ኦነግ ቅድሚ ዓመታት ካብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ሓበሬታ ቕበል ምንባሩ ገሊጹ

ለገሰ ወጊ

ምንጪ ስእሊ, Social media

መግለጺ ስእሊ, ለገሰ ወጊ

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ ቅድሚ 11 ዓመት፡ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መራሒ ዝነበረ ለገሰ ወጊ ክፍጽሞ ሓሲብዎ ዝነበረ መጥቃዕቲ ብዝምልከት፡ ንመሪሕነት ኦነግ ሓበሬታ ኣቐቢሉ ምንባሩ እቲ ግንባር ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ'ቲ ወተሃደራዊ መራሒኡ ክፍጸም ዝተሃቀነ ጥቕዓት ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ናብቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ መሪሕነት ከም ዝበጽሐ ኦነግ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ለገሰ ወጊ ቅድሚ 10 ዓመት ዝተቐተለ ኮይኑ፡ ጉዳይ ቅትለቱ ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ብመንግስታዊ መራኸቢ ሓፋሽ ቀሪቡ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣብዚ ቅነ ዝተወለዐ ጎንጺ ንምህዳእ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከይዱ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኦነግ ዝነበሮ ርክብ ምግላጹ ተሳተፍቲ ይዛረቡ።

ኣብቶም መድረኻት ዘተ ብዛዕባ ለገሰ ወጊ ኣልዒሉ ምንባሩ'ውን ይግለጽ።

እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ኤጀንሲ ድሕነት መርበብ ሓበሬታ ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ምዕራባዊ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐስ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሓይሊ ኦነግ ወፍሪ ክካየድ ይሕሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓበሬታ ኣሕሊፉ ከም ዝሃበ ይዝረብ።

ብመሰረት'ቲ ካብ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ዝተረኸበ መረዳእታ፡ ለገሰ ወጊ ካብቲ መጥቃዕቲ ንነብሱ ክሕሉ እንተሓበረሉ'ኳ፡ መብዛሕቱ እዋን ግን ለገሰ ወጊ ናይ በዓሉ ውሳነ ይወስድ ከምዝነበረ ኦነግ ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ሕጂ ግን፡ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ዝመርሖ መንግስቲ ልክዕ ከምቲ ናይ ሽዑ እዋን ምስቲ ግንባር ተቐራሪቡ ኣብ ምስራሕ ክፍተታት ምህላዎም ኦነግ ሓቢሩ'ሎ።

ምኽንያት መግለጺ ኦነግ

ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ኦነግ ዝኮኑ ኣይተ ሚካኤል ቦረን፡ እዚ መግለጺ ብሰለስተ ምኽንያታት ክወጽእ ከም ዝኸኣለ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ብዛዕባ ምስ ኦነግ ዝነበሮ ርክብን ቅትለት ለገሰን ብተደጋጋሚ ምግላጹ፡ "ንሞት ለገሰ ብኣና ወገን ክፍተት ከም ዝነበረ ንምምሳልን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ጥራጣረ ንምፍጣርን'ዩ" ክብሉ ኣረዲኦም።

"ነዚ ጉዳይ ደጋጊምካ ምልዓል ንምንታይ ኣድለየ? [ስለዚ] ህዝቢ ከይደናገርን እቲ ኩነታት እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ንምፍላጥን'ዩ እቲ መግለጺ ዝወጽአ" ኢሎም።

"ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ስለምንታይ ብዛዕባ ለገሰ ጥራይ ደጋጊሙ ከልዕል ደልዩ?" ዝበሉ እቶም ኣባል መሪሕነት ኦነግ፡ ሃገር ዝመርሕ መንግስቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣባላት'ቲ ግንባር ከካይዶ ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ሎሚ'ውን ደው ከምዘይበለ ዘርእይ ምዃኑ ይገልጹ።

"ብዛዕባ ለገሰ ንዝገበሮ ነገር ካብ ምዝራብ፡ ሎሚ ስልጣን ኣብ ኢዱ ከሎን መሪሕነት ኦነግ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ እናሃለወን፡ ካብቲ ናይ ሽዑ ብዝያዳ ክሰርሕ ምኸኣለ" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ቤት ጽሐፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብቲ ብኦነግ ዝተወሃበ መግለጺ መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ'ሎ።