መንግስቲ ምስ ኦነግ ኣብ ወጻኢ ክዛተ'ዩ

ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዘትዩ

ምንጪ ስእሊ, ONN

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ስራሕ ምስ ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ተራኺቡ ዘትዩ።

ወሃቢ ቃል እቲ ግንባር ኣቶ ቶሌራ አደባ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ "ክልቲኦም ወገናት ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ብደረጃ መትከል ኣብ ምርድዳእ በጺሖም'ዮም" ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ክልቲኦም ዘካይድዎ ዘተ ኣብ ወጻኢ ክቕጽሉዎ ከምዝተሰማምዑ ሓቢሩ።

እዚ ዘተ መዓስን ኣበይን'ዩ ክካየድ ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝብል ምላሽ ካብ ምሃብ ተወሳኺ መረዳእታ ኣይሃበን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኦነግ፣ ኦብነግን ግንቦት ሸዉዓተን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዳዉያን ምስራዙ ዝዝከር'ዩ።

እቲ ባይቶ ቅድም ክብል ነዞም ፖለቲካዊ ዉዳበታት ሐዊሱ ኣልቃዒዳን ኣልሸባብን ራዕዳዉያን ኢሉ ኣብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ኣስፊሩዎም'ዩ።