ስለምንታይ'ዮም ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ሰላማውያን ሰባት ዝቕተሉ ዘለው?

ብዙሓት ስድራቤታት በቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝልዓሉ ዘለው ጎንጽታት ከቢድ ስግኣት ድሕነት ይስምዖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መሓመድ ዮሱፍ፡ ኣብ 1990ታት ናብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ክጣየስ እንከሎ፡ ኣቦ ሽዱሽተ ቈልዑ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ እታ ኣብ ክልል ኣምሓራ እትርከብ ዝነብረላ ዝነበረ፡ ሃርቡ ዝተባህለት ዓዲ፡ ብሓያል ድርቂ ተጠቒዓ ነበረት።

ብሰንኪ'ዚ ናብ ክልል ኦሮሚያ ዝተሰደት ስድራቤት መሓመድ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ወረዳ ጊምቢ ዑቑባ ረኺባ፣ ናብራኣ ከም ብሓድሽ ጀመረት።

ይዅን’ምበር፡ እዚ ወዲ 64 ዓመት ሰብኣይ፡ ብሰንኪ'ቲ መራሕቲ እታ ሃገር “ብሄር ተኰር” ኢሎም ዝገለጽዎ፡ ብ18 ሰነ 2022 ኣብታ ወረዳ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዳርጋ ኵሎም ደቁን ደቂ ደቁን ስኢኑ ኣሎ።

በዅሪ ጓሉ፡ ጓል 40 ዓመት ሰሚራ መሓመድን ቈልዓ ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራይ ዝነበረት ዕሸል ጓል ሓፍቱን ካብቶም ኣብታ ወረዳ ዝተቐትሉ ልዕሊ 300 ሰላማውያን ሰባት እዮም።

ንሱ፡ “ደቀይን ደቂ ደቀይን ዝርከብዎም 61 ሰባት ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢሮም” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብ4 ሓምለ 2022 ድማ፡ ካልእ መጥቃዕቲ ኣብ ክልተ ከባቢታት ዞባ ምዕራብ ወለጋ ተፈጺሙ።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ ኣብቲ ንሽዱሽተ ሰዓታት ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት፡ ብኣልማማ ከም ዝተቐትሉን ውጻእ መዓት ዝዀኑ ኣብ መሳጊድ ክዕቘቡ ከም ዝተገደዱን ገሊጾም።

“ብጣዕሚ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ’ዩ ነይሩ። ኣስታት 25 መናእሰይ ናብ ጫካ ተወሲዶም ከም ዝተቐትሉ ሰሚዕና። ክሳብ ሕጂ ግን ኣስክሬኖም ኣይረኸብናዮን” ክብል ሓደ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነቲ መጥቃዕቲ “ዘስካሕክሕ” ኢሉ ክገልጾ እንከሎ፡ "ፈጻሚኡ እዩ" ንዝበሎ ዕጡቕ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከም ዘጥፍእ ተዛሪቡ።

ሓላፍነት 'ዞም መጥቃዕታት ዝወስድ መን’ዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸሙ ብሄር ተኰር መጥቃዕታት እናሓየሉ ክመጽኡ እንከለው፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝፍጸሙ ግን ሕልፍ ዝበሉ ይመስሉ።

መንግስቲ ፌደራልን፡ ባይቶ እታ ሃገር “ግበረሽበራዊ ጕጅለ” ዝበሎ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን በዞም ኣብቲ ክልል ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖምን ኣለውን።

መንግስቲ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጀለ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕታት ይፍጽም ኣሎ ክብል እንከሎ፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብወገኑ ንወተሃደራት መንግስቲ ይኸስስ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ቀረባ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ከም ኦነግ ሸኔ ዝበሉ ግበረሽበራውያን ጕጅለታትን ካልኦትን ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ግጭት ክልዓል ውዲት ይፍሕሱ ኣለው” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብቲ ብሸሞንተ ሓምለ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ተደጋጋሚ ብሄር ተኮር መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ከም ዝፈጸመን፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ከም ዝቐተለን ገሊጹ።

“እቲ ጕጅለ ኣብ ወርሒ ሰነ [2022] ቶሌ ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝዀኑ ሰላማውያን ሰባት ግፍዓዊ ቅትለት ፈጺሙ፡” ይብል።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ኣብ ከረዩ ዓሰርታት ዓበይቲ ዓዲ [ኣባ ገዳታት] ከም ዝቐተሉ ብምግላጽ፡ ነቶም ኣብ ቀረባ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ንምጽራይ መርመራ ከም ዝጀመረ ሓቢሩ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዳኒኤል በቀለ ንቢቢሲ ብኢሜይል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ሕጂ’ውን መርመራ ነካይድ ስለ ዘለና፡ ተወሳኺ ሓበሬታን ቍጽርን ገና ኣይረኸብናን” ኢሉ።

ንመሰላት ህዝቢ ኣምሓራ ዝጣበቕ ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣሜሪካ ግን፡ እቲ ኣብቲ ክልል ንዝፍጸሙ ዘለው መጥቃዕታት ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ተሓተትቲ እዮም ይብል።

ዳይሬክተር ሕጋዊ ኣገልግሎት እቲ ማሕበር ሆነ ማንደፍሮ፡ እቶም መጥቃዕታት ብሄር ዒላማ እዮም ኢሉ ይኣምን።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ግን፡ ብድሕሪ እቶም መጥቃዕታት ዘሎ ኢድ መንግስቲ ከም ዝዀነ ብምግላጽ “ሽምና ንምጽላም ዘወሃሃዶም’ዮም” ይብል።

ኣዛዚ እቲ ሰራዊት ኩምሳ ድሪባ [ጃል መሮ] ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ቶሌ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሰራዊቱ “ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ንዝፍጸሙ መጥቃዕታት ተሓታቲ ኣይኰነን” ኢሉ።

እዞም መጥቃዕታት እንታይ ኣዕሪግዎም?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብ2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ከም ዝወሰኹ ይግለጽ።

በዓል ሞያ ሕጊ ሕቡራት ሃገራትን ዲፕሎማትን ነበር ባይሳ ዋቅዋያ ብድሕሪ እቶም መጥቃዕታት ዘሎ መን’ዩ ዝብል ምፍላጥ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ይዛረብ።

“ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ ሕጂ እቶም መጥቃዕታት በዚ መጠን ዝበዝሕሉ ምኽንያት፡ እቲ ጸገም ኣዝዩ ሰፊሕን ሱር ዝሰደደን ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ጌጋ ተፈጺሙ’ዩ። ናብኡ ተመሊስና ክንርእዮ እንተዘይክኢልና፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ጸገም ዝፍታሕ ኣይመስለንን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጅማ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣሜሪካ፡ እቲ ኣብ 1991 ኣብታ ሃገር ዝተኣታተወ ፌደራላዊ ስርዓተ ምሕደራ፡ እቶም ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኣምሓሩ ዝወርዱ ዘለው መጥቃዕታት ንኽበራኸቱ ተራ ኣለዎ ይብል።

እቲ ማሕበር ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቲ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ዝተኣታተወ ንህዝቢ ኣምሓራ ውሑዳን ዝገበረ ከፋፋሊ ፌደራላዊ ስርዓት “ኣፓርታይድ”፡ ኣብ ልዕሊ ኣምሓሩ “ጨፍጫፍ” ክፍጸም ገይሩ’ዩ” ይብል።

ኣብ መወዳእታ 2021፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ፖለቲካዊ ፍልልያት እታ ሃገር ንምፍታሕ ዝሰርሕ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ክጣየስ ገይሩ’ዩ።

ኣዛዚ እቲ ሰራዊት ኩምሳ ድሪባ፡ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጎንጺ ንኸብቅዕ ኣብ ዝግበር “ተኣማኒ ዘተ” ንምስታፍ ድልውነት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ ነይሩ።

“ንዅሉ ዘሳተፈ ዘተ እንተዘይተኻይዱ ግን ኣብዛ ሃገር ኲናት ሓድሕድ ኣንጸላልዩ ኣሎ” ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣቶ ሆነ ማንደፍሮ ግን፡ መሰረታዊ ጸገም እቲ ሕገ መንግስቲ ከም ዝዀነ ይዛረብ።

“ኵሉ ኢትዮጵያዊ ብማዕረ ዝርኣየሉ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት መሰረታዊ እዩ፣ ስለዚ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ የድልየና እዩ፡” ይብል።

ክንደይ ዝኣኽሉ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም?

ክሳብ ሕጂ፡ ብሰንኪ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዘጋጥሙ ዘለው ጎንጺታት፡ ብዝሒ ዝተቐትሉ ሰባት ብልክዕ ክፍለጥ ኣይከኣልን።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብቲ ብ18 ሰነ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጥራይ፡ 338 ሰባት ከም ዝተቐትሉ'ኳ እንተገለጸ፡ ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣሜሪካ ግን ቍጽሪ ግዳያት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ከም ዝዀነ ይገልጽ።

እቲ ማሕበር፡ ካብ 2021 ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ዘነጻጸሩ 213 መጥቃዕታት ተፈጺሞም ኢሉ ይኣምን።

“መብዛሕትኦም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ኰይኖም፡ ኣስታት 3308 ግዳያት ናይዚ ንብሄር ዝተኰረ መጥቃዕቲ ኰይኖም’ዮም። ካብዚኦም እቶም 124 ብቐጥታ ኦነግ ሸኔ ዝፈጸሞም’ዮም። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ተሳተፍቲ ኰይኖም’ዮም” ክብል ኣቶ ሆነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ግዜ፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኦሮሞ ዝዀኑ ሰላማውያን ሰባት ዝወርዱ መጥቃዕታት’ውን ኣለው’ዮም።

መስራቲት ኣብ ኣሜሪካ ዝማእከሉ ጕጅለ ተሓላቒ መሰላት ኦሮሞ ዝዀነ ማሕበር ኣመራርሓ ውርሻ ኦሮሞ ሴና ጂምጂሞ፡ “ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ተወለድቲ ኦሮሞ ተቐቲሎም” ትብል።

ቢቢሲ፡ ነዚኦም ብናጻ ኣካል ከረጋግጾም ኣይክኣለን።

መንግስትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን እታ ሃገር’ውን፡ ብሰንኪ እዞም መጥቃዕታት ዘጋጠመ ቅትለት ዝምልከት ዝሃብዎ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

ተሓታትነት'ከ ተረጋጊጹ’ዶ?

ቢቢሲ፡ ክሳብ ሕጂ ምስ እዞም ቅትለታት ብዝተሓሓዝ ናብ ፍርዲ ዝቐረበ ኣካል ምህላው ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣይረኸበን።

ኣቢይ ኣሕመድ ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ኣሽሓት ኣባላት ሰልፊ ብልጽግና ካብ ኣባልነቶም ከም ዝተሰጐጉ ተዛሪቡ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ን30 ዓመታት ዝሰርሐ፡ ዓለምለኻዊ በዓል ሞያ ሕጊ ባይሳ፡ ብቐንዱ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ሰብ መዚ ነቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለው ኣካላት ናብ ሕጊ ከቕርብዎም ከም ዘይክኣሉ ይገልጽ።

በዚ መጥቃዕቲ፡ “ኣበየናይ ከባቢ ብዘየገድስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ይዅን ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ወይ ሓደ ዓመት፡ ዝተፈጸሙ ገበናት መንግስቲ ተሓታቲ’ዩ” ኢሉ።

ብረት

እቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸሙ ዘለው ቅትለታት፡ “ብዘይ ጥርጥር ብሄር ተኰር’ዮም፤ እዚኦም ክኣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም” ክብል ባይሳ ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ “ኣብ ከም ቶሌ ወይ ጉሊሶ ዝበሉ ከባቢታት፡ ግዳያት ዝዀኑ ሰባት ብግልጺ ኣምሓሩ’ዮም፤ እዚኦም ብሰንኪ መንነቶም ግዳያት ኰይኖም’ዮም” ኢሉ።

እዞም መጥቃዕታት እናወሰኹ ኣብ ዝኸዱሉ፡ ጕጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ተሓለቕትን ኣብታ ሃገር ተሓታትት ክረጋገጽ ጸዊዖም።

ማሕበረሰብ ዓለም እንታይ ገይሩ?

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ በቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝፍጸሙ ዘለው መጥቃዕታት ከም ዝተሻቐለ ገሊጹ’ዩ።

ኣደ መንበር ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካሪ ቤቲ ሙሩንጊ፡ ዓለም ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ዘሎ ኵነታት ዕሽሽ ክትብሎ ከም ዘይብላ ሓቢራ።

“እቲ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ፡ ብዘረባታት ጽልኣትን ብሄር ተኰር ከምኡ’ውን ጾታ መሰረት ዝገበሩ ዓመጻት ክበጽሑ ብዝገብሩ ጻውዒታት ዝተመልአ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ተወሳኺ ግፍዓዊ ገበናት ከይፍጸሙ ብኣጋ መጠንቀቕታ ዝህቡ’ዮም” ኢላ።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተፈጸሙ ቅትለታት ምጽራይ ከም ዝጀመረ ገሊጹ።

ክሳብ ሽዑ ግን፡ መሓመድን ካልኦት ፍትሒ ዝጽበዩ ዘለው ውጻእ መዓትን ግን፡ ፈጸምቲ'ዚ ገበናት ናብ ፍትሒ ዝቐርብሉ መዓልቲ ክጽበዩ እዮም።

ኣቶ መሓመድ፡ ንብዓቱ ምቍጽጻር እናሰኣነ፡ “ኣእምሮይ ክሰርሕ ኣይክኣለን” ይብል።