት፡ ዝጸንሐ ጽኑዕ መርገጽ ኣለዎ - ኣማኢት ሚልዮናት ዝደለይዎ ቍጽሪ ቈልዑ ክወልዱ ዘይከኣሉ፡ ብስንኪ ስእነት ዝደልዩዎ ዓይነት መጻመዲ ወይ ድማ ተፈጥሮኣዊ ዘይፍርያምነትን ዝብል።

እቲ ትካል፡ ኣብ 14 ሃገራት ንዝርከቡ 14 ሽሕ ሰባት ብዛዕባ ፍርያምነት ዘለዎም ዕላማ ዳህሳስ ኣካይዱ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ፡ ዝደለይዎ ቍጽሪ ቈልዑ ከምዘይወለዱ ይዛረቡ።

እተን ኣብቲ ዳህሳስ ዝተሳተፋ ሃገራት - ደቡብ ኮርያ፡ ታይላንድ፡ ኢጣልያ፡ ሃንጋሪ፡ ጀርመን፡ ሽወደን፡ ብራዚል፡ ሜክሲኮ፡ ኣመሪካ፡ ህንዲ፡ ኢንዶነዥያ፡ ሞሮኮ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን - ሲሶ ካብ ህዝቢ ዓለም ዝሕዛ እየን።

ሓላፊት ዩኤንኤፍፒኤ ዶክተር ናታልያ ካነም፡ "ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ምንቁልቋል መጠን ፍርያምነት ጀሚራ ኣላ" ትብል።

"መብዛሕትኦም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ክልተ ወይ ልዕሊኡ ቈልዑ ይደልዩ። መጠን ፍርያምነት ብዓቢኡ ይንኪ 'ሎ፡ ብዙሓት ዝደልይዎ ስድራቤታት ክፈጥሩ ከምዘይክእሉ ስለዝስምዖም እዩ። እቲ ሓቀኛ ቅልውላው ድማ ንሱ'ዩ" ትብል።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጻዕቂ ህዝቢ ህዝቢ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ኤውሮጳ ብዛዕባ ፍርያምነት እትመራመርን፡ ንመንግስቲ ፊንላንድ ኣብ ፖሊሲ ስነ-ህዝቢ እተማኽርን ኪላ ስነህዝቢ ኣና ሮትኪርች፡ "ነዚ ቅልውላው ኢልካ ምጽዋዕ፡ ልክዕ እዩ። እዚ ዓቢ ለውጢ'ዩ ዝመስለኒ፡" ትብል።

"ብሓፈሻ፡ ፍርያምነት ንታሕቲ የንቈልቁል ኣሎ።"

ነዚ ኣብ ኤውሮጳ ብሰፊሑ ኣጽኒዓቶ እያ፣ ብደረጃ ዓለም ክትድህስሶ'ውን ተገዳስነት ኣለዋ።

ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድመኦም (31%) ሰባት ካብቲ ዝደልይዎ ንላዕሊ ውሑዳት ውላዳት ከምዘለዉዎም ዝገለጹ ምዃኖም እውን ትግረም።

እዚ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣብ 50 ሃገራት ንምርምር ዝዓለመ ፈተነ ኰይኑ፡ ስፍሓቱ ድሩት እዩ።

ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ሃገራት ዘሎ ዕድመ ክመጽእ ከሎ፡ እቶም ቅምሶታት ኣዝዮም ንኣሽቱ ብምዃኖም መደምደምታ ንምብጻሕ ኣይከኣልን።

ገለ ርኽበታቱ ግን ንጹር እዩ።

ኣብ ኵለን ሃገራት 39 ሚእታዊት ሰባት፡ ፋይናንሳዊ ድሩትነት ቈልዓ ንኸይወልዱ ከምዝዓገቶም ገሊጾም።

ዝለዓለ ምላሽ ኣብ ኮርያ (58%) ኰይኑ፡ ዝወሓደ ኣብ ሽወደን (19%) እዩ።

ብድምር፡ 12 ሚእታዊት ጥራይ፡ መኻንነት ከም ምኽንያት ዝደለይዎ ቍጽሪ ቈልዑ ዘይምውላዶም ይጠቕሱ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ሆንግ ኮንግ፡ ተመራማሪ ሰነ-ህዝቢ፡ ፕሮፌሰር ስቱዋርት ጂተል-ባስተን፡ "[ሕቡራት ሃገራት] ብሓቂ ኣብ ጉዳያት ትሑት ፍርያምነት፡ እዚ ክብል ናይ መጀመርታኡ 'ዩ" ይብል።

ክሳብ ቀረባ እዋን፡ እቲ ትካል ኣብተን ካብ ዝደለይኦ ንላዕሊ ቈልዑ ዝወልዳ ደቂ ኣንስትዮን መከላኸሊ ጥንሲን ብብዝሒ ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

ሕጂ'ውን፡ እቲ ትካል፡ ኣብቲ ጉዳይ 'ትሑት ፍርያምነት' ጥንቃቐ ክግበር ይላቦ።

"ብመንጽር ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝያዳ ቈልዑ ክወልዳ፡ ወይ ድማ ውሑዳት ክወልዳ ምግባር።"

ቅድሚ 40 ዓመታት፡ ቻይና፡ ኮርያ፡ ጃፓን፡ ታይላንድን ቱርኪን ኵለን ብዝሒ ህዝበን ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ ይሻቐላ ከምዝነበራ ትሕብር።

ካብ 2015 ጀሚሩ ፍርያምነት ከዕብያ ይልያ ኣለዋ።

"እተን ሃገራት ዝዀነ ዓይነት ሃንደበታዊ ፖሊሲታት ከይሕንጽጻ ብዝተኻእለ መጠን ክንጽዕር ንደሊ" ይብል ፕሮፌሰር ጂተል-ባስተን።

UNFPA፡ ካብ ፋይናንስ ንላዕሊ ንህጻናት ዝዓበየ ዕንቅፋት ሕጽረት ግዜ ምዃኑ'ወን ረኺቡ እዩ።

ንናምራታ ኣብ ሙምባይ እዚ ሓቂ ይመስል።

ኣብ መዓልቲ እንተወሓደ ሰለስተ ሰዓታት ኣብ ቤት ጽሕፈት ተሕልፎ።

ገዛ ምስትኣቱ፡ ትደክም ግን ምስ ጓላ ግዜ ከተሕልፍ ትደሊ። ስድራኣ ብዙሕ ድቃስ ኣይረኽቡን እዮም።

"ድሕሪ ናይ ስራሕ መዓልቲ፡ ርዱእ'ዩ፤ ከቢድ ናይ ድኻም ስምዒት ኣሎ፤ ኣደ ዄንካ፡ ምስ ውላድካ እኹል ግዜ ዘይምሕላፍ ኣሎ" ትብል።

"ስለዚ፡ ኣብ ሓደ ጥራይ ኢና ተወሲንና።"