ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸጋ ዶ ሓደጋ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
*[እዚ ጽሑፍ ቅድሚ ሎሚ ዝተሓተመ ኰይኑ፤ ሎሚ ድማ ብምኽንያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ህዝቢ ደጊምና ኣቕሪብናዮ ኣለና]
ቢልዮነር ዓለምና ኢሎን መስክ፡ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ክቐርብ እንከሎ ሓደ ነገር ክደጋግም ይስማዕ - ብዝሒ ህዝቢ።
መስክ፡ ወዲ ሰብ ኣብ መጻኢ ካብ ዘጓንፍዎ ፈተናታት ሓደ፡ ምጉዳል ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ እዩ ይብል።
እዚ፡ ኣብ መጻኢ ንማርስ ክንቈጻጸራ ኣለና ዝብል መርገጺ ዘለዎ ሃብታም፡ “ክንወልድ፡ ክንፋረ እዩ ዝግብኣና” እናበለ ይምጕት።
መንግስታት ዓለም ክኣ፡ ብዝሒ ህዝቢ እናወሰኸ ይመጽእ ስለዘሎ፡ ደረት ክንገብረሉ ብምባል ፖሊሲታት ይሕንጽጹ።
እዚ ሓሳብ፡ ንመስክ ዝወሓጠሉ ኣይኰነን።
“ኣብ ሓደ ቦታ ብጻዕቂ ስለ እንነብር 'ምበር፡ መሬት ብዙሕ ሰብ ክትሕዝ ትኽእል እያ” ይብል።
ጋዜጣ ዎሽንግተን ፖስት፡ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ህዝቢ ዓለም ብምሉኡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ክነብር ይኽእል እዩ ይብል።
ኣብቲ ግዜ፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣስታት ሸውዓተ ቢልዮን ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ካብቲ ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለ ዘመን ዝነበሮ ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ኰይኑ’ሎ። ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር እዚ ዓመት ክኣ [2022] 8.0 ቢልዮን ክበጽሕ እዩ።
ቻይና፡ እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኰይና ጸኒሓ'ላ፣ ኣብ ቀረባ ግን ቦታኣ ንህንዲ ከተረክብ እያ። ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ግን ከምቲ ዝበሃሎ ዘሎ ብፍጥነት ዕብየት ኣየርኣየን።
ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት፡ ዝተሓተ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ክምዝገብ እንከሎ፡ ኣብ 2020 ጥራይ ብሓደ ሚእታዊት ጐዲሉ’ዩ።
እዚ፡ ካብ 1950ታት ንደሓር ሰለይ ዝበል ዝነበረ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፡ ድሕሪ 40 ዓመታት ዳግም ብዝለዓለ ናህሪ ክብርኽ ምዃኑን 10.4 ቢልዮን ከም ዝበጽሕን ትንበያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ።
ኣብ ዝቕጽል 30 ዓመታት ካብ እንርእዮ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ፡ ነቲ ልዕሊ ፍርቂ ክሽፍናኦ እየን ካብ ዝበሃላ ዘለዋ ሸሞንተ ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ እያ።
ግብጺ፡ ናይጄሪያ፡ ታንዛኒያ፡ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ህንዲ፡ ፓኪስታንን ፊሊፒንስን ድማ እተን ዝተረፋ ሸውዓተ ሃገራት እየን።
ኣብ ዝቕጽል 20/30 ዓመታት ንብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዝውስኹ ሰባት ኣብዘን ሃገራት ድሮ ተወሊኦም ከም ዘለው ዝገልጽ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ዶክተር ኤልያ ዙሉ፡ ሕጂ 1.4 ቢልዮን ዘሎ ህዝቢ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 2050፡ 2.5 ቢልዮን ክኸውን’ዩ ኢሉ።
“ስለዚ እቲ ከጨንቐና ዝግባእ፡ ኣፍሪቃ ነዚ ዓቢይ ህዝቢ ንከተሰልጥን ዘኽእል ወፍሪ ክትገብር ትኽእል ድያ ዝብል እዩ። ከምኡ እንተዘይተገይሩ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ዝበኣሰ ድኽነትን ኢና ክንርኢ” ክብል ይገልጽ።
ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ 'ኸ፡ ጸጋ ድዩ ወይስ ሓደጋ?
ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካበይ ናበይ?
ባንኪ ዓለም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስቲ ቅድሚ 60 ዓመታት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ከም ዝዓበየ የመልክት።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2050፡ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ናብ 213 ሚሊዮን ክዓቢ ከም ዝኽእል ይትንበ።
ናይዚ ምኽንያት፡ መጠነ ሞት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናትን ኣዴታትን ክንኪ ስለ ዝተኻእለ ብዝመጽአ ለውጢ እዩ።
ንኣብነት፡ ኣብ 1970ታት፡ ካብ ሓደ ሽሕ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት እቶም 244 ይሞቱ ነይሮም፤ እዚ ኣሃዝ ኣብ 2019 ናብ 50 ምውራዱ ሓበሬታ ባንኪ ዓለም የመልክት።
መጠን ወሊድ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሓደ ሽሕ ሰባት 36 እዩ፤ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብማእከላይ ገምጋም 4.6 ቈልዑ ትወልድ፡ ይብል።
ይዅን’ምበር፡ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት፡ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ዝብሃል ዕብየት ኣየርኣየን። እታ ሃገር፡ ሕጂ’ውን ኣብ ዓለም ካብተን ዝደኸያ ዝበሃላ ሃገራት ሓንቲ እያ።
ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝርአ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ብዝለዓለ ናህሪ ምውሳኹ ስግኣት ክኸውን ከም ዝኽእል ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።

ሓላፊ ቍጠባን ማሕበራዊ ጉዳያትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊዩ ዢንሚን፡ “ቅልጡፍ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ፡ ድኽነት፡ ጥምየትን ሕጽረት መግብን ንምጥፋእ ዝግበር ጻዕሪ ከምኡ’ውን ዝርግሐ ተበጻሕነት ትሕተ ቕርጺ ትምህርትን ጥዕናን ኣብ ምርግጋጽ” ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ኣጠንቂቑ።
እዚ፡ ብቐንዱ፡ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ተባሂሎም ዝተታሕዙ ብፍላይ ጥዕና፡ ትምህርትን ጾታዊ ማዕርነትን ዝበሉ መደባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምዕዋት፡ መጠን ወሊድ ኣብ ምንካይን ዓለማዊ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ምድንጓይን ተራ ክህልዎም እዩ።
ግምት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም
- ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፡ ኣብ 15 ሕዳር 2022፡ 8 ቢልዮን ክበጽሕ’ዩ ተባሂሉ ይግመት
- እዚ፡ ኣብ 2030 8.5 ቢልዮን ክበጽሕ’ዩ፤ 2050 9.7 ቢልዮን፡ ኣብ 2100 ድማ 10.4 ቢልዮን ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር
- ዕብየት ህዝቢ፡ መጠን ሞት ክንኪ እንከሎ ዝመጽእ እዩ፤ መጠን ብህይወት ናይ ምንባር ዕድመ ድማ ዕብየት የርኢ
- ኣብ 2019፡ ብማእከላይ ገምጋም ሓደ ሰብ ብህይወት ዝጸንሓሉ ዕድመ 72.8 በጺሑ። እዚ ካብ 1990 ኣትሒዙ ዝተራእየ ዕብየት’ዩ
- ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ህንዲ፡ ናይጄሪያ፡ ፓኪስታን፡ ፊሊፒንስን ታንዛኒያን ልዕሊ ፍርቂ ካብቲ ኣብ ዝቕጽል 30 ዓመታት እንርእዮ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ዝሽፍና ሃገራት እየን
- ኣብ ትሕተ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ክሳብ 2100 ብዝሒ ህዝበን ምዕባይ ክቕጽል’ዩ

ብዝሒ ህዝብን ቍጠባን
ብዝሒ ህዝብን ቍጠባዊ ሃብትን ነጻጺልካ ምርኣይ ከም ዘይክኣል ዝዛረብ ክኢላ ስነቝጠባ ዓብዱልመናን መሓመድ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ውጽኢት ዓቕሚ ሰብ፡ ምጣነ ሃብቲን ዕብየት ቴክኖሎጅን ከም ዝዀነ ይዛረብ።
እዚኦም ክወሃሃዱ እንከለው፡ ቍጠባዊ ዝላ ምምጻእ ከም ዝከኣል ብምግላጽ፡ “ንኣብነት ዕብየት ብዝሒ ህዝበን ዝዛሕተለ ሃገራት፡ ብምጣነ ሃብትን ቴክኖሎጅን እንተዘይተሓጊዘን ቍጠባአን ክዓቢ ኣይክእልን፡” ይብል።
ናብ ኢትዮጵያ ንመለስ፤ እዛ ሃገር እቲ ሕጂ ዘለዋ ብዝሒ ህዝብን እተመዝግቦ ዘላ ዕብየትን፡ ንምዕባለኣ ይሕግዛ’ዶ ወይስ ፈተና እዩ?
ኣቶ ዓብዱልመናን፡ ምህዞ ቴክኖሎጂ፡ ዓቢይ ወፍሪ ዝሓትት ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ከማና ዝኣመሰላ ሃገራት ክኸብድ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ካልኦት ሃገራት ዝጥቀማሉ ቴክኖሎጂ ብምትእትታው፡ ምስ ዓቕሚ ሰብ ብምውህሃድ እንተዘይተጠቒምናሉ ሓደጋ’ዩ” ኢሉ።
ኣብ ዝዀነት ሃገር ዝምዝገብ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ፡ ክጠቅምን ክጐድእን ዝኽእል ኣብ ፖሊሲ'ታ ሃገር ከም ዝምርኰስ ዝገልጽ ዋና ዳይሬክተር ፖሊሲ ልምዓት ኢንስቲትዩት ኣፍሪቃ፡ ዶክተር ኤልያ ዙሉ ብወገኑ፡ ኣብ ምዕባለ ትምህርቲ፡ ህንጸት ክእለታትን ጥዕናን ብምትኳር፡ እቲ ህዝቢ ንማሕበረ ቍጠባዊ ዕብየት ክትጥቀመሉ እንተኽኢላ ሓጋዚ ተራ ከም ዝህልዎ የረድእ።
“ብቐንዱ እዅል ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእል ወፍሪ እንተተገይሩ፡ መነባብሮ እንተተመሓይሹ፡ ዕድላት ቢዝነስ እንተ ተፈጢሮም፡ እቲ ዝዓቢ ህዝቢ ኣብ ኣፍሪቃ ማሕበረ ቍጠባዊ ምስግጋር ንምጻእ ዝሕግዝ ክኸውን ይኽእል እዩ” ይብል።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያን ናይጀሪያን ዓመታዊ ዝለዓለ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ካብ ዘመዝግባ ሃገራት እየን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መጠን ወሊድ ሓንቲ ጓለ'ንስተይቲ ብገምጋም 4.1 ቈልዑ ከም ዝዀነ ዝጠቅስ እቲ በዓል ሞያ፡ ዓመታዊ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ብኽልተ ሚልዮን ከም ዝዓቢ ሓቢሩ። ኣብ ናይጄሪያ ድማ ብሓሙሽተ ሚልዮን ይዓቢ።
ስለ ዝዀነ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ መጠን [ኣዝዩ ዝለዓለ] ሽቕለት ኣልቦነት ዓቂብካ ንምኻድ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ክልተ ሚልዮን፡ ናይጄሪያ ድማ ሓሙሽተ ሚልዮን ዕድል ስራሕ ክፈጥራ ኣለወን።
“ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ንልምዓት ዓቢይ ጸጋ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ከምዚአን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ህንጸት ዓቕሚ ሰብ፡ ዕድል ስራሕ፡ ምትብባዕ ብሕታዊ ጽላት ኣተኲረን ክሰርሓ ኣለወን። ዝለዓለ ብዝሒ ህዝቢ እንተሃልዩ እሞ፡ ዝተማህረ፡ ዝሰልጠነን እንተዀይኑ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ኣብ ምምጻእ ከተውዕሎ ትኽእል ኢኻ። ግን ክአ ስራሕ ዘይብሎም፡ ጥዕናኦም ዘይተሓለወ፡ ተስፋ መጻኢ ዘይብሎም እንተዀይኖም፡ ዕንወት’ዩ ዝስዕብ” ይብል ዶክተር ኤልያ።
ዓቕሚ ሰብ፡ ምጣነ ሃብትን ዕብየት ቴክኖሎጅን ብሓባር ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ እንተዘይክኢሎም፡ ፖለቲካዊ ጸገማት ክስዕብ ይኽእል’ዩ ይብል ክኢላ ስነቝጠባ ዓብዱልመናን።
ኣተሓሒዙ፡ መብዛሕትኡ ኢትዮጵያዊ፡ መንእሰይ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ “እዚ መንእሰይ ሽቕለት ኣልቦ እንተዀይኑ፡ ማሕበራዊ፡ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው’ዩ ዝመጽእ” ኢሉ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ዝለዓለ ቝጽሪ ዘለዎ ዕድላት ስራሕ ክፈጥር ዝኽእል ዓውዲ ኢንዳስትሪ ብምዕባይ፡ ንብሕታዊ ጽላት ዘተባብዑ ፖሊሲታት ትዅረት ምግባር ከም ዘድሊ እቶም ክኢላታት ይሕብሩ።
ይዅን'ምበር፡ ፖለቲካዊ ኵነታት፡ ዝቕባበ ዋጋን ዕዳ መንግስትን ነዚ ኣብ ምዕዋት ማሕለኻ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ እቲ ክኢላ ስነ ቍጠባ ገሊጹ።
መንግስታት፡ ልዑል ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ዘስዕቦ ሓደጋታት ንምንካይ፡ እቲ ህዝቢ ስሩዕ ትምህርትን ስልጠናታት ህንጸት ዓቕምን ክረክብን ዕዳጋ ተኰር ክእለታት ከጥርን ክገብሩ ከም ዘለዎም ዶክተር ኤልያ የረድእ።
"ደቂ ኣንስትዮ ብማእከላይ ገምጋም ሓሙሽተን ልዕሊኡን ቈልዑ ይወልዳ እንተሃልየን፡ እዚአን ብኣጋ ካብ ትምህርቲ ይቦኽራ፣ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክኸዳ ኣይክእላን ማለት እዩ። እዚ ጸገማት ንምውጋድ ግን፡ ደቂ ኣንስትዮ ክተባብዓን ማዕረ ዕድላት ክፍጠረለንን ኣለዎም፡" ይብል።
"ሰላም የድልየና’ዩ"
ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ገንዘብ ብሩክ ታዬ [ዶክተር]፡ ፖሊሲ መንግስትን ቍጠባዊ ምንቅስቓስን ብቕኑዕ መገዲ እንተተቐይሶም፡ ብዝሒ ህዝቢ ጸጋ እምበር ፈተና ክኸውን ኣይክእልን ይብል።
“ንኣብነት፡ ኣብታ ሃገር ዘለው ዓሰርተ ፋብሪካታት ሽኮር ብምሉእ ዓቕሞም ናብ ስራሕ እንተኣትዮም፡ ንኣስታት 300 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ክፈጥሩ ይኽእሉ’ዮም” ኢሉ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምህርቲ [ጂዲፒ] እታ ሃገር ምስ ካልኦት ልዕሊ 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ዝተሓተተ እዩ።
“ዘለና ሃብቲ ተፈጥሮ ምስቲ ብዝሒ ህዝቢ ተደሚሩ ኣብ ረብሓ ንኽውዕል ብዙሕ ስራሕ ይጽበየና ኣሎ። ዓመታዊ ካብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቑ ስራሕ ዝደሊ ዘሎ መንእሰይን ዝፍጠረሉ ዕድላት ስራሕን ከነመጣጥኖ ይግባእ።”

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ፖሊሲ ለውጢ ብምግባር፡ ከም ሳፋሪኮም ዝኣመሰሉ ትካላት ናብታ ሃገር ክኣትው ብምፍቃድ ንብዙሓት ሰባት ዕድል ስራሕ ምፍጣር ተኻኢሉ’ዩ ዝብል ዶክተር ብሩክ፡ ኣብ ከም ዓውድታት ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ሰፋሕቲ ስርሓት ይስርሑ ምህላዎም ይዛረብ።
ስለ ዝዀነ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ከም ህንዲ “ኣውትሶርሲን ሰንተር” ክትከውን ትኽእል እያ ኢሉ።
“ነዚ ንምዕዋት ግን፡ ልዕሊ ዅሉ ሃገራዊ ሰላም የድልየና።”
ንምዃኑ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ምዕጋት ይክኣል’ዶ?
ብ1994 [ኣ. ኤ.] ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ብዝሒ ህዝብን ልምዓትን፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ሓንቲ ስድራ ክንደይ ዝኣኽሉ ቈልዓ ክትወልድ ኣለዋ ዝብልን፣ ምቍጽጻር ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ዕዮ መንግስታት ኣይኰነን ኣብ ዝብል ስምምዕ በጺሖም ነይሮም።
ኣብ ክንድኡ፡ መጻምዲ ብዛዕባ ምጣነ ስድራ ሓበሬታን ትምህርትን ክረኽቡ፡ ኣማራጺታት መከላኸሊ ጥንሲ ከም ዝቐርብ ምግባር ሓላፍነት መንግስታት ከም ዝዀነ እቲ ዋዕላ ኣነጺሩ።
“ክንደይ ቈልዑ ክህልውኒ ኣለዎም? ዝብል ምርጫ ናይታ ስድራ’ዩ ዝኸውን” ዝብል ዋና ዳይሬክተር ፖሊሲ ልምዓት ኢንስቲትዩት ኣፍሪቃ ዶክተር ኤልያ ዙሉ፡ “ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ልዑል መጠን ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ግን መከላኸሊ ጥንሲ ምርካብ ክጽገማ ይኽእላ እየን፡” ይብል።
ቅልጡፍ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ክህሉ እንከሎ፡ ድኽነት ምንካይ ቀሊል ኣይኰነን።
ድኽነት ንምንካይ ዝሕግዙ ስትራተጂታት ልዑል ቍጽሪ ዘለዎም ሰባት ካብ ድኽነት ንምውጻእ ሓገዝቲ እንተዀኑ’ውን፣ ቍጽሪ እቲ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝነብር ህዝቢ ግን ኣብ ዝነበሮ ዝቕጽል ወይ’ውን ዝውስኽ ከም ዝኸውን ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
እቲ ኣብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ዝርአ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ዘሎ ውጡር ሃብትን ዘይማዕርነትን ንምንካይ ዘጋጥሙ ጸገማት ፖሊሲን ተወሳኺ ጸቕጢ ዝፈጥር እዩ።
ንኣብነት፡ ኣንጎላ ካብ መጀመርታ 1970ታት ኣትሒዙ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ምንካይ ሞት ህጻናትን ኣደታትን ዘርኣየቶ ምምሕያሽ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሚእታዊት ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ኣመዝጊባ። ብ2018 ግን፡ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ኣብ ሕሱም ድኽነት ይነብር ነይሩ።
ማዳጋስካር ንርእሳ፡ ንሓያለ ዓሰርታት ዓመታት ኣስታት ሰለስተ ሚእታዊት ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ከተመዝግብ ጸኒሓ። ይዅን’ምበር፡ እታ ሃገር ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣዝየን ድኻታት ሃገራት ሓንቲ ኰይና፡ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ህዝባ ትሕቲ ዓለማዊ መስመር ድኽነት እዩ ዝነብር።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ገንዘብ ብሩክ [ዶክተር] “ቍጽሪ ህዝቢ ክንኪ ይኽእል፤ እቲ ዕብየት ግን ክትዓግቶ ኣይትኽእልን፡” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







