ጥምረት ተቓወምቲ ውድባት ኦሮሚያ፡ ንሰልፊ ብልጽግና ስግኣት ይፈጥረሉ ዶ?

ኣብ ኢትዮጵያ ብሕጋዊ መገዲ ተመዝቢም ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ውድባት ልዕሊ 100 በጺሖም ኣለዉ። ኣብቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነብረሉ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ውድባት እውን ቁጽሮም ውሑድ ዝበሃል ኣይኮነን።
ኮይኑ ግና ካብቶም ብዙሓት፡ ኣብቲ ክልል ልዑል ተቐባልነት ዘለዎም ውድባት ውሑዳት እዮም።
ካብቶም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝለዓለ ድጋፍ ኣለዎም ዝበሃሉ ውድባት፡ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ)፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)ን ብሄራዊ ፓርቲ ኦሮምያን (ኦብፓ) ዝጥቀሱ እዮም። እዞም ሰለስተ ውድባት ድማ ጥምረት ክፈጥሩ ምዃኖም ይዝረብ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ውድብ ኦፌኮ ከምዝተጸንበረ ዝተገለጸ ጃዋር መሓመድ፡ ናይዞም ሰለስተ ፖለቲካዊ ውድባት ጥምረት ኣብ ቀረባ እዋን (ኣብ ዝመጽእ ዓርቢ) ክገሃድ ከምዝኽእል ማዕከናት ዜና ገሊጹ ነይሩ።

ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ)
ብፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ዝምራሕ እዚ ውድብ፡ ከም በቀለ ገርባን ጃዋር መሓመድን ዝኣመሰሉ ኣብቲ ክልል ልዑል ተቐባልነት ዘለዎም ሰባት ዝሓቖፈ እዩ።
ኦፌኮ ኣብቲ ክልል ካብ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ውድባት እቲ ዝዓበየ ከምዝኾነ ብዙሓት ይዛረቡ።
እቲ ውድብ ኣብ ዝሓለፉ መረጻታት'ውን ተሳቲፉ ነይሩ እዩ።
ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)
ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተመስረተ ኦነግ፡ ኣብ መዝገብ ኣሸበርቲ ተመዝጊቡ ዝነበረ ኮይኑ፡ ድሕሪ ምምጻእ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ናብታ ሃገር ዝተመለሰ እዩ።
ይኹን እምበር፡ ኦነግ ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ታሪኹ፡ ብዙሕ ምግምማዕ ዘጋጠሞ ምዃኑን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባት ዝተፈናጨለ'ዩ።
ኣብቲ ክልል ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ፡ ብዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ክፋል ኦነግ፡ ንፈለማ እዋን ድማ ኣብ መረጻ ክሳተፍ እዩ።
ናይ ኦሮሚያ ብሔራዊ ፓርቲ (ኦብፓ)
ብብርጋዴር ጀነራል ከማል ገልቹ ዝምራሕ ኦብፓ፡ ካብ ኤርትራን ኡጋንዳን ተበጊሱ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ድሕሪ ለውጢ ናብታ ሃገር ዝተመለሰ እዩ።
ጀነራል ከማል፡ ላዕለዋይ መኮንን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመዲቡሉ ዝነበረ ግንባር ሃዲሙ፡ ንኤርትራ ኢዱ ዝሃበ'ዩ።
ናብ ኢትዮጵያ ምስተመለሰ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ኦሮሚያ ኮይኑ ሰሪሑ።
ንሱ፡ ትውልዲ ቦትኡ ኣብዝኾነ ኣርሲን ገለ ከባቢታት ባሌን ልዑል ደገፍ ከምዘለዎ ይንገር።

ናይዞም ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ጥምረት ኣብቲ ብዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብልጽግና ፓርቲ፡ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?
ንፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክልል ኦሮሚያ ብቐረባ እትከታተል መስራቲትን ዋና ኣሰናዳኢትን ኣዲስ ስታንዳርድ ጸዳለ ለማ፡ ምስ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ገይራ ኣላ።
ቢቢሲ፡ እዞም ሰለስተ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ሓቢሮም ንምስራሕ እንተወሲኖም ዝህልዎ ትርጉም እንታይ እዩ?
ጋዜኛ ጸዳለ፡ ብመሰረት ዘለኒ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ እቶም ውድባት ሰለስተ ዓይነት ድርድራት እዮም ዘካይዱ ዘለዉ። ቀዳማይ ቅድሚ መረጻ ክህልዎም ብዛዕባ ዝኽእል ምትሕብባር፣ ካልኣይ ድሕሪ መረጻ ብከመይ ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝኽእሉን፡ ሳልሳይ ድማ ምስ ካልኦት ፌደራላዊ ሓይሊታት ብከመይ ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ዝምልከቱን ዝርርባት እዮም።
እቲ ኣዐርዩ ኣድላዪ ዝመስለኒ፡ እቲ ቅድሚ መረጻ ዝህልዎም ዝርርብ እዩ። ሰለስቲኦም ፓርቲታት ሕጹያቶም ኣብ ኩሉ ከባቢ ናይ ምቕራብ መሰል ኣለዎም።
እዚ ማለት ሰለስቲኦም ኣብ ሓደ ነቑጣ መረጻ ክወዳደሩ ይኽእሉ'ዮም ማለት እዩ። እዚ ግን ናይ መረጽቲ ድምጺ ክበታትኖ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ። ነዚ ንምውጋድ ድማ እዮም ዝርርብ ዘካይዱ ዘለዉ።
ኩሎም ልዑል ድጋፍ ዝረኽቡሎም ናይ መረጻ ነቑጣታት ኣለዉዎም። ንኣብነት ከማል ገልቹ ኣብ ከባቢ ኣርሲ ሰፊሕ ድጋፍ ኣለዎ። ኦነግ ድማ ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ወለጋ፣ ቦረናን ጉጂን ሰፊሕ ድጋፍ ኣለዎ። ኦፌኮ ድማ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ጽቡቕ ምንቅስቓስ ይገብር እዩ።
ስለዚ ድምጺ መረጽቲ ከይተበታተነ፡ እቶም ውድባት ተቐባልነት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ትኹረት ገይሮም ክወዳደሩ ዕድል ይህቦም። ብተወሳኺ ከኣ ቅድምን ድሕርን መረጻ ኣብ መንጎ ደገፍቶም ጎንጺ ከይፍጠር ዘኽእል ዝርርብ'ውን የካይዱ ኣለዉ።
እዚ እንተሰሚሩሎም ድማ ትርጉሙ ዝዓዘዘ እዩ። መጀመርያ ሓደ መርኣያ ዲሞክራስያዊ መረጻ ሰላም ስለዝኾነ፡ እቲ መረጻ ዲሞክራስያዊ ክኸውን ዝህልዎ ብጽሒት ዓብዪ እዩ።
ምስ ሕድሕዶም ካብ ምውድዳር፡ ዝተሓባበሩ እንተኾይኖም ዓብ ነገር እዩ። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ጨፈን( ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ) እንታይ ዓይነት ጥምረት ምፍጣር ይከኣል ዝብል ዝርርብ'ውን እናተኻየደ እዩ።
ቢቢሲ፡ ናይዞም ሰለስተ ውድባት ጥምረት ዝሓሸ ድምጺ ክረኽቡ የኽእሎምዶ?
ጋዜጠኛ ጸዳለ፡ዘጠራጥር የብሉን፤ ኩሎም ኣብ ሓደ ጣብያ መረጻ እንተ ተወዳዲሮም ናይቲ መራጺ ድምጺ ይበታተን እዩ። ማንም ሰዓራይ ኮይኮነ ክተርፍ ይኽእል እዩ። እቲ ጥምረት እንተተጋሂዱ፡ ነቶም ውድባትን ነቶም መረጽትን እወንታዊ ውጽኢት ከምዝህልዎ እየ ዝርዳእ።
ቢቢሲ፡ ናይዞም ሰለስተ ውድባት ጥምረት ንውድብ ብልጽግና ስግኣት ኣይኸውንዶ?
ጋዜጠኛ ጸዳለ፡ በቲ ሕዚ ዘለዎ ፖለቲካዊ ዋዒ፡ ንውድብ ብልጽግና ኣሉታዊ ኣጋጣሚ እዩ። ሓደ ክንግንዘቦ ዘለና ግን፡ ዋላኳ ጥምረት እቶም ውድባት፡ ናይ ብልጽግና ድምጺ ናይ ምርካብ ዕድል ዘጽብቦ እንተኾነ፡ ቅርጺ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ሱር ዝሰደደ እዩ።
ስለዚ ኦዲፒ (ኣካል ውድብ ብልጽግና) ጽልዋ ፈጣሪ ኮይኑ ክቕጽል እዩ ዝብል እምነት'ዩ ዘለኒ። ጥምረት እቶም ውድባት ኦዲፒ ድምጺ ክስእን ክገብሮ እዩ፤ እዚ ግን ኦዲፒ ናይ ምውሳን ዓቕሙ ክስእን እዩ ማለት ኣይኮነን።
መሰረተ ልምዓት መንግስቲ ኣብ ኢዱ ምዃኑ ንኦዲፒ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ። ስለዚ ኣብዝደለይዎ እቲ ሃብቲ ንውልቀ ረበሐኦም ከውዕልዎ ይኽእሉ እዮም።
ቢቢሲ፡ እቶም ውደባት ውጽኢት እቲ መረጻ ብጸጋ ናይ ምቕባል ድልውነት ዘለዎም ዶ ይመስለኪ?
ጋዜጠኛ ጸዳለ፡ ቅድሚ መረጻ ዝካየዱ ድረድራት እቶም ውድባት ዓቕሞም ክፈልጡ ዓቢ ረብሓ ኣለዎ። ሓደሓደ ውድባት ናይ ቀደም ስም ሒዞም'ዮም ዝወዳደሩ ዘለዉ። ንኣብነት ኦነግ ፖሊሲ የብልናን እንትብሉ ሰሚዐ እየ።
ውድባት ኣብ ሓደ ከባቢ ከምዝስዕሩ ርግጸኛ ኮይኖም ክኣትዉ የብሎምን። ስዕረት ከጋጥሞም ከምዝኽእል ኣሚኖም እዮም ክኣትዉ ዘለዎም።
ካልኣይ፡ ኩሉ ኣካል ውጽኢት እቲ መረጻ ክቕበል፡ ኣብቲ ቦርድ መረጻ እምነት ክህልዎ ኣለዎ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ገለ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ልዕሊ ቦርድ መረጻ ዝለዓሉ ቅሬታታት ኣለዉ።
ቢቢሲ፡ እዞም ሰለስተ ውድባት ብምንታይ እዮም ዝፍለዩ?
ጋዜጠኛ ጸዳለ፡ ኣብ መንጎ እዞም ሰለስተ ውድባት ሰፊሕ ዝበሃል ናይ ኣራኣእያ ኣፈላላይ የለን። ኣፍላላዮም ተቐባልነት ዘላዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ነቑጣታት መረጻ ምዃኑ እዩ። ናይቶም ውድባት ኣፈላላይ እንታይ'ዩ ኢልካ ምድላይ ምድካም እዩ ዝመስለኒ።
ውድባት ኣብ ዘቕርብዎም ፖሊሲታት መሰረት ጌርካ ድምጺ ምሃብ ልሙድ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ልማድ ግን ኣብ ፖሊሲታት ዘይኮነስ ኣብ ውልቀ ሰባት መሰረት ገይሩ እዩ ድምጺ ዝወሃብ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







