ኦነግ ላዕለዎት ኣመራርሓ ከምዝተኣሰሩዎ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Lemi Begna facebook
ሎሚ ቀዳም ንጉሆ፡ ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ ኦነግ ሓዊሱ ትሸዓተ ሰባት ከምዝተኣሰሩ ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሎሚ ንጉሆ እቶም ኣባላት ብሓባር ዝነብሩሉ ከባቢ ብፖሊስ ከምዝተፈተሸን፤ ብፖሊስ ተኸቢቡ ከምዘርፈደን ዝገለጸ ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣቶ ቶሌራ ኣደባ፡ እቶም ሰባት 'ሶስተኛ ' ተባሂሉ ናብ ዝፍለጥ ቤት-ማእሰርቲ ከምዝተወሰዱ ተዛሪቡ።
ኣቶ ቶሌራ ከምዝገለጾ፡ ኣባላት ፈጻሚት እቲ ውድብ ኣቶ ኣብዲ ረጋሳን ሚካኤል ቦረንን ፣ ሐላፊ ጉባኤ ማሕበረሰብ ኣቶ ኬነሳ ኣያና፣ ኣማኻሪ ጉዳያት ኢኮኖሚ ኣቶ ያዴ ኣብዱልሸኩር፣ ኣማኻሪ ዲፕሎማሲ ዶ/ር ሽጉጥ ገለታ፣ ክልተ ሓለውትን ክልተ መራሕቲ መኪናን፡ እቶም ዝተኣሰሩ እዮም።
ብተወሳኺ፡ "እቶም ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ግንባር ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተኣስሩ ኣይፈለጥናን" ኢሉ።
እቲ ሎሚ ዝተገበረ ፍተሻ መንበሪ ገዛ እቶም ሓለፍትን ኣባላትን፡ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከምዝተፈጸመ ኣቶ ቶሌራ ወሲኹ ኣረዲኡ።
እቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝወዓሉ ኣባላት ኣመራርሓ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ካራ ቆሬ ዝበሃል ከባቢ ብሓባር ይነብሩ ከምዝነበሩ ዝገልጽ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዘውዓሎም ኣካል ከምዘይተፈለጠ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ፡ ናብ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብተደጋጋሚ ደዊልና ኣይሰመረን።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮምያን፡ ኣስታት 350 ኣባላቱ ከምዝተኣሰሩ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣፍሊጡ ነይሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







