ኢትዮጵያዊ ጉጅለ ራዕዲ የለን

ምንጪ ስእሊ, House of Peoples Representative
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኦነግ፣ ኦብነግን ግንቦት ሸዉዓተን ካብ መዝገብ ጉጅለ ራዕዲ ሰሪዙ።
እቲ ባይቶ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ዉዳበታት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፣ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ)ን ግንቦት ሸዉዓተን ተደንጊጉ ዝነበረ ብያነ ጉጅለ ራዕዲ ክለዓል ካብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝቐረበ ዉሳነ ሓሳብ ኣጽዲቑ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ 2003 ዓ.ም እዞም ግንባራት፣ ጉጅለታት ኣልቃዒዳን ኣልሸባብን ሓዊሱ ሓሙሽተ ጉጅለታት ራዕዲ ኣብ ትሕቲ ዝብል መዝገብ ኣስፊሩዎም ነይሩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







