«ኦነግ ሃገር ንምግንፃል እየ ዝሰርሕ ኢሉ ኣይፈልጥን»

ሰራዊት ኦነግ

ምንጪ ስእሊ, JONATHAN ALPEYRIE

መፃኢ አንፈት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ዝገልፁ ክልተ ቃላት እንተናዲና፡ "ጠረጴዛ" ከምኡ ድማ "ጠበንጃ" ዝብሉ ቃላት ኢና ንረክብ።

እቲ ግንባር "ጥቕምን ድልየትን ህዝቢ ኦሮሞ" ከዐውት እየ ኢሉ፡ ኣብ "ጠረጴዛ" ምስ ካልኦት ሓይልታት ዝተላዘበሎም እዋናት ነይሮም።

"ብ 1991 ኣብ ዝነበረ መሸጋገሪ እዋን ተሳቲፍና ነይርና። ኣፍ ደገ ሰላምን ዴሞክራስን ዝተኸፈተ መሲሉና። እንተኾነ ግን ድሕሪ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረፃ፡ ኢህወደግ ዘርኣዮ ዘይግቡእ ባህሪ ስለዝነበረ፡ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተመሊስና ክንኣቱ ተገዲድና" ይብሉ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ እቲ ግንባር ሽጉጥ ገለታ።

ኦነግ ካብ በረኻታት ባሌ ክሳብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ክሳብ በረኻታት ኤርትራ ዘበን "ጠበንጃ" ኣሕሊፉ'ዩ።

"መንግስቲ ዘእምን ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ስለዝተሰመዓና፤ ንዕጥቃዊ ቃልሲ ዝደፋፍኡና ነገራት ንጎድኒ ገዲፍና ንዓዲ ክንኣቱ ወሲንና'ለና" ይብሉ።

ነዚ ዝበሉ፡ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ለማ መገርሳ ናብ ኣስመራ ከይዶም ምስ መራሒ እቲ ግንባር ዳውድ ኢብሳ ድሕሪ ምዝታዮም፡ እቲ ግንባር ዘሕለፎ ውሳነ ብዝምልከት እንትዛረቡ'ዩ።

ኦነግ ናይ ምንፃል ሕቶኡ ገዲፍዎ ድዩ?

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ንዓመታት ካብ ዘሰጎሞም እምነታቱ ሓደ፡ መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝብታት ክሳብ ምግንፃል ዝብል ዓንቀፅ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ።

ነዚ ድማ እዩ፡ ኦነግ ናብ ሃገር ክምለስ ምዃኑ ምስተሰምዐ፡ "ኦነግ ነቲ መለለይኡ ዝኾነ ሕቶ ምግንፃል ገዲፍዎ ድዩ?" ዝብል ሕቶ ዝመፀ።

ዶ/ር ሽጉጥ ገለታ፡ ህዝብታት ንርእሶም ከመሓድሩ፣ ናይ ህዝብን ናይ ውልቀን መሰላት ተጠዓዒሞም ክኽበሩ ዝሓትት ቅዋም ናይ ውድቦም ሕዚ'ውን ኣይተለወጠን በሃሊ እዮም።

ንኦሮሚያ ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምግንፃል ዝብል ግን ኣብ ልዕሊ እቲ ውድብ ዝተለጠፈ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ይብሉ።

"ናይቲ ውድብ ሕቶ፡ ሕቶ ምግንፃል ዓሌታውነትን ኣኽራርነትን እዩ እናተብሃለ ይኽሰስ እዩ። ኦነግ ኣብ ታሪኹ፡ ንርእሱ ካብ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣግሊሉ ንምግንፃል እየ ዝሰርሕ ኢሉ ብግልፂ ዝተዛረበሉ እዋን የለን" ክብሉ የረድኡ።

"ህዝቢ ኦሮሞ፡ ካብ ምስረታ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ብሓይሊ እዩ ተታሒዙ" ዝብሉ ዶ/ር ሽጉጥ፤ ቀፂሎም ዝመፁ መንግስታት፡ ንድልየትን ስምዒትን ህዝብታት ከኽብሩ ዘይምፍቃዶም፡ ንብዙሕ ፀገማት ምኽንያት ከምዝኾነ የልዕሉ።

ውድቦም ንመፃኢ 'ውን እንተኾነ፡ ህዝብታት ብዛዕባ መሰሎም ንምውሳን ዘለዎም ሉኣላውነት ክኽበር፣ ብዝደልይዎ ምምሕዳራዊ መገድን ቋንቋን ብዘይ ኸልካሊ ክጥቀሙ ከምዝቃለስ የስምርሉ።

መፃኢ ዕድል ሰራዊት ኦነግ

ድሕሪ 1983 ዓ.ም ኢትዮጵያ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ሰራዊት ካብ ዘለዎም ዕጡቓት ሓይልታት ሓደ ኦነግ ከምዝነበረ ይዝረበሉ።

እዚ ሰራዊት ብዝበፅሖ መጥቃዕትታን፤ ብሰንኪ ኣብቲ ግንባር ውሽጢ ብዝተፈጥረ ምክፍፋላትን ቁፅሩ አናነከየ እንተመፀ'ኳ ሎሚ'ውን ኣብ በረኻታት ኤርትራ ዕጡቕ ክንፊ ኣለዎ።

አባላት ሰራዊት እቲ ግንባር ናብ ሰላማዊ ህይወቶም ዝምለስሉ ኩነታት ድማ ምስ መንግስቲ ዘተ ከምዝግበር፡ ሓላፊ ርክባት ወፃኢ ኦነግ ዶ/ር ሽጉጥ የረድእ።

ናይ ፅባሕ ኦነግ?

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኦነግን ብዝተገብረ ስምምዕነት መሰረት፡ እቲ ግንባር ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ ብናፅነት ተንቀሳቒሱ ንህዝቢ ከላልን ክውድብን ከምዝተፈቐደሉ ዶ/ር ሽጉጥ ይዛረቡ።

ብዚ መሰረት ድማ ብሕቡእ ነቲ ድርጅት ዝሰርሑ ዝነበሩ ወገናት ከም ብሓዲሽ ሰላማዊ ቃልሲ ከካይዱ ፃውዒት ክግበረሎም'ዩ ተባሂሉ።

ዛጊድ ኣብ ደገ ዘለዉ መሪሕ እቲ ውድብ ድማ ናብ ሃገሮም ኣትዮም ምንቅስቓስ ክገብሩ እዮም።

እዞም ስዳሮታት እዚኦም፤ እቲ ብረት ተሓንጊጡ ክቃለስ ዝፀንሐ ግንባር ኣፈሙዝ ጠመንጃ ኣድኒኑ ናብ ክቢ ጠረጴዛ ዝመፅእ'ሎ ምዃኑ ዘመላኽት'ዩ፤ ይዘልቕዶ ኣይዘልቕን ፅባሕ ዝረአ እዩ።