ኢትዮጵያ: 5 ምኽንያታት ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንዘሎ ስእነት ሰላም

ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ሰባት ብግፍዒ ዝቕተሉሉ፣ ዝፈናቐሉሉን ንብረት ዝዓንወሉን ከባቢ ኮይኑ ቀጺሉ’ሎ።
ኣብ ወርሒ ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ ብተኸታተልቲ መዓልታት ኣብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ጸብጻብ ኣመልኪቶም ነይሮም።
ኣመሓደርቲ፣ ሰራሕተኛታት መንግስትን ካልኦትን’ውን ግዳያት እቶም መጥቃዕቲታት ኮይኖም’ዮም።
ቅድሚ ኲናት ትግራይ ዝጀመረ ስእነት ሰላም እቲ ከባቢ ሎሚ’ውን ዝቐጸለ ኮይኑ ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ምጥርጣራት ክፍጠር ጌሩ’ሎ።
ንምዃኑ እታ ብሰላማዊ ናብራ ህዝባ ትልለ ዝነበረት ወለጋ-ምዕራብ ኦሮሚያ ህድኣት ክትስእንን ብዙሓት ሰባት ግዳያት መጥቃዕቲ ክኾኑን ዝገብሩ ዘለዉ ምኽንያታት እንታይ እዮም? ካብ ሞንጎ እቶም ምኽንያታት ነቶም 5 ክነቕርብ።
ምንቅስቓስ ዕጡቓት
እቲ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ዝብሎ፡ ንብዓሉ ‘ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ ዝብል ጉጅለ ዕጡቓት ኣብ ምዕራብን ደቡብን ኦሮሚያ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ንመንግስታት እቲ ክልልን ፌደራልን ፈተና ኮይኑ ጸኒሑ’ሎ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት እዚ ጉጅለ ተሓታቲ ዝኾነሉ ኣብ ልዕሊ ኣመሓደርቲ ዞባ ካማሺ [ክልል ቤኒሻንጉል] ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉን ብዙሓት ክቕተሉን ምኽንያት ከምዝኾነ ይዝከር።
ሸኔ ወይ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብጃምላዊ ቅትለት፣ ዘመተ፣ ቅትለት ሰላማውያን ሰባትን ሹመኛታት መንግስትን፣ መንገዲ ብምዕጻው፣ ንብረት ህዝብን መንግስትን ብምዕናው፣ ሰባት ብምጭዋይን ካልኦት ገበናትን ብመንግስቲ ይኽሰስ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ወረዳ ኪራሙ ካብ ዝተፈጸመን ልዕሊ 100 ሰባት ዝሞቱሉን መጥቃዕቲ ብህይወት ከምዝተረፈ ንቢቢሲ ዝተዛረበ ሓደ ሓረስታይ ኣብዚ እዋን ሃዲሙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ይርከብ።
ንድሕነቱ ብዝብል ስሙ ዘይንጠቕሶ እዚ ሓረስታይ፡ ኣብ ወለጋ ተወሊዱ ከምዝዓበየ ይዛረብ። በቲ ኣብ ከባቢኦም ዝተፈጠረ ስእነት ሰላም ድማ ንዕጡቓት ‘ሸኔ’ ተሓተትቲ ይገብር።
“ነዚ ጸገም ዘምጽእ ዘሎ ኦነግ ሸኔ እዩ። ንሕና ደኣ ተዋሊድናን ተዛሚድናን እንዲና ንነብር ኔርና” ይብል።
ሎሚ ዓመት ከይተሓረሰ ዝተረፈ ሰፊሕ መሬት ከምዘሎ ብምሕባር ድማ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ተወለድቲ ኣምሓራ ካብቲ ከባቢ ከምዝተመዛሉ ተዛሪቡ።
መብዛሕቲኦም ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ንተወለድቲ ኣምሓራ ዒላማ ከምዝገብሩ’ኳ እንተተገለጸ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ’ውን ግዳያት ካብ ምዃን ኣይተረፉን።
እዞም መጥቃዕቲታት ከኣ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምትታት ንኽውሰዱ ምኽንያት ይኾኑ ኣለዉ።
ዕጡቓት ኣምሓራ
ኣብ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉድሩን መጥቃዕትታት ክፍጸሙ ምስጀመሩ፡ ዕጡቓት ኣምሓራ’ውን ሕነ ናይ ምፍዳይ ሰጉምቲታት ክወስዱ ምጅማሮም ይክሰሱ።
ኣብ እዋን ደርግ ናብቶም ከባቢታት ክሰፍሩ ዝተገበሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዙሓት ከምዝኾኑ ይግለጽ። ንነዊሕ ዓመታት ድማ ተወለድቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ብሰላምን ምትሕግጋዝን ይነብሩ ነይሮም።
ኣብቲ ከባቢ ብፍላይ ዕጡቓት ክንቀሳቐሱ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር ግን ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ብሄራት ጎንጺ ከጋጥም ጀሚሩ።

ምንጪ ስእሊ, oromia police/fb
“ቅድሚ ሎሚ እቶም ዕጡቓት ብዙሕ ሰብ ቀቲሎም’ዮም። ኣብዚ እዋን ከኣ ሕኒኦም ክፈድዩ ንዝረኸብዎ ኦሮሞ ይቐትሉ ኣለዉ። መዓልታዊ ሰብ ይቕተል ኣሎ” ይብል እቲ ንኩነታት ምዕራብ ኦሮሚያ ዝከታተል ተንታኒ።
ኣብ ታሕሳስ 2014 ዓ.ም.ግ ኣብ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሩ ጉድሩን ዕጡቓት ኣምሓራ ከምዝፈነውዎ ብዝተገለጸ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ ካልኦት ብዙሓት ተፈናቒሎምን ንብረት ዓንዩን።
ኣብ ዞባ ሆሮ ጉድሮ ወረዳ ጀርዳጋ ጃርቴ ነባሪ ዝኾኑ ውልቀሰብ በቲ መጥቃዕቲ ንብረቶም ስለዝዓነወ ካብቲ ከባቢ ከምዝተፈናቐሉ ይዛረቡ።
“ትሸዓተ ሰባት ተቐቲሎም። እቶም ዝተቐተሉ ሰባት ክሃድሙ ዓቕሚ ዘይነበሮም’ዮም። ወዲ 90 ዓመት በዓል ጸጋ ዕድመ ካብ ሞንጎኦም ይርከብዎም ነይሮም” ክብሉ ድማ ሓቢሮም።
ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ብሄራት ዕርቂ ንምውራድ ክዝትዩ ኮፍ ኣብ ዝበሉሉ እዋን፡ ተወለድቲ ኣምሓራ “ንድሕነትና ስለዝሰጋእና ፋኖ [ዘይስሩዕ ጉጅለ ዕጡቓት ኣምሓራ] ክመጽእ ጌርና'ለና” ክብሉ ምዝራቦም ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓረስታይ ገሊጾም።
ካልእ ተወላዲ ኦሮሞ ዝኾነ ሓረስታይ ድማ፡ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብቲ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ክብል ዝጽውዖ ጉጅለ ክንቀሳቐሰሉ ዝጸንሐ ከባቢ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ይዛረብ።
“ኣብዚ እዋን ንሳቶም [ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ] ኣብቲ ቦታ የለዉን። እዚ ናይ ብሄር ጎንጺ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዝሓዘ እዩ። ሕነ ዝፈድዩ ዘለዉ እዩ ዝመስል” ክብል’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ነበር ኣይተ ኣለማየሁ ተስፋ፡ ሓደ እዋን ንመራኸቢ ብዙሓት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ብዕጡቓት ኣምሓራ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብዚ ጉዳይ ነቶም “ዕጡቓት ኣምሓራ” ብዝብል ዝኽሰሱ ኣካላት ረኺብና ርእይቶኦም ክነካትት ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረልናን።
ሓለፊ ቢሮ ምምሕዳርን ጸጥታን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሻፊ ሑሴን ብወገኑ፡ ኣብቲ ንተወለድቲ ኦሮሞ ዘነጻጸረ መጥቃቲ ዝሳተፉ ኣካላት ኣብቲ ክልል ከምዝነብሩ ይገልጽ።
መንግስቲ
መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓላፍነት እንተሃለዎ’ኳ እቶም ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝነብሩ ተወለድቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ግን “ሓላፍነቱ ክፍጽም ኣይከኣለን” ክብሉ ይነቕፍዎ።
“ኣካላት መንግስቲ ነቲ ኩነታት ክቆጻጸርዎ ኣይከኣሉን። መንግስቲ ብዝጠፍአ ህይወትን ብዝዓነወ ንብረትን ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ” ይብል ነባሪ ወረዳ ጃርዳጋ ጃርቴ ዝኸነ ሓረስታይ።
ካልእ ነባሪ ብወገኑ ጎንጽታት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን “መንግስቲ ግን ስቕታ መሪጹ” ክብል ይዛረብ።
ነዞም ክስታት ዘይቕበል ሓለፊ ቢሮ ምምሕዳርን ጸጥታን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሻፊ ሑሴን “እኳ ደኣስ ዘለና ሓይሊ ኣብ ምዕራብ’ዩ ተዋፊሩ ዘሎ። መንግስቲ ዝተፈላለዩ ተግባራት ይፍጽም ኣሎ” ይብል።
ካልእ ዝለዓል ክሲ ድማ “ሓረስታይ ንነብሱ ካብ መጥቃዕቲ ዝከላኸለሉ ዕጥቂ ብመንግስቲ ክፈትሕ ይግበር ኣሎ” ዝብል’ዩ።
መንግስቲ ንሓደ ወገን ፈልዩ ዕጥቂ ከምዘየፍትሕ ዝገልጽ ኣይተ ሻፊ ብወገኑ፡ ብሰንኪ ኣብ ኢድ ሰባት ዘሎ ዕጥቂ ግን ጉድኣት ይበጽሕ ምህላዉ ተዛሪቡ።
እቲ ካልእ ነቐፌታ ድማ ‘መንግስቲ ብወተሃደራዊ ወፍርታት ውጽኢት ከምጽእ ብዘይምኽኣሉ ናይ ዕርቂ ኣማራጺ ክጥቀም ኣለዎ” ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ኣቶ ሻፊ ነዚ ብዝምልክት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ መንግስቲ ነዚ ኣማራጺ ድልው ከምዝኾነ ብምሕባር “እቲ ጉጅለ ዕጡቓት ካብ ዘረባ ብዝሰገረ ንሰላም ድልዋት ኣይኮኑን” ይብል።
ፖለቲካዊ ድልየታት
ክልል ኦሮሚያ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ክልላት ብስፍሓትን ብዝሒ ህዝብን ብቐዳምነት ይስራዕ። ስለዝኾነ ድማ እቶም ንፖለቲካ እታ ሃገር ክቆጻጸሩ ዝደልዩ ኣካላት ነቲ ክልል ዒላማ ከምዝገብሩ መንግስቲ ኦሮሚያ ስግኣቱ የቐምጥ።
ሓለፊ ቢሮ ምምሕዳርን ጸጥታን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሻፊ ሑሴን “ፖለቲካዊ ድልየት እዩ” ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።
እቶም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ድልየታቶም ብዘየገድስ ሸቶኦም ግን ተመሳሳይ ከምዝኾነ ብምሕባር “ሃገር ምፍራስ፣ ህዝቢ ክፈናቐል ምግባር፣ ንብረት ምዕናው፣ ናዕቢ ምፍጣር፤ እንተኺኢሎም ድማ ነዚ መንግስቲ ኣፍሪሶም ናይ ስግግር መንግስቲ ምምስራት’ዩ” ይብል።
ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ተቓወምቲ ፖለቲካ ነቶም ዕጡቓት ክነቕፉ ከምዘይረኣዩ ብምግላጽ ከኣ፡ ከምኡ ብምዃኑ’ውን እቶም ዕጡቓት ከም ልቦም ከምዝኾኑ ኣረዲኡ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝውልዑ ብሄር ተኮር ጎንጽታት ይውስኹ ምህላዎም ይፍለጥ።
ንዘመናት ብሰላም ይነብሩ ዝነበሩ ማሕበረሰባት ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ግን ናብ ሓድሕዳዊ ጎንጺን ምጥርጣርን ክኣትዉ ከምኡ ድማ ርክባቶም ክሕርፍፍ ይረኣዩ ኣለዉ።
ፖለቲካዊ ውድባት፣ መራኸቢ ብዙሃንን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ኣብዚ ኣሉታዊ ጽልዋ ዝዓዘዘ ብጽሒት ከምዝወስዱ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።
ኣብታ ሃገር ዝተስፋሕፍሐ ስእነት ስራሕ መናእሰይን ጽበት ናይ ሕርሻ መሬትን እውን መንቀሊ ቁጠባዊ ጸገማት ይኮኑ ብምህላዎም ንስእነት ሰላም ከም ምኽንያት ይቐርቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







