ኦነግ 'ኣብ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 350 ኣባላተይን ደገፍተይን ተኣሲሮም' ኢሉ

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፡ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ 'ኣብ ሓደ ሰሙን 350 ኣባላተይን ደገፍተይን' ብሰራሕተኛታት ጸጥታ መንግስቲ ተኣሲሮም ኢሉ።
እቲ ውድብ "በቲ ኣብ መላእ ኦሮሚያ ዝካየድ ዘሎ ጅምላዊ ማእሰርቲ ደገፍቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣዚና ተሻቒልና ኣለና" ኢሉ።
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ሓሙስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ 'ጎንጽን ገበንን ክረኣየሎም ኣብ ዝጸንሐ ከባቢታት' ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ይኣትዉ ምህላዎም ከምኡ ድማ 'ዝተዋደደ መስርሕ ምጽራይን ክስን' ይካየድ ምህላዉ ገሊጹ።
እቲ መግለጺ፤ ኣብ 'ጎንጺ ተሳቲፎም' ብዝብል ውልቀ ሰባት ዝእሰሩሎም ዘለዉ ከባብታት እውን ጠቒሱ።
ኣብ ከባብታት ምዕራብ ጉጂ፣ ኣዳማ፣ ምብራቕ ሸዋ፣ ኣርሲ፣ ምብራቕ ሐረርጌ፣ ባሌ፣ ምዕራብ ኣርሲ፣ ምዕራብ ሸዋን ኣብ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ከምኡ ድማ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ዞባ ጌዲኦ፣ ሓዋሳ፣ ቴፒን ዞባ ሸካን ጥርጡራት ይእሰሩ ምህላዎም፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ የብርህ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ክልላት ሶማል፣ ኣምሓራን ቤንሻንጉልን እውን ጥርጡራት ይእሰሩ ምህላዎም ገሊጹ፤ "ምኽባር ልዕልና ሕጊ ንድርድር ዝቐርብ ኣይኮነን" ድማ ኢሉ እቲ መግለጺ።
ውድብ ፌደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) እውን ሎምቅነ ኣባላቱ ይእሰሩ ምህላዎም ንቢቢሲ ገሊጹ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኦፌኮ ኣብ ከተማ ጅማ ህዝባዊ ኣኼባ ከየካይድ ተኸልኪለ ክብል'ውን ከሲሱ ነይሩ።
ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)
ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተመስረተ ኦነግ፡ ኣብ መዝገብ ኣሸበርቲ ተመዝጊቡ ዝነበረ ኮይኑ፡ ድሕሪ ምምጻእ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ናብታ ሃገር ዝተመለሰ እዩ።
ይኹን እምበር፡ ኦነግ ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ታሪኹ፡ ብዙሕ ምግምማዕ ዘጋጠሞ ምዃኑን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባት ዝተፈናጨለ'ዩ።
ኣብቲ ክልል ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ፡ ብዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ክፋል ኦነግ፡ ንፈለማ እዋን ድማ ኣብ መረጻ ክሳተፍ እዩ።
ፌደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ)
ብፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ዝምራሕ እዚ ውድብ፡ ከም በቀለ ገርባን ጃዋር መሓመድን ዝኣመሰሉ ኣብቲ ክልል ልዑል ተቐባልነት ዘለዎም ሰባት ዝሓቖፈ እዩ።
ኦፌኮ ኣብቲ ክልል ካብ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ውድባት እቲ ዝዓበየ ከምዝኾነ ብዙሓት ይዛረቡ።
እቲ ውድብ ኣብ ዝሓለፉ መረጻታት'ውን ተሳቲፉ ነይሩ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







