'ኣብ ኢትዮጵያ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣብ ሓደጋ ወዲቑ'- ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ዕጡቓት ጉጅለታትን፡ ብርክት ዝበሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀሙ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ብህይወት ናይ ምንባር መሰል'ውን ኣዝዩ ንሓደጋ ተቓሊዑ ኣሎ ኢሉ።
ትማሊ ዕላዊ ዝዀነ ዓመታዊ ፀብፃብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ንወተሃደራት መንግስቲ፣ ንዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ከምኡ’ውን ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክልላት እታ ሃገር - ኦሮሚያን ኣምሓራን - ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታትን ዘጠቓልል እዩ።
እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ምቁራፅ መራኸቢታት ስዒቡ፡ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ሓበሬታ ኣብ ዘይርከበሉ ኩነታት ከምዘለዉ ይሕብር።
እዚ ጸብጻብ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ሓድሽ ዙር መጥቃዕቲ ስዒቡ: ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ጸቕጢ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን’ዩ ወጺኡ ዘሎ።
ብህይወት ናይ ምንባር መሰል
እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ’ዚ ዓመታዊ ፀብፃቡ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ይጠቅስ።
ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ጉድለት ጥንቃቐን ኮነ ኢልካ ዝተወስዱ ስጉምቲታትን፡ ብኹሎም ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ኣማኢት ሰባት ከምዝተቐትሉ እቲ ኮሚሽን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።
ብሓይልታት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዕጡቓት ፋኖን፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ወይ ኦነግ ተሓባቢሮም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ሰላማውያን ሰባት ካብ ፍርዲ ወፃኢ ቅትለት ከምዝፈፀሙ እውን ኣመልኪቱ።
ዕጡቓት ኦነግ-ሸኔ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብወገኖም፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሲቪላት ቐቲሎም ኢሉ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ’ዚ ዓመታዊ ጸብጻቡ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል-ጉሙዝ፡ ወረዳ ጉባ፡ ኢሲድ ቀበሌ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ካልኦት ስሩዕ ወተሃደራዊ ክዳውንቲ ዝለበሱ ሰባትን፡ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉን፡ ሓደ ሰብ ብህይወት እንዳሃለወ ምስ ካልኦት ሬሳታት ሓዊሶም ከምዘቃጸሉን ኣዘኻኺሩ።
ቢቢሲ፡ ንኣባላት ስድራን መቕርብን እቶም ብመንነቶም ግዳያት ዝዀኑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝተቐተሉ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝኾኑ ኣዛሪቡ ሰፊሕቲ ጸብጻባት ምቕራቡ ዝዝከር እዩ።
ኢሰብኣውን ዘዋርድን ኣተሓሕዛ
እቲ ኮሚሽን ፡ ብዘይካ’ቲ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለት፡ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛኦምን ናጻ ናይ ምዃን መሰሎምን ከምዝተጣሕሰ የረድእ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ፡ ሰላማውያን ሰባት ብጭካነ ተሃሪሞም፡ ተዋሪዶምን ይሳቐዩን ነይሮም ድማ ይብል።
ኣብ ልዕሊ ዝተማረኹ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን፡ ስቅያትን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ከምዝተፈጸመ’ውን ኣመልኪቱ።
ብዘይ ሕጊ ምእሳርን ምጭዋይን
እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ሕጊ ወጻኢ ተኣሲሮምን ክስወሩ ከምዝተገደዱን ይገልጽ።
"ብፍላይ ምስ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር፡ ብሃበ ተረኽበ ማእሰርቲ፡ ካብ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ወጻኢ ኣብ ቀይዲ ምውዓል፣ ብግዴታ ምስዋር፡ ብኣባላት ስድራቤታት ከይሕተቱን ከይብጽሑን ምኽልካል፡ ከምኡ'ውን ብዘይ ፍርዲ ንነዊሕ እዋን ምእሳር ብሰፊሑ ተራእዩ'ዩ" ይብል።
ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝወዓለሉ ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ናይ ምቕራብ መሰል ኣለዎ።
ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት ብወገኑ፡ ኣብታ ክልል ዘውፀኦ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን፡ ሰብኣዊ መሰላት ብኸቢድ ዝድርትን ሕገ መንግስትን ገበናዊ ድንጋገታት’ታ ሃገር ዝጥሕስን እዩ ኢሉ።
ካብ መንጎ እቶም ጥሕሰታት፡ ደቆም ናብ ውትህድርና ኣይንሰድድን ዝበሉ ወለዲ ምእሳርን ምንክልባትን ይርከብዎም። ከምኡ’ውን እቲ ኣዋጅ፡ ምስ ፌደራል መንግስቲ ምስራሕን ምትሕብባርን ከም ገበን ገይሩ ይቖጽር።
መሰል ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት
ኢሰማኮ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ መራኸቢ ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ከምዝተቛረፀን እዚ ድማ መሰል ምድላይ፣ ምቕባልን ምትሕልላፍን ሓበሬታ ብኸቢድ ከምዝገደቦ ገሊፁ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት 54 በጺሑ ኣሎ፡ ገሊኦም ድማ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ይርከቡ።
ካብዚኦም እቶም 15 ሰራሕተኛታት ሚድያ፡ ብሰበስልጣን ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
መሰል እሱራት ምግሃስ
"ብሓፈሽኡ ኣብያተ ማእሰርቲ ፌደራልን ክልልን ድሩት ዓቕሚ እኳ እንተሃለዎም፡ ብዙሓት ኣወንታዊ ምዕባለታት ተራእዩ" ይብል ዓመታዊ ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ማእሰርቲ፡ እሱራት ብኣካላዊ መግረፍቲ ከም ዝቕጽዑ፡ እኹል መግብን ሕክምናዊ ክንክንንከምዘይረኽቡን፡ ንጥርጡራት ኣብ እዋኑ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘየቕርቡን ኣመልኪቱ።
እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ዘይስሩዓት መዳጎኒ ማእከላት ብዙሓት ሰባት ተኣሲሮም ምንባሮም ሓቢሩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋር፣ ኦሮሚያ፣ ከምኡ እውን ኣብ ክልል ደቡብ፡ ብዙሓት ሰባትንዕጡቓት ሓይልታት [ብፍላይ ንህወሓት] ይድግፉ ወይ ድማ ኣባል እዮም ብዝብል ኣብ ዘይስሩዓት መዳጎኒ ማእከላት ተኣሲሮም ምንባሮም ሓቢሮም።
ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ዓፋር፡ ሰመራ፡ ኣስታት 9 ሽሕ ተወለድቲ ትግራይ ‘ንድሕነቶም’ ብዝብል መመኽነይታ፡ ንልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ንህይወት ኣስጋኢ ኣብ ዝዀነ ኩነታት ከምዝርከቡ እቲ ኮሚሽን ደጊሙ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ‘ዚ ቀረባ እዋን፡ ነቶም ‘ብሰንኪ መንነቶም ይሳቐዩ ኣለዉ’ ዝበሎም ነበርቲ ስድራቤታት፡ ብህጹጽ ክፍትሑ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ። ቢቢሲ’ውን ንግዳያት ኣዛሪቡ ሰፊሕ ጸብጻብ ዘቕረበ ዀይኑ፡ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር፡ ብዛዕባ እዚ ክሲ ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባት
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ብሰንኪ ጎንፅን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ካብ መነባብርኦም ከም ዝተመዛበሉ ኢሰመኮ ገሊጹ።
እቲ ፀገም ዝተጋደደ ድማ፡ ንጉዳይን ጸገማትን ተመዛበልቲ ዝርኢ ሕጋዊ መንግስታዊ ኣካል ብዘይምህላዉ እዩ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንዝሓለፉ ኣስታት 20 ኣዋርሕ ዝቐጸለን ዛጊድ ሰለማዊ ፍታሕ ዘይተረኽቦን፡ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝለዓለ ግህሰታት ከምዘስዓበ እቲ ኮሚሽን ኣመልኪቱ።
ኣብታ በቲ ኲናት ኣዝያ ዝተሃሰየት ክልል ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት፡ ባንኪ፣ ስልክን መብራህትን ሓሪምዋ ዝርከብ ኰይኑ፡ ብሰንኩ ድማ፡ ኣሸሓት ንጥሜት፣ ስደትን ሞትን ተቓሊዖም ከምዝለዉ እሙናት ጸብጻባት የመልክቱ።
ብሓፈሻ ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን፡ እታ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም 'ደሴት ምርግጋእ' ኰይና ትረአ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ሕዚ ዳርጋ ኣብ ቀጻሊ ‘ቅልውላው ድሕነት’ ትጥሕል ከምዘላ እቲ ጸብጻብ ይድምድም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







