1.45 ቢልዮን ህዝቢ ሒዛ ወሊድ ተተባብዕ ሃገር

መጠን ወሊድ ህንዲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ጐዲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ሕቡራት ሃገራት ህንዲ ብቻይና ተታሒዙ ዝነበረ ደረጃ ብምስዓር ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ከም ዝዀነት ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ገይሩ'ዩ።

ህንዲ፡ ኣስታት 1.45 ቢልዮን ህዝቢ ኣለዋ።

ብዝሒ ህዝቢ ካብዚ ንላዕሊ ንኸይውስኽ ድማ ብዝሒ ኣብታ ሃገር ዝውለዱ ቈልዑ ክንኪ'ዩ ኢልኩም ትሓስቡ ትዀኑ።

ኣይፋል።

መራሕቲ ምምሕዳራት ኣንድራ ፕራደሽን ታሚል ናዱን ቈልዑ ብብዝሒ ክውለዱ የተባብዑ ኣለው።

ኣብ ግዝኣት ኣንድራ ፕራደሽ፡ መጠን ወሊድ ነክዩ'ዩ፤ ቍጽሪ ኣረጋውያን ድማ ወሲዅ ዝብሉ ኣመሓደርቲ ብዙሓት ቈልዑ ንክውለዱ መተባብዒታት ይህቡ።

ኣብ ታሚል ናዱ ድማ፡ እቲ ክልተ ቈልዑ ጥራይ'ዩ ምውላድ ዝፍቀድ ዝብል ዝነበረ ሕጊ ተኣልዩ።

ኣብ ግዝኣት ቴላናግና ዝነበረ ተመሳሳሊ ሕጊ'ውን ክለግስ'ዩ ዝብል ጽንጽንታ ኣሎ።

ብመንጽር እቲ ከም ኣ.ኤ ብ1950ታት ዝነበረ እንተዀይኑ፡ ኣብ ህንዲ መጠን ወሊድ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ 5.7 ናብ ክልተ ነክዩ'ዩ።

ካብ 29 ግዝኣታት ህንዲ፡ ኣብተን 17 መጠን ወሊድ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክልተ ቈልዑ ጥራይ'ዩ ኰይኑ።

እዚ ድማ፡ ዘላቒ ብዝሒ ህዝቢ ንኽህሉ ካብ ዘድሊ መጠን ወሊድ ዝተሓተ እዩ።

ሓሙሽተ ደቡባዊ ግዝኣታት ህንዲ፡ ዘላቕነት ዘለዎ ብዝሒ ህዝቢ ንኽህሉ ዘድሊ መጠን ወሊድ ከዐውታ ክኢለን እየን።

ግዝኣት ካረላ ብ1988 ኣብዚ ነጥቢ ክትበጽሕ እንከላ፡ ግዝኣት ታሚል ናዱ ድማ ብ1993 ክትበጽሖ ክኢላ።

ዝተረፈ ክፋል ህንዲ ኣብ መፋርቕ 2000 እዩ ኣብዚ ነጥቢ ክበጽሕ ክኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሕጂ ሓሙሽተ ግዝኣታት ህንዲ ዘለወን መጠን ወሊድ ትሕቲ 1.6 እዩ።

ኣብ ግዝኣት ካርናታካ 1.6፡ ኣብ ታሚል ናዱ ድማ 1.4 መጠን ወሊድ ተመዝጊቡ።

እዚ፡ ካብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮጳ ዝወሓደ ቍጽሪ'ዩ።

እዘን ግዝኣታት፡ ኣብ እዋን መረጻ ድምጺ ክወሃብ እንከሎን ኣብ ባይቶ ዝወሃብ ቍጽሪ መንበርን ፍልልይ ዝፈጥራ ግዝኣታት እየን።

ኣብ ትካል ዓለምለኸ ሳይንስ ስነ-ህዝቢ ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ስሪኒቫስ ጎሊ፡ "ብዝሒ ህዝቢ ዝንኪ ፖሊሲ እንተኣውጺኦም ከም ዝቕጽዑ ይኣምኑ። እዚ ፖሊሲ ዝሓሸ ቍጠባዊ ጸጋ ዘምጽእን እቶት መንግስቲ ፈደራልን ዝውስኽን'ኳ እንተዀነ፡ ከም ዝቕጽዑ'ዮም ዝኣምኑ" ይብል።

ህንዲ፡ ብመሰረት ኣብ 2026 እተተኣታትዎ ሓድሽ ኣሰራርሓ፡ ናይ መረጻ ክልላት ምስ ብዝሒ ህዝቢ ዝመጣጠኑ ስለ ዝዀኑ ኣብ ባይቶ ዝርከብ ቍጽሪ መንበር'ውን በዚ መገዲ ዝውሰን ክኸውን'ዩ።

ደቡባዊ ግዝኣት እታ ሃገር ድማ፡ ኣብ ባይቶ ዝረኽቦ መንበር ውሑድ እንተዀይኑ ስግኣት እዩ።

ባጀት መንግስቲ ፈደራል'ውን፡ ብዝሒ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ'ዩ።

እዚ ድማ፡ ሕጽረት ባጀት ስለ ዝፈጥርን ፖሊስ ናይ ምርቃቕ ናጽነት ዝድርትን ክኸውን እዩ ተባሂሉ ክኣ ይግመት።

ሰብ ሞያ ስነ-ህዝቢ ኬኤስ ጄምስን ሹብራ ኪሪቲን ከም ዝብሉዎ፡ ከም ኡታር ፕራዴሽን ቢሃርን ዝበላ ገለ ግዝኣታት ህንዲ፡ ተወሳኺ መንበር ባይቶ ክረኽባ እንከለዋ፡ ከም ታሚል ናዱ፡ ካረላን ኣንድራ ፕራዴሽን ዝበላ ግዝኣታት ግን ኣብቲ ባይቶ ዘለወን ብዝሒ መንበር ክንኪ ይኽእል እዩ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ውክልና ፖለቲካ ለውጢ የስዕብ።

ቀዳማይ ምኒስተር ናረንድራ ሞዲ ዝርከቦም ካልኦት ሰብ መዚ መንግስቲ፡ ምምቕራሕ ባጀትን ኣብ ባይቶ ዝግበር ድልድል መንበርን፡ ብቕልጡፍ ኣይልወጥን ይብሉ።

ስሪኒቫስ ጎሊ ከም ዝብሎ ድማ፡ እተን ግዝኣታት ብዝሒ ህዝቢ ከጨንቐን የብሉን።

"ብሃናጺ ዝርርብን ምስ መንግስቲ ፈደራልን ብዝግበር ድርድርን ለውጢ ምምጻእ ይክኣል'ዩ" ይብል።

ሰብ ሞያ ስግኣት ዝዀኖም፡ መጠን ወሊድ እታ ሃገር ክንኪ እንከሎ ብዝሒ ኣረጋውያን ክውስኽ'ዩ ዝብል እዩ።

ኣብታ ሃገር ብዝሒ ኣረጋውያን ዝውስኽ ዘሎ ኰይኑ፡ ምንካይ መጠን ወሊድ ዘስዓቦ ምዃኑ ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብታ ሃገር ብዝሒ ኣረጋውያን ዝውስኽ ዘሎ ኰይኑ፡ ምንካይ መጠን ወሊድ ዘስዓቦ ምዃኑ ይግለጽ

ፈረንሳ፡ ብዝሒ ህዝባ ብዕጽፊ ንምዕባይ 120 ዓመት ክወስደላ እንከሎ፡ ሽወደን ድማ 80 ዓመታት ወሲዱላ።

ህንዲ ነዚ ንምዕዋት 28 ዓመታት'ዩ ወሲዱላ።

ብዝሒ ኣረጋውያን ምውሳኽ ምስ ምንካይ መጠን ወሊድ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር እዩ።

ዝተመሓየሸ መነባብሮ፡ ትምህርትን ምስፋሕ ከተማታትን መጠን ወሊድ ብምንካይ ህጻናት ብህይወት ዝጸንሕሉ ዕድል ንክውስኽ ይገብሩ።

ኣብ ህንዲ ዝመጽአ፡ ቍጠባዊ ዕብየትን ማሕበራዊ ለውጥን፡ መጠን ወሊድ ንክንኪ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

ምጣነ ስድራ ዘተባብዕ ፖሊሲ'ውን ለውጢ ንክመጽእ ሓጊዙ።

መጠን ወሊድ ግዝኣት ኣንድራ ፕራደሽ፡ ምስ ሽወደን ክነጻጸር እንከሎ፡ 1.5 ኰይኑ ሓፈሻዊ ኣታዊኣ ድማ ብ28 ሚእታዊት ይጐድል።

ልዕሊ 40 ሚእታዊት ዕድመኦም ልዕሊ 60 ዓመት ዝዀኑ ህንዳውያን ኣብ ትሕቲ ድኽነት ይነብሩ።

ክኢላ ስነ-ህዝቢ ስሪኒቫሊ ጎሎ፡ ህንዲ ሃብታም ቅድሚ ምዃና ኣረጋውያን ዝበዝሑዋ ሃገር ትኸውን ኣላ ይብል።

ብዝሒ ቈልዑ ኣዝዩ ውሑድ ስለ ዝዀነ ቍጽሪ ረድኤት ዘድልዮም ኣረጋውያን ወሲኹ'ዩ።

ነዚኦም ዝናብዩ ሰባት ድማ ቍጽሮም ይውሕድ ኣሎ።

"መብዛሕትኡ ሰራሕተኛን ትሑት መጠን ወሊድ ዘለዎን ዜጋ እዩ፤ እዚ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ጸቕጢ ከስዕብ'ዩ" ይብል እቲ ክኢላ።

ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዮል፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሃገሩ ልዑል ምንካይ መጠን ወሊድ ከም ዘጋጠማ ገሊጹ ነይሩ።

ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ድማ ሚኒስትሪ ንክቐውም ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

መጠን ወሊድ ግሪኽ፡ 1.3 ክበጽሕ እንከሎ ቀዳማይ ምኒስተር ኪሪያኮስ ሚሶታኪስ "ሓደገኛ ምንካይ ብዝሒ ህዝቢ" ኣጋጢሙና ኣሎ ምባሉ ይዝከር።

እንተዀነ፡ ዜጋታት ብዙሕ ቈልዑ ንኽወልዱ ምትብባዕ ውጽኢታዊ ከም ዘይዀነ ሰብ ሞያ ስነ-ህዝቢ ይዛረቡ።

"ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ'የን ዝሰርሓ ዘለዋ። እዚ ማሕበራዊ ለውጢ ስለ ዘይቕየር ድማ መንግስታት

ዝህቡዎ መተሓሳሰቢ፡ ኣብ ዙርያ መጠን ወሊድ ለውጢ ኣየምጽእን።"

ኣብ ህንዲ ዋሕዲ ብዝሒ ህዝቢ ዘጋጠመን ግዝኣታት ነቲ ክፍተት መን'ዩ ክመልኦ ዝብል የጨንቐን።

ምዕቡላት ሃገራት፡ ነዚ ክፍተት ንምምላእ ጥዕናኡ ዝተሓለወ መንእሰይ ዜጋ ምፍራይ ዝብል ፖሊሲ ይኽተላ።

ናይ ስራሕ ዘመን ብምውሳኽ'ውን ለውጢ ንክመጽእ ጻዕሪ ይገብራ።

ኣብ ህንዲ ሰባት ጡረታ ዝወጽእሉ ዕድመ ክውሰኽ ከም ዘሎ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

ዝሓሸ ክፍፍል ሃብቲ'ውን ክህሉ ኣለዎ።

ስሪኒቫስ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ህንዲ ክሳብ 2047፡ ንመንእሰያት ዕድላት ስራሕ ምስፋሕን ንኣረጋውያን ገንዘብ ምስላዕ የድሊ።