ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ ዝዓበየ ቤት ፅሕፈቱ ንምንታይ ዓፅዩ ይወፅእ ኣሎ?

ኣደ ረድኤት እናወሰዳ

ውድብ ምግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ብዙሓት ተመዛበልቲ (IDPs) ዝርከበሉ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝነበረ ዝዓበየ ቤት ፅሕፈቱ ከም ዝዓፀወ ተገሊፁ።

ካብ ተመዛበልትን ሰራሕተኛታት እቲ ትካልን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ትካል፡ ኣብ መወዳእታ ሰነ፡ ነቲ ዝዓበየ ቤት ፅሕፈቱ ክዓፁ ዝተገደደ ብሰንኪ ሕጽረት ባጀትን ዳግመ ውደባ ስርሒታትን ከም ዝዀነ እዩ ዝገልፅ።

እቲ ቀንዲ ኣከፋፋሊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ትካል፡ እዚ ውሳነ ዝውስን ዘሎ፡ ኣብቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝፀሩ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈናቐሉ ተመዛበልቲ፡ ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዝርከቡ ኣብ ዝግለፀሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ሻቕሎት ፈጢሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እቶም ተመዛበልቲ፡ ከረምቲ ቅድሚ ምእታዉ፡ ናብ ዓዶም ክምለሱ ብሰልፍን ዝተፈላለዩ መንገድታትን ተቓውሞ ከስምዑ ቀንዮም እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብቲ ማእከል ኣስታት 300 ተመዛበልቲ ብጥሜትን ሕማምን ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ድማ እሙናት ፀብፃባት የመልክቱ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ከባብያዊ ቤት ፅሕፈት ውድብ ምግቢ ዓለም - ትግራይ፡ ሌቫን ትቻትቹዋ፡ ንኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ቤት ፅሕፈት ሽረ ንዓፅዎ ኣለና፣ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ እነሳልጦም ስራሕትና ካብ መቐለ ኴንና ክንቅፅል ኢና፡" ክብል ኣረጋጊፁ።

ሓላፍነት ምዕዳል መግቢ፡ ናብቲ ብኣመሪካ ዝምወል ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓባራዊ ህፁፅ ስርሒት ይሰጋገር ከም ዘሎን ውድብ መግቢ ዓለም ድማ "መደብ ኣመጋግባ፡ ምገባ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን መደባት - ምፅዋርን፡" ምትግባር ክቕፅል ምዃኑን ገሊፁ።

ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ኣወሃሃድቲ እቲ ማእከልን ሓካይምን ምዕፃው እቲ ቤት ፅሕፈት ዘረጋገፀ ኰይኑ፡ እንተዀነ ካብኣቶም ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ ረድኤት ናይ ምዕዳል ሓላፍነት ናብ ትካል ኣገልግሎት ረድኤት ካቶሊክ (CRS) ከም ዘመሓላለፎ የረድእ።

ወሃቢት ቃል ውድብ መግቢ ዓለም ኢትዮጵያ፡ ክሌር ኔቪል፡ እዚ ውሳነ ኣካል ናይቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ኣወዳድባ ረድኤት ከም ዝዀነን ኣብ መወዳእታ 2024፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ገበርቲ ሰናይን ዝተበፅሐ ስምምዕ ምዃኑን ገሊፃ።

ንሳ ወሲኻ፡ ውድብ መግቢ ዓለም፡ "ንልዕሊ 280,000 ህጻናት፡ ኣደታትን ንኣሽቱ ሓረስቶትን ብዝተፈላለየ መንገድታት ይድግፍ ኣሎ፤ ሕክምና ሕዱር ሕጽረት መግቢ፡ መኣዛዊ መግቢ ቤት ትምህርቲ ምሃብን ደገፍ ልምዓት መነባብሮን፡" ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ኣብ ትግራይ ክቕፅል ምዃኑ ኣረዲኣ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ስርሒታት ካብ ቤት ፅሕፈት መቐለ ክመሓደር ምዃኑ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

"እቲ ናይ ስርሒት ኵነታት ዝጠልቦ እንተዀይኑ፡ ውድብ መግቢ ዓለም ንዝቕልቀሉ ሓደሽቲ ድሌታት ብቕልጡፍ ንምምላስ፡ ሰራሕተኛታት ናይ ምምዳብን ዓቕሞም ናይ ምዕባይን ሓላፍነት ኣለዎ፡" ኢላ።

እዚ ምዕፃው ቤት ፅሕፈታት ድሕሪ'ቲ ብውድብ መግቢ ዓለም ኣቐዲሙ ብዛዕባ ሕፅረትን ምወላን ብምጥቃስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ስዒቡ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

እቲ ትካል ኣብ ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር ሃገራዊ ፀብፃብ፡ "ዓቐን መቝነን ካብቲ ኣብ ለካቲት ዝነበረ 80 ሚእታዊት ናብ 65 ሚእታዊት ናይቲ መደበኛ መቝነን ክመልሶ ከም ዝተገደደ፡" ገሊፁ'ሎ፡

ኣብዚ እዋን'ዚ ሕድሕድ ተመዛባሊ "9 ኪሎግራም እኽሊ፡ 1 ኪሎግራም ጣፍን 1.1 ኪሎግራም ዘይትን፡" ኣብ ወርሒ ይረክብ።

እቲ ትካል ኣቐዲሙ፡ ነቲ ሓደገኛ ሕፅረት ገንዘብ ብምጥቃስ፡ ካብ ግንቦት ጀሚሩ ን650,000 ሕፅረት መግቢ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝካየድ መደባት ጥዑይ ምገባ ከም ዘቋረፀ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ጉዳይ ተመዛበልቲ

ብፍላይ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈናቐሉ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ፡ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ፈቐዶ ዳሳት አዳዳ ፀሓይን ቍርን ኰይኖም ይርከቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ሓላፍነት ዝተሸከመ ኰይኑ፡ ምስ'ቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ይሰርሕ ከም ዝነበረን ብሰንኪ መራሕቲ ህወሓት ከም ዝተሰናኸለን እዩ ዝገልፅ።

ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኰይኑ ዝተሾመ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ "ተመዛበልቲ ክምለሱ እንተዀይኖም፡ ኣብኡ ዘለዉ ዕጡቓት ዕጥቆም ይፍትሑ፡ ይውፅኡ፡ ዝተጣየሹ ምምሕዳራት ይፍረሱ፡ እቶም ሓደሽቲ ሰፈርቲ'ውን ይውፅኡ። ስለዚ ድሕንነቶም ተሓልዩ ይመለሱ፡" ኢና ንብል ዘለና፡ ክብል ንቢቢሲ ምላሽ ሂቡ።