"ኣብ ክልልና ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ደው ከነብሎ ኢና" መንግስቲ ክልል ኦሮምያ

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝጅምር ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ጀሚሩ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ደው ከብሎ ከም ዝተዳለወ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ኣድማሱ ዳምጠው ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ቆላሕታ ገይሩ ኣብ ዝሰርሓሎም ጉዳያት መብርሂ ሂቡ።
ቆጽሮም ኮነ ዝተዓጠቕዎ መሳርሒ ኵናት ብዕሊ ዘይፍለጥ ዕጡቓት ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኣብ ምዕራብን ደቡብን ኦሮምያ ከምዝንቀሳቐሱ ዝፍለጥ እዩ።
ቅድሚ ሕዚ ኦነግ ነዞም ኣባላት ሰራዊት እዚኦም ከም ዘይፈልጦም መግለጺ ዝሃበ ኮይኑ፡ እቶም ሰራዊት እውን ምስ ኦነግ ዋላ ሓንቲ ምትእስሳር ከም ዘይብሎም ገሊጾም ነይሮም።
ኣዛዚ ሰራዊት ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ናይ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ኩምሳ ድሪባ (ጃልመሮ) ንሱ ዝመርሖ ሓይሊ ዕጥቃዊ ቃልሱ ከምዝቕጽል ብተደጋጋሚ ንቢቢሲ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮምያ (ኦነግ) ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ብወገኑ ኦነግ ዕጡቕ ሓይሊ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ከም ሓበሬታ ኣቶ ኣድማሱ እንተኾይኑ፤ ቀንዲ ቆላሕታ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ጸጥታን ድሕንነትን ኦሮምያ ምውሓስ እዩ።
"ሕጊ ዝጠሓሰ ዝኾነ ይኹን ኣካል ናብ ሕጊ ክቐርብ እዩ፤ ኣብ መጻኢ ዓመት ሕጊ ጥሒስካ ክትነብረላ ዘይትኽእል ኦሮምያ እነመስክረሉ ዓመት እዩ" ክብል እውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ይእሰሩ ኣለዉ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ወሃቢ ቃል "ቅድሚ ሕዚ ዝውገኑ ዝነበሩ ስራሕቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ እዮም" ክብል መሊሱ።
ጉዳይ መረጻ
ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክካየድ ትልሚ ዝተትሓዘሉ ሃገራዊ መረጻ ኣብ እዋኑ ንኽካየድ ድልየት መንግስቲ ክልል ኦሮምያን ንዕኡ ዘመሓድር ዴሞክርስያዊ ፓርቲ ኦሮምያን ከምዝኾነ ኣቶ ኣድማሱ ዳምጠው ኣጣሊሉ።
ኣስዕብ ኣቢሉ እውን "እቲ መረጻ ዲሞክርስያውን ብዘይ ገለ ናይ ጸጥታ ጸገምን ንኽሰላሰል መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ክሰርሕ እዩ" ኢሉ።
ኣብ መዓልቲ 8 ሰዓታት ጥራይ ብምስራሕ ጠለባት ህዝቢ ምምላእ ስለዘይክኣል ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ተወሰኸቲ 5 ሰዓታት ንምስራሕ ድልዋት ከምዝኾኑ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







