ነበርቲ ሓደ ቀበሌ ክልል ኦሮምያ፡ ንድሕነቶም ብምስጋእ ናብ ጋምቤላ ተመዛቢሎም

ምዕራብ ኦሮምያ

ነበርቲ ሓደ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ቄለም ወለጋ ዝርከብ ቀበሌ፡ ብሰንኪ ሽግር ጸጥታ ናብ ክልል ጋምቤላ፡ 03 ዝበሃል ከባቢ ክግዕዙ ተገዲዶም።

ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዞባን ወረዳን ዝርከብ ሸበል ዝተብሃለ ቀበሌ ነበርቲ ዝኾኑ ተወለድቲ ኦሮሞ፡ ኣብቲ ሕዚ ዝርከብሉ ከባቢ'ውን ካልእ ጸገም የጓንፎም ከምዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣብዚ መረበቶም ዝኾነ ቀበሌ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ሓመሽተ ሰባት ምስተቐትሉ ሃዲሞም ከምዝወጽኡ ስሞም ክገለጽ ዘይደለዩ ሓደ ነባሪ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

"ሕዚ ድማ ኣካላት መንግስቲ ብጉልበት ናብ መረበትና መሊሶምና" ኢሉ።

ዛጊድ ኣብ ክልል ጋምቤላ 03 ዝርከብ፡ ካልእ ኣቦ ክልተ ቖልዑ ዝኾነ ውልቀሰብ ድማ፡ ናብ መንበሪኡ ክምለስ ዘይደለየሉ ምኽንያት ሕዚ'ውን ኣብቲ ከባቢ ዘስግእ ኩነታት ከምዘሎ ምዃኑ ይዛረብ።

ወተሃደራት መንግስቲ፡ እቲ ተዂሲ ዝተኸፍተ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት 'ሸኔ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

እንተኾነ፡ ኣብቲ ቀበሌ ዝተኸፍተ ሓያል ተዂሲ ሰሚዖም ናብ ዱር ምስኣተዉ፡ ሓሙሽተ ነበርቲ ከምዝተቐትሉ ሰሚዕና ይብሉ እቶም ነባሪ።

ድሕሪ እዚ፡ ነበርቲ እቲ ቀበሌ ብምልኦም ናብ ጋምቤላ ክሃድሙ ተገዲዶም።

"ዝቕተል ዘሎ ሰላማዊ ሰብ እዩ። ብናጽነት ክነንብር ኣይከኣልናን" ዝበለ ሓደ ካብኦም፡ እዚ ምስረአዩ ናብ ካልእ ክልል ክስደዱ ከምዝመረጹ ይዛረቡ እቶም ነበርቲ።

ኣብቲ ሕዚ ዝርከብሉ ከባቢ ንምብጻሕ ብእግሮም ብለይቲ ንሸውዓተ ሰዓት ክጓዓዙ ከምዝሓደሩ ይዛረቡ።

ኣብቲ ከባቢ ንሽድሽተ መዓልቲ ምስ ጸንሑ፡ ካብቲ ዝተመዛበልሉ ዞባ ኣካላት መንግስቲ መጺኦም ከምዘዘራረብዎም ይገልጹ።

"ጸገምና ምስ ኣረዳእናዮም፤ 'ናይ ግድን ክትምለሱ ኣለኩም' ኢሎም፡ ብ6 መኪና ጽዒኖም ወሲዶምና" ይብሉ።

ንህይወቶም ዝሰግኡ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ድማ ኣብኡ ኣብ ክልል ጋምቤላ ተሓቢኦም ከምዝርከቡ እቶም ነበርቲ ሓቢሮም።

ነቶም ተመዛበልቲ ዝሕግዙ ካብ ዝነበሩ ተወላዲ ጋምቤላ ሓደ፡ እቶም ኣብቲ ክልል ዝተረፉ ተመዛበልቲ ተበታቲኖም ስለዘለዉ ንምሕጋዞም'ውን ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ ኢሉ።

ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ምሕደራን ወረዳ ኣንፊሎ አቶ ጌታሁን ሻምቢ፡ እቲ ናይ ጸጥታ ጸገም ተፈጢሩ ከምዝነበረ ብምእማን፡ እቶም ነበርቲ ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ዋላ ሓደ ኣብ ጋምቤላ ዝተረፈ ተመዛባሊ የለን። ጠንቂ ናይቲ ምፍንቓል ድማ ዕጡቓት ሸኔ እዮም ክብል ይምጉት።

እቲ ሓለፊ ተዂሲ ከምዝነበረን ኣብ መንጎኡ ሰላማዊ ሰባት ክጉድኡ ከምዝኽእሉን ካብ ምዝራብ ወጻኢ ክንደይ ሰባት ከምዝተጎድኡን ከምዝሞቱን ግን ሓበሬታ ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።