835 ዕጡቓት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ኮማንድ ፖስት ኣፍሊጡ

ወተሃደራት ኦነግ

ምንጪ ስእሊ, Jonathan Alpeyrie

ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝወፈረ እዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ዕጥቂ ሒዞም ሰላም ህዝቢ ይዝርጉ ነይሮም ዝበሎም 835 ዕጡቓት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉልን ከባብታት ምዕራብ ኦሮሚያን ንዝተፈጠሩ ጎንፅታት ንምቁፅፃር ዝተላእኸ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብዙሓት ዘመናዊ ኣፅዋርን፣ መኻይንን ካልኦት ናውትን ምሓዙ ገሊፁ።

ሰላም ናይ ምውሓስ ስርሑ ኣጠናኺሩ ከም ዝቐፅለሉ ዘረጋገፀ እዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ንሕብረተሰብ ዕንቅፋት ሰላም ዝኾኑ ውልቀሰባት እንተሃልዮም ንመንግስትን ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊን ንኸፍልጥ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ቕነ፡ ብዛዕባ ኣብ ብሕቲ ትካላት ዝግበሩ ፈተነታት ዘመተን ምቅፃልን ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተጋነነ መረዳእታ ይዝርጋሕ ምህላዉ'ውን ሓቢሩ።

በዝሒ ዝተዘመቱ ባንክታት፣ መጠን ዝተወሰደ ገንዘብን መንነት ነቲ ተግባር ዝፈፀሙ ሰባትን፡ ኣብ ቀፃሊ ንህዝቢ ከም ዘፍልጥ ኣመልኪቱ።

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ 'መጥቃዕቲ ኣየር ተፈፂሙ' ብዝብል ዝተዘርግሐ መረዳእታ ሓቅነት ከም ዘይብሉ ብምሕባር፡ እተን ሄሊኮፕተራት ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ሰራዊት ኣገልግሎት ኣብ ምሃብን ኣብ ዘይምችዉ ቦታታት ኣብ ምሕጋዝን ከም ዝተዋፈራ ኣረዲኡ።

ቀረብ ሎጂስቲክስ ካብ ምምላእ ካልእ ብሓይሊ ኣየር ዝተሓገዘ ውግእ ከም ዘይተኻየደ'ውን ኣስሚሩሉ።

"እቲ ሓይሊ ኣየር ብነፈርቲ ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመ'ዩ ዝዝረብ ዘሎ። ይትረፍ ናብ ከምኡ ዘብቅዕ ሓይሊ ፀላኢ፡ ምስ ማእከላይ ኣጋር ሰራዊት ዝገጥም ሓይሊ'ውን ኣየጓነፈናን" ይብል እቲ መግለፂ።

ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ እውን ምስ ሓይልታት ፀጥታ ተሓባቢሩ ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢሩ'ሎ።