ኣብ ዶብ ኣመሪካ - ካናዳ ብሰንኪ ኣሳሕይታን ቁርንን ዝሞተት ምልእቲ ስድራ

ምንጪ ስእሊ, BBC Gujarati
ኣርባዕተ ዝኣባላታ ህንዳዊት ስድራቤት ካብ ካናዳ ናብ ኣመሪካ ንምእታው ኣብ ዝገበረቶ ፈተነ ብሰንኪ ቁርን ኣሳሕይታን ኣብቲ ዶብ ሞይታ ተረኺባ፤ እዚ ፍጻመ ድማ ዳርጋ ሰለስተ ዓመት ኰይንዎ ኣሎ።
ክልተ ነታ ስድራቤት ከሰጋግሩ ሓጊዞም ዝተበሃሉ ሰባት ተኸሲሶም ፍርዲ ክወሃቦም ኣብ ትጽቢት ኣለዉ።
ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ዶባት ኮለላ ንዝገብሩ ሰራሕተኛታት ሓለዋ ዶብ ኣመሪካ ዘጨነቐት ግን ክዳውንትን መጻወቲ ባምቡላን ቈልዑ ዝሓዘት ቦርሳ’ያ።
ኣብታ ክረምቲ ንግሆ ኣብ ጥሪ 2022፡ ድሕሪ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ፡ ሰብመዚ ኣብ ጥቓ ዶብ ኣመሪካን ካናዳን ቫን ዝዓይነታ መኪና ዝዝውር ዝነበረ ሰብኣይ፡ ስደተኛታት ከም ዘሰጋግር ብምጥርጣር ኣብ ቀይዲ ኣእትዮሞ ነይሮም።
ሓለውቲ ዶብ ምስቲ መራሒ መኪና ኰይኖም፡7 ህንዳውያን ዜጋታት ኣልዒሎም። ካብኣቶም ሓደ ነታ ቦርሳ ሒዙ ይኸይድ ነበረ፤ ቈልዑ ግን ኣይነበሩን።
ክልተ ቈልዑ ዘለዋ ስድራቤት ምስቶም ካልኦት ስደተኛታት ብለይቲ ዶብ ይሰግሩ ከምዝነበሩን እንተዀነ ኣብ መንጐ ተፈልዮም ከምዝኸዱን እቶም ሰራሕተኛታት ዶብ ተነጊርዎም።
ፈተሻ ምስተጀመረ ፖሊስ ካናዳ ሬሳታት ቫይሻሊበን ፓተል፡ በዓል ቤታ ጃግዲሽን ክልተ ንኣሽቱ ደቆም - ጓል 11 ዓመት ቪሃንጊን ወዲ ሰለስተ ዓመት ዳርሚክን ካብ ዶብ ኣመሪካ 12 ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ማኒቶባ ረኺቦም።
እዛ ስድራቤት - ካብታ ኣብ ምዕራባዊ ህንዲ እትርከብ መበቈል ዓዳ ናብ ቶሮንቶ ካናዳ ብናይ በጻሕቲ ቪዛ ዝተጕዓዘት ኰይና ናብ ኣመሪካ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተነት እዋን፡ ዓጽሚ ብዝቝርጥም ቁርን ህቦብላ ንፋስን ከምዝተታሕዘት ይእመን።
መጠን ዛሕሊ ኣባላት እዛ ስድራ ሞይቶም ዝተረኸብሉ ከባቢ ኣብቲ ሽዑ ግዜ -31 ፋራንሃይት ከምዝነበረ ይግመት።
ሃርሽኩማር ራማንላል ፓተል (ምስቶም ዝሞቱ ስድራቤት ዘይዛመድ)ን ስቲቭ ኣንቶኒ ሻንድን ነቲ ቀታሊ ጕዕዞ ንኽገብሩ ሓጊዞምዎም ብዝብል ተኸሲሶም።
ነፍሲ ወከፎም ኣብ ግዝኣት ሚነሶታ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ገበናዊ ውዲትን ክሲ ዝቐረበሎም ኰይኑ ፍርዶም ሰኑይ ክጅምር ምዃኑ ተፈሊጡ። ክልቲኦም ግን ነቲ ገበን ከምዘይወዓልዎ’ዮም ዝገልጹ።
ኣብቲ ጉዳይ ዝቐረቡ ሰነዳት ቤት ፍርዲ፡ ድሕሪ ስርሒታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ወጻእተኛታት ናብ ሰሜን ኣመሪካ ንምእታው ዝተሓላለኸን ዓለማዊን መርበብ ሓበሬታን ከምዘሎ ይገልጹ።
እቲ ጉዳይ ኣብ ህንዲ ንዝርከቡ ወከልቲ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብኣሽሓት ዶላር ብምኽፋል እዩ ጀሚሩ፤ ድሕሪኡ ድማ ነቶም ናብ ወጻኢ ሃገራት ክግዕዙ ዝህንጠዩ ምስ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ዝመደበሮም መርበብ ኣሰጋገርቲ ኣተሓሒዞሞም።
ድሕሪ እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ሞት ፓተል፡ ብውሕዱ ክልተ ተወሰኽቲ ስድራቤታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ኣመሪካን ካናዳን ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ሞይቶም።
ክኢላታት ኢሚግሬሽን፡ ብመንጽር እቲ ዝመጽእ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕን ንጃምላዊ ምስጓግ ዝሓንጸጾ መደብን፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት፡ ብሕቡእ መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰነዳት ብዝያዳ ብሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ክጥቀሙሉ ምዃኖም ይሰግኡ።
ሚስተር ሻንድ መራሕ መኪና ኰይኑ፡ ሬሳታት ፓተልስ ኣብ ዝተረኽበሉ መዓልቲ’ዩ ተታሒዙ።
ፖሊስ ኣብ ጥቓ ዶብ ሚነሶታ ኣብ ኣመሪካን ኣብ ካናዳ ዊኒፐግን 15 ተሳፈርቲ ዝሓዘት ቫን ሒዙ ከምዝረኸቦን ክልተ ህንዳውያን ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኣመሪካ ምስኡ ከምዝነበሩን ይገልጽ።
ካልኦት ሓሙሽተ - ኵሎም ካብታ ኣብ ህንዲ እትርከብ ዓዲ ፓተልስ ዝዀነት ጉጃራት - ናብቲ ሚስተር ሻንድ ዝተታሕዘሉ ገጾም እናተጓዕዙ ተረኺቦም።
ሓደ ካብኣቶም [ቪዲ] ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ጕጅለ ብለይቲ እሞ ድማ ብእግሩ ከምዝሰገረ ንመኮንናት ሓቢሩ። እቲ ጕዕዞ 11 ሰዓታት ዝወሰደሎም ኰይኑ ኣብ ኣመሪካ ምስበጽሑ ሓደ ሰብ መጺኡ ከምዝወስዶም ትጽቢት ነይርዎም።
ቪዲ ንሰበስልጣን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናብ ካናዳ ድሒሩ ድማ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣመሪካ ንኽኣቱ ንዝሓገዞ ትካል ኣስታት 87 ሽሕ ዶላር ከምዝኸፈለ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚስተር ፓተል፡ ቀንዲ ኣዳላዊ ናይቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ምዃኑ ይኽሰስ።
ኣብ ኦሬንጅ ሲቲ ፍሎሪዳ ዝርከብ ካዚኖ ከምዘመሓድር’ውን ሚስተር ሻንድ ድሕሪ ምእሳሩ ንሰበስልጣን ዝሃቦ ምስክርነት ይሕብር።
ፖሊስ ኣብ ኣመሪካ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ከምዘይብሉን ሓሙሽተ ግዜ ቪዛ ኣመሪካ ከምዝተነጽገን መዛግብቲ መንግስቲ ይሕብር።
ንሱ ንሚስተር ሻንድ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ካናዳን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሰባት ንኸጓዓዕዘሉ ከምዝመልመሎን ይእመን።
ክልቲኦም ኣብታ ሬሳታት ፓተል ዝተረኽበላ መዓልቲ ብዛዕባ ከቢድ ኩነታት ኣየር ተዘራሪቦም ከምዝነበሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ሰነዳት ቤት ፍርዲ፡ ሚስተር ሻንድ ንሚስተር ፓቴል “በጃኹም ኵሉ ሰብ ቁርን ንፋስን ዝጻወር ክዳዉንቲ ከምዝተኸደነ ኣረጋግጹ” ዝብል መልእኽቲ ሰዲድሉ ነይሩ።

ስድራቤት ፓተል ኣብ ቶሮንቶ ብዝገበርዎ ርክብ ምስዞም ክልተ ሰባት ከምዝተኣሳሰሩ ዝእመን ኰይኑ እዚ ትካል ምስቲ ኣብ ህንዲ ዝመደበሩ ቪዛ ተምሃሮ ተጠቒሙ ሰባት ናብ ካናዳ ክኣትዉ ዝፈቕደሎምን ድሕሪኡ ናብ ኣመሪካ ዘሰጋግርን ትካል ምትእስሳር ነይርዎም።
ጠበቓ ሚስተር ፓተል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሚስተር ፓተል ኣብዚ ዘሕዝን ፍጻመ ከምዘይተሳተፈ ከነርኢ ብሃንቀውታ ንጽበ" ኢሉ።
ኣብቲ ጉዳይ ዝተሳተፉ ካልኦት ጠበቓታት ዝሃብዎ ርእይቶ የለን።
ኣብ ጉጃራት ዝርከቡ ክልተ ህንዳውያን ዜጋታት’ውን ምስ ሞት ስድራ ፓተላት ብዝተኣሳሰር ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ፖሊስ ህንዲ፡ እቶም ሰባት ወከልቲ "ዘይሕጋውያን ኢሚግሬሽን" ምዃኖም ገሊጹ።
ምስቲ ኣብ ህንዲ ዝመደበሩ ስርሒት ዝተገብረ ተዛማዲ መርመራ ከም ዘመልክቶ፡ ገለ ህንዳውያን ዜጋታት ናብ ኣመሪካ ምስ ሰገሩ፡ ድሕሪኡ ናብ ሓደ ኣብ ቺካጎ ዝርከብ ቤት ምግቢ ተወሲዶም ዕዳኦም ንምኽፋል ብትሑት መሃያ ክሰርሑ ከምዝግደዱ የመላኽት።
ስድራ ፓተል ናይ መወዳእታ መዕረፊኦም እንታይ ከም ዝነበረ፡ ወይ’ውን ስለምንታይ ነቲ ዘይሕጋዊ ጕዕዞ ከም ዝገበሩ ንጹር ኣይኰነን።
ድሕሪ ሞቶም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ነበርቲ ካብታ ኣብ ህንዲ እትርከብ ዓዶም፡ ብቪዛ በጻሕቲ ናብ ካናዳ ከምዝኣተዉን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣዝማዶም ካብታ ስድራቤት ዝመጽእ መልእኽቲ ምስ ኣቋረጸ፡ ስክፍታኦም እናዓበየ ከይዱ ምንባሩ ተዛሪቦም።
ክልቲኦም ጃግዲሽን ቫይሻሊበንን ኣብ ሓደ እዋን ከም መምህራን ኰይኖም ይሰርሑ ከምዝነበሩን ዝሓሸ መነባብሮ ከምዝነበሮምን ጐረባብቶም ይገልጹ። እንተዀነ ከም ብዙሓት ኣብ ቁሸት ዲንጉቻ ዝቕመጡ ደቂ ዓዶም “ዝሓሸ ህይወት” ንምንባር ናብ ኣሜሪካ ክኸዱ ሓሳብ ከምዝነበሮም’ዩ ዝግለጽ።
ኣብቲ እዋን ሓደ ኣባል ባይቶ ዲንጉቻ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብዚ ዘሎ ኵሉ ህጻን ናብ ወጻኢ ሃገር ናይ ምግዓዝ ሕልሚ ሒዙ እዩ ዝዓቢ” ኢሉ።
ሰራሕተኛታት ዶብ ካናዳን ኣመሪካን ኣብቲ ከባቢ ሓደ መዓልቲ ሓድሽ ርጋጽ ሰብ ስለዝረኸቡ ካብ ንግሆ 19 ጥሪ 2022 ጀሚሮም ቀጻሊ ዳህሳስ የካይዱ ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ ፖሊስ ነቶም ስድራቤት ኣብቲ ብበረድ ዝተሸፈነ ሜዳ ንኽረኽብዎም ዝደረኾ ኣሰር እግሪ እዩ።
ሓጋዚት ኮሚሽነር ጄን ማክላቺ ምስ ፖሊስ ካናዳ ኰይና ነቲ ሓበሬታ ክትህብ ኣብ ዝተቐረበትሉ ግዜ “እቲ ዝነግረኩም ፍጻመ ንብዙሓት ሰባት ክሰምዕዎ ከጸግሞም እዩ” ኢላ።
“ፍጹምን ልቢ ዝሰብር ዘሕዝን ክስተት እዩ።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







