ትግራይ፡ ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ሰለስተ ኣባላቱ 'ከም ዝተረሸኑ' ኣፍሊጡ

ኣብ ትግራይ ዝተቐትሉ ስለስተ ኣባላት ዶብ ኣልቦ ሓካይም

ምንጪ ስእሊ, MSF

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ትግራይ ዝተቐትሉ ስለስተ ኣባላት ዶብ ኣልቦ ሓካይም

ገባር ሰናይ ትካል ዶብ-ኣልቦ ሓካይም - ኤም.ኤስ.ኤፍ - ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት - ብ 24 ሰነ 2021 - ኣብ ማዕከላይ ትግራይ ዝተቐትሉ ሰለስተ ኣባላቱ፡ ንኣቀታትላኦም ዝምልከት ዘካየዶ ውሽጣዊ መርመራ፡ሰሉስ 15 ሓምለ 2025 ዘርጊሑ።

እቲ ጸብጻብ፡ "እቶም ብጭካነ ዝተቐትሉ ሰለስተ ኣባላት፡ ማሪያ ሀርናንደዝ ማታስ - 35 ዓመት፡ ቴድሮስ ገብረማርያም ገብረሚካኤል - 31 ዓመት፡ ከምኡ'ውን ዮሃንስ ሓለፎም ረዳ 32 ዓመት ዕድመ" ምዃኖም ኣስፊሩ'ሎ።

እቲ ትካል ናይ ባዕሉ ጸብጻብ ከውጽእ ዝገደዶ ምኽንያት፡ ኣርባዕተ ዓመት ሓሊፉ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ህወሓት፡ ነቲ ኵነታት ንምምርማር ተጻሚድካ ንምስራሕ ዝተገብረ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ስለዘይሰመረ ምዃኑ ኣቐሚጡ።

"ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ መርመራ ይግበር ከምዘሎ'ኳ እንተገልጹ፡ ኣርባዕተ ዓመት ሓሊፉ ግን ኤም.ኤስ.ኤፍ ይዅን ቤተሰብ ግዳያት ዝዀነ ምላሽ ኣይረኸቡን፡" ክትብል ፕረዚደንት እቲ ትካል ፓውላ ጊል ሓቢራ።

ወግዓዊ መንግስታዊ ሓላፍነት ኣብ ዘየለወሉ ኵነታት ድማ፡ ብዛዕባ ዝሞቱ ኣባላቱን ኣማውታኦምን መርሚሩ ዝረኸቦ ንህዝቢ ከቃልዕ ሞራላዊ ግዴታ ከምዘለዎ ፓውላ ወሲኻ ገሊጻ።

በዚ መሰረት ድማ፡ እቲ ዝተኻየደ መርመራ እቲ ትካል ሰብኣዊ ሕክምናዊ ረዲአት፡ እቲ መጥቃዕቲ ብደይመደይ [ኮን ኢልካ]፡ ብግልጺ ንዝተለለዩ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ረዲአት ዒላማ ዝገበረን ቅትለት ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ኣመልኪቱ።

እቲ ስጕምቲ ድማ፡ ከምዚ ዝበለ "ዘስካሕክሕ ቅትለታት ሸለል ተባሂሉ ወይ ተደብዩ ከምዘይተርፍ ኣገዳሲ ኣብነት፡" ምዃኑ እውን ፓውላ ኣገንዚባ።

እቶም ሰራሕተኛታት ኤም.ኤስ.ኤፍ ኣብ ዝተቐትሉሉ መንገዲ ቃፍላይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝነበረ እቲ እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ'ሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብዚ ጉዳይ ቢቢሲ ዘዘራረባ ጀነራል ዳይረክተር ራኬል ኣዮራ፡ "እቶም ሰለስተ ኣባላትና ኣብ ቀረባ ርሕቀት ብዝተተኰሶም ሓያለ ጠያይት እዮም ተረሺነም፡" ትብል።

እቶም ሰለስተ ኣባላት፡ ሰራሕተኛታት ኤም.ኤስ.ኤፍ ብምዃን፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ሕክምናዊ ረዲአት ኣብ ምሃብ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኰይኖም፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ንዝተሃርሙ ሰባት ንምሕካም ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ጥቓ ከተማ ዓቢይ ዓዲ ናብ እትርከብ ቍሸት ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ እዋን እቲ ቅትለት ከምዝተፈጸሞም፡ ጸብጻብ ይገልጽ።

ስጳኛዊት ማሪያ ማታስ ካብ ቅድሚ'ቲ ኲናት ኣትሒዛ ኣብ ትግራይ ትሰርሕ ከምዝነበረትን በቲ ህዝቢ ኣመና ፍትውቲ ምንባራት ብምግላጽ፡ ራኬል "ሞታ ነታ ንኣ ጥራይ ዝወለደት ኣደአን እቲ ህዝቢን መሪር ሓዘን" ምዃኑ ትገልጽ።

ቴድሮስ ኣብ ዝተቐትለሉ ቅንያት ሰበይቱ ጓል ከምዝሓረሰትን፡ ንጓሎም ድማ ማሪያ ከምሰመየታን ወሲኻ እታ ጀነራል ዳይረክተር ትዛረብ።

ኣባላቱ ኣብ ጕዕዞኦም፡ ብንጹር ዝርአ ኣርማን ባንዴራን ዝነበራ መኪና፡ ንሳቶም'ውን ኣርማን መለለዪን እቲ ትካል ረዲአት ዝተለጠፎ ጻዕዳ ማልያ ለቢሶም ከምዝነበሩን ዘጠራጥር ከምዘይነበረን ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ "ኣብ መንገዲ ጕዕዞም ተቛሪጹ፡ ተቐቲሎም፡" ክብል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

""ስለዚ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ረዲአት ይቐትሉ ከምዘለዎ ይፈልጡ ነይሮም እዮም" ትብል ጀነራል ዳይረክተር ኣዮራ።

ሬሳ ማሪያን ዮሃንስን ንሓድሕዱ ኣስታት 100 ሜትሮ ተፈናቲቱ፣ ካብታ ዝተቓጸለት መኪና ድማ ኣስታት 400 ሜትሮ ርሒቝ ተረኺቡ። መራሕ እታ መኪና ዝነበረ ዮሃንስ ድማ ሬሳኡ ኣብ ጥቓ'ታ መኪና እዩ ተረኺቡ። "እዚ ድማ ምስቲ 'መራሒ መኪና ኣብ ጥቓ መኪና ይጸንሕ' ዝብል ፖሊሲ ኤም.ኤስ.ኤፍ ዝሳነ እዩ፡" ክትብል ራኬል ኣዮራ ገሊጻ።

እቲ መቕተልቲ ኣብ ምልውዋጥ ተዅሲ ከምዘይኰነን ወይ ድማ ብዘሕዝን ጌጋ ዝተፈጸመ ከምዘይኰነ ዘመልከተት ፕረዚደንት ፓውላ፡ " ኣባላትና ደይ መደይ ኢልካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዮም ተቐቲሎም ተባሂሉ ጥራይ እዩ ክግለጽ ዝከኣል፡" ኢላ።

እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ኣብ ዞባ ኲናት ብዝግበር ኣገባብ፡ እታ ጕጅለ ኣቐዲማ ክትጥቀመሉ ዝሓሰበት መስመር፡ ንኵሎም ተዋሳእቲ እቲ ኲናት - ብጽሑፍ - ከም ዘፍለጥትን፡ ካብ ኵሉ ወገን ድማ ስምምዕ ከም ዝነበረን ይገልጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፡ ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ሕቶ ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበን።

እቶም ሰራሕተኛታት ዝነበሩሉ ዝተቓፀለት መኪና

ምንጪ ስእሊ, msf

መግለጺ ስእሊ, እታ ብሓያለ ጠያይት ተሃሪማ ዝተቓጸለት ባንዴራን ኣርማን ዶብ ኣልቦ ሓካይምን ዝነበራ መኪና

ዝርዝር እቲ ርኽበት እንታይ ይብል?

ውሽጣዊ መርመራ ኤም.ኤስ.ኤፍ፡ ኣብታ ቅትለት ኣባላቱ ዝተፈጸመላ መዓልቲን ኣብታ ጽርግያን፡ ሓደ ዓቢ ቃፍላይ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንደቡብ ገጹ ይኸይድ ከምዝነበረን ኣስፊሩ'ሎ።

እዚ ድማ ብጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን፡ ምስሊታት ሳተላይት፡ ሓያሎ ሲቪላውያን መሰኻኽር ከምዝተረጋገጸ ውጽኢት እቲ መረመራ የረጋግጽ።

ክንዮ ህላወ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ከባቢ፡ እቲ ክንጸር ዝተደልየ ሓቂ ዓይነትን ስፍሓትን ተሳትፎ እቶም ወተሃደራት ኣብቲ መጥቃዕቲ ኰይኑ፡ እቲ ጸብጻብ ካብ ዝተፈላለዩ መሰኻኽር እንተላይ ካብ ገለ ምስቲ ቃፍላይ ብዝተፈላለየ ጽፍሒ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሲቪላት ዝረኸቦ ሓበሬታ እውን ኣስፍሪሩ'ሎ።

ሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንሓንቲ ትቐርብ ዝነበረት ጻዕዳ መኪና "ተኵሱ" ከምኡ'ውን "ቅተሉዎም" ዝብል ትእዛዝ መልእኽቲ ራድዮ ከሕልፍ ከም ዝሰምዐ ሓደ ምስክር ሓቢሩ።

ትካል ዶብ-ኣልቦ ሓካይም፡ ነዚ ውሽጣዊ መርመራኡ ንህዝቢ ቅሉዕ ዝገበረሉ ምኽንያት ብሞራላዊ ግዴታኡ ተደሪኹ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣብ ናይ ኲናት ዞባ ንዝንቀሳቐሱ ሰብኣዊ ሰራሕተኛታትን ትካላት ሕክምናን፡ ብመንግስታት ዘድሊ ውሕስነት ክግበረሎምን ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ንዝፍጽሙ ድማ ተሓተቲ ዝዀኑሉ ኵነታት ንምፍጣር ምዃኑ ኣስፊሩ'ሎ።

ዘስካሕኽሕ ቅትለታት ብዘይመርመራን ሓላፍነትን እንተተሓሊፉ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ፍጻመ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ንዝፍጸሙ ተመሳሰልቲ መጥቃዕትታት ሓደገኛ መርኣያ ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ትካል ስክፍታኡ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ 2020 ኣብ ትግራይ ዝተባርዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ቅትለታት፡ ምምዝባልን ሰብኣዊን ንዋታውን ዕንወታት ከምዘስዓበ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሓያለ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረዲአት'ውን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይንገር።

ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ኣስታት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ክሳዕ ሕጂ ተመዛቢሎም ከምዝርከቡን ጸብጻባት የመልክቱ።