ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ተመዛበልቲ ቢቢሲ ምስ ም/ፕረዚደንት ኣማኑኤል ኣሰፋ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት

ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ

ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ሕሱም ኵነታት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ "ይኣክል! ናብ መረበትና ምለሱና" ብምባል፡ ብተደጋጋሚ ሰልፍታት ተቓውሞ የካይዱ ኣለዉ።

ብፍላይ ድሕሪ ውዕል ፕሮቶርያ፡ እቶም ተመዛበልቲ ኰን ደኾን ሎሚ ፅባሕ ንምለስ ዝብል ተስፋ ሰኒቘም ፀኒሖም።እንተዀነ፡ እቲ ሰፊሕ ግዝኣት ዛጊድ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ዝርከብ ኰይኑ፡ እቶም ብኣማኢቲ ኣሸሓት ዝቝፀሩ ተመዛበልቲ መረበቶምን ንብረቶምን ስኢኖም፡ፈቐዶ ዳሳት ኣደዳ ቍርን ፀሓይን ኰይኖም ይርከቡ።

ኣብ ነፍስወከፍ መዕቈቢ ተመዛበልቲ መዓልታዊ ካብ ሽድሽተ ክሳብ 10 ሰባት ብሰንኪ ብሕማምን ጥምየትን ከም ዝሞቱ፡ ገለ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ኣብ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ዝጸንሑ መራሕቲ ህወሓት፡'ጉዳይ ተመዛበልቲ ቀንዲ ዛዕበኦም ኣይገበሩን' ተባሂሎም ብሰፊሑ ዝንቀፉ ኰይኖም፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ክካሰሱ ተራእዮም እዮም።

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብዚ ጉዳይ እዚ፡ ንምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓትን ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ኣዘራሪቡ ኣሎ።

ቢቢሲ፤ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዳስ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዘይተመለስሉ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ኣቶ ኣማኑኤል፤ እቲ ሓደ ምኽንያት፡ ብ 2015 (ኣ.ግ) መጋቢት ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ናብ መሰረታዊ ብሄራዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ክኣቱ ኣይከኣለን። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንብሄራዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ወኪሉ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሰርሕ እዩ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ነይሩ። እንተዀነ ብሄራዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምህጋር'ዩ ኣሕሊፍዎ' ስለዚ እዚ እቲ ሓደ ፀገም'ዩ ነይሩ።

እቲ ካልኣይ ድማ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅንዕና ዝጐደሎ ኣካይዳ እዩ።

ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ንልኡላውነት ትግራይ፡ ንተመዛበልትን ስደተኛታትን ተጋሩ ዝምልከት ግልፂ ዝኾነ ሓላፍነት ተቐሚጡ እዩ። እዚ ማለት፡ ኣብ ትግራይ ወሪሮም ዘለዉ ሓይልታት ካብ ሰራዊት ምክልኻል ወፃኢ ዘለዉ ካብ ትግራይ ከውፅኦም፣ ብዘይኣግባብ ዝተተኸለ ምምሕዳር ከፍርስ፣ ሓደሽቲ ሰፈርቲ ከውፅኦም፡ ስለዚ ተፈናቐልትን ተመዛበልትን ኣብ ስደት ዘለዉ ወገናትናን ኸኣ ድሕንነቶም ተሓልዩ ሓላፍነት ክወስድ ግቡእ ኣለዎ።

ስለዚ እዚ ክፍፅሞ ኣይከኣለን፤ ኣብኡ ዘለዉ ሓይልታት እንከይወፅኡ ናብ 'ረፈረንደም' ክኸዱ ፕላን ኣውፅዩ ኣሎ። እቲ ዝፀንሐ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ እዚ ፕላን ከውፅኡ እንከለዉ ኣካል እቲ ምንቅስቃስ ኰይኑ። መንግስቲ ፈደራል ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዘፈንገጠ መልክዑ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሓደሽቲ ዕጡቓት የሰልጥን ኣሎ። ስለዚ ውሽጣዊ ፀገምን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብቅንዕና ዘይምትግባርን፡ እዞም ወገናት ከምቲ ዝፈርሕዎ ዘለዉ፡ ከምቲ ንፈርሖ ዘለና ንሓምሻይ ክረምቲ ኣብ መዕቈቢ ጣብያታት፡ ኣብ ብጣዕሚ ፅጉም መነባብሮ ከየሕልፉ ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ፤ ኣመራርሓ ህወሓት፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትኸስዎ ኣለኹም። መንግስቲ ፈደራል ድማ ተመዛበልቲ ከይምለሱ፡ 'ህወሓት ንተመዛበልቲ ጅሆ ሒዙ ይጣልዐሎም' ኢሉ ይኸሰኩም እዩ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ኣካል'ውን ብፍላይ ድማ ኣብቲ ንልዕሊ 60 መዓልታት ዘካየድክሞ ኣኼባ ውድብኩም፡ ሓደ መዓልቲ ጉዳይ ተመዛበልቲ ኣልዒልኩም ከም ዘይትፈልጡ እዩ ዝኸሰኩም። ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ድማ፡ ተመዛበልቲ፡ 'ህወሓት ወይ ውድብ እንከይተመለሰ ኣይንኸይድን እዮም' ዝብሉ እናበልኩም ብተደጋጋሚ ክትገልፁ ተሰሚዕኹም ኢኹም እሞ፡ እንታይ እዩ ድሌትኩም?

ኣቶ ኣማኑኤል፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡እቶም ዝወረሩ ሓይልታት እንከይወፅኡ፡ ዕጥቂ እንከይፈትሑ፡ ሓደሽቲ ሰፈርቲ እንከይወፅኡ፡ ደሕነት ናይቲ ከባቢ እንከይተረጋገፀ ናብኡ ክምለሱ እዩ ዝደልዮም። ንሕና ኸኣ "እዚ፡ ንድሕነት ተፈናቐልትና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ፡ ብተግባር'ውን ኣብ ፀለምቲ ርኢናዮ ኢና። ስለዚ ከምኡ ኣይኰነን ክኸውን ዘለዎ። ክምለሱ እንተዀይኖም፡ ኣብኡ ዘለዉ ዕጡቓት ዕጥቆም ይፍትሑ፡ ይውፅኡ፣ ዝተጣየሹ ምምሕዳራት ይፍረሱ፣ እቶም ሓደሽቲ ሰፈርቲ'ውን ይውፅኡ፡ ስለዚ ድሕንነቶም ተሓልዩ ይመለሱ" ኢና ንብል ዘለና።

ስለዚ ነዚ ስለዘይተቐበሎ፡ 'ህወሓት ከልኪልዎም 'ኢሉ ይዛረብ ኣሎ። ብተመሳሳሊ እቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣመራርሓ'ውን፡ ነዚ ዘረባ ይደግሞ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብ ፀለምቲ እዚኣ ገይርዋ ህዝብና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፡ ዳግም ተፈናቒሉ'ዩ። ስለዚ ከምታ ናይ ፀለምቲ ዘይትኸውን ኢሉ ስለ ዝኣምን እዚኣ ይብሉ ኣለዉ። ንሕና ተመዛበልቲ ከይምለሱ ንገብር፡ እንታይ ንምርካብ?

ቢቢሲ፤ ንምንታይ እዩ ደኣ ኣቦ ወንበር [ዶ/ር ደብረፅዮን] ሓላፊት ቤት-ፅሕፈት ህወሓትን [ፈትለ ወርቅ] . . . 'ተመዛብልትና ውድብና እንተድኣ ዘይተመሊሱ ኣይንምለስን' እዮም ዝብሉ እናበሉ፡ ኣካል ፖለቲካዊ ምንቅስቓስኹም ዝግበር ዘሎ?

ኣቶ ኣማኑኤል፤ ንሱ እቶም ዝበሉ ሰባት እንታይ ክብሉ ከም ዝደለዩ፡ ነቶም ከምኡ ዝበሉ ሰባት ንዕኦም ምሕታት እዩ። ንዓይ ዝምልከተኒ ኣይኰነን።

ቢቢሲ፤ ንስኻ'ውን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ናይ ህወሓት እኰ ኢኻ።

ኣቶ ኣማኑኤል፤ ኣብ መድረኻት ዝተዘረበ ናይ ኣመራርሓ ዘረባታት ዘይኰነስ፡ ኣነ ናይቲ ውድብ ቅዋም እነግረኪ ኣለኹ። ግና ምስ ተፈናቐልትና ኣብ ዝግበሩ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ "ናይቲ ውድብ ኵነታት ኣብ ምንታይ ኣሎ?" ዝብል ካብ ተመዛበልቲ ይለዓል እዩ። እቲ ተመዛባሊ'ውን ብዛዕባ ናይ ህወሓት ኵነታት የሻቕሎ እዩ። ተመዛበሊ ናይ ህወሓት ኵነታት ዘሻቕሎ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ናብራ እናሃለወ፡ መሪሕ ውድብ ዝበሃል ዓብይ ውድብ ከይፈርስ እሞ እቲ ኩነታት ከይኸፍእ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ምሉእ መስዋእቲ ከፊሉ ዘጥረዮ ውድብ እንድዩ እዚ፡ እቲ ተመዛበሊ'ውን ልክዕ ከም ካልኦት ከባብታት ህወሓት ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዘሎ የጨንቖ እዩ።

እቶም ተመዛበልቲ መንግስታት ክልልን ፌደራልን ዕሽሽ ከም ዝበሉዎም ይገልጹ
መግለጺ ስእሊ, እቶም ተመዛበልቲ መንግስታት ክልልን ፈደራልን ዕሽሽ ከም ዝበሉዎም ይገልጹ

ቢቢሲ፤ እቲ ተመዛባሊ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ዘሕልፎ ዘሎ ሕሰም፡ 'ብሓቂ ህላወ ናይ ሓደ ውድብ ወይ ህላወ ናይ ህወሓት እዩ ዘሻቕሎ' ኢልኩም ዲኹም ትኣምኑ?

ኣቶ ኣማኑኤል፤ ኣነ ከምኡ ኣይበልኩን። 'እቲ ህዝቢ ብዛዕባ ውድቡ ይሓትት እዩ' ማለት፡ ልዕሊ ህልውንኡ ንሓደ ውድብ ይጭነቕ እዩ ማለት ኣይኰነን። እቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝገለፅዎ ንዕኣቶም ሕተትዮም ኢለኪ ኣለኹ። እቲ ኣነ ዝብለኪ ዘለኹ ግና፡ ተፈናቐልቲ ልዕሊ ኵሉ ብዛዕባ ህልውናኦም፣ ብዛዕባ ድሕነቶም፣ ብዛዕባ ህልውናን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ፡ ብዛዕባ ልኡላውነት ትግራይን ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያን ሰላምን ይጭነቑ፡ ይሓስቡ። ምስዚ ብተወሳኺ ኸኣ ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ ኣዐርዩ ስለ ዘጨንቖም፡ ብዛዕባ ውድብ ህወሓት'ውን ሕቶታት የልዕሉ።

ቢቢሲ፤ ሕዚ ናብ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር መፂእኻ ኣለኻ፡ ምክትል ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር'ውን ኢኻ። ናብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ትመፅእ ጉዳይ ተመዛበልቲ ንምፍታሕ እንታይ ዝሰራሕኩሞ ስራሕ ኣሎ?

ኣቶ ኣማኑኤል፤ እቲ ዝስራሕ እኮ ስምምዕ ፕሪቶርያ መሰረት ጌርካ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ምስራሕ፣ ምስ ህዝብኻ ምስራሕ፡ ካብኡ ዘለዉ ስትራተጂያዊ ዓቕምታት ነዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ህወሓት፡ ሰራዊት ትግራይ፡ ግዝያዊ ምምሕዳርን እዮም ነዚ ጉዳይ እዚ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝወስዱ። ነቲ ሰላም ማእከል ጌርና ንሰርሕ ኣለና። ተፈናቐልቲ ንዘልዕልዎ ሕቶ ኸኣ፡ ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ንዕኡ ደጊፉ፡ ንዕኡ መሰረት ጌርና ኸኣ ንሰርሕ።

ብረድኤት ትንፋሶም ተሓድር ዘላ ተመዛበልቲ ትግራይ

ቢቢሲ፤ እቲ ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ዝጣየሽ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝገበርክሞ ቀጥታዊ ድርድር ኣሎ?

ኣቶ ኣማኑኤል፤ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ከምቲ ትርእይዮ ዘለኺ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣይተኣከበን። ብተደጋጋሚ ፃውዒት ቀሪብሉ፣ ብተደጋጋሚ ካብ ትግራይ ደብዳበታት ተፃሒፍሉ፡ ግና ኣይተኣከበን። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልው ክልተኣዊ ርክባት ግን፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ነቲ ጉዳይ የልዕሎ እዩ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ኸኣ ይሓትት እዩ።

ቢቢሲ፤ እቶም ተመዛበልቲ 'ክሳብ እቲ ናትና ትብልዎ ቦታ ኣብፅሑና እሞ፡ ናይ በዓልና ውሳነ ክንውስን፡' ዝብል ሕቶታት የልዕሉ ኣለዉ። ኣብዚ ዝህልወኩም ቅዋም እንታይ እዩ?

ኣቶ ኣማኑኤል፤ ሕዚ እንታይ ይመስለኪ፡ እቶም ተመዛበልቲ ዘለውዎ ህይወት ሲኦል እዩ።ስለዚ ተመዛባሊ ብጣዕሚ ተማሪሩ፡ ብጣዕሚ ከፊእዎ፡ መማረፂ ስኢኑ ዝገበሩ ይግበሩ ዓይነት ሕቶታት ካብ ውሑድ ዘይኮነ ሰብ ይለዓል እዩ። 'ስቕ ኢልና ክነከድ ኢና' ማለት እኮ፡ መስዋእቲ ክንከፍል ኢና እዩ እኮ ዝብለና ዘሎ እምበር፡ ናበይ ክኸይድ? ሕርሽኡ፡ ገዛውቱ፡ ስርሑ ተታሒዙ'ዩ። ስለዚ "ከይድና ክነልቅቖም" ኢና እዩ ዝብል ዘሎ'ምበር፡ "ሰተት ኢልና ኣቲና እቲ ቦታ ክህቡና እዮም" ኣይኮነን ዝብል ዘሎ።

እቲ ተፈናቓሊ ክምለስ እንተዀይኑ ድሕነቱ ብዝተሓለወ መንገዲ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ከመይ ገይርና ስቕ ኢልና ክንሰዶም? ኣብ ዝሓለፈ ይፈተን ተባሂሉ ናብ ፀለምቲ ተሰዲዶም እኮ፡ ጄኖሳይድ ዝፈፀምሉ ኣብኡ ፀኒሖሞ ከቢድ ግፍዒ ተፈፂምዎም፡ ተመሊሶም እዮም ተፈናቒሎም።

ቢቢሲ፤ ሕዚ እቲ ዝነበረ መንግስቲ ወይ ናይ ህወሓት ምምሕዳር እንከይተመለሰ፡ ተመዛበልቲ ንባዕሎም ወኪሎም ንዝወስድዎ ውሳነ ትቕበልዎ ዶ?

ኣቶ ኣማኑኤል፤ ናይ ህወሓት ምምሕዳር ጉዳይ እኰ ኣይኰነን እዚ ጉዳይ እዚ። ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ዘለዉ ዕጡቓት እየ ዘውግዕ ዘለኹ። እቶም ኣብኡ ዘለዉ ምምሕዳራት ኣይኰኑን ድዮም ነቲ ህዝቢ ኢዱን እግሮም ኣሲሮም ናብ ተከዘ ዘእተውዎ። እቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ኣይኰኑን ድዮም፡ ገዝኡ፡ ሕርሽኡን ናይ ቢዝነስ ስራሕቱን ወሪረሞ ዘለዉ። እዚ ጉዳይ እዚ ከቢድ እዩ። ተመዛባሊ፡ "ንስኻትኩም ዝገበርኩም ገይርኩም መልሱና፡ ሓላፍነት ውሰዱ፡ መንግስቲ ኢኹም" እዩ እኮ ዝብለና ዘሎ።

ቢቢሲ፤ ክሳብ ሕዚ ዝተኸደ ክያዶታት፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል ንተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክመልስ ኣይከኣለን። ካብ ሕዚ እንታይ ኢኹም ክትገብሩ?

ኣቶ ኣማኑኤል፤ ኣይተመሰሉን፡ እወ ኣይተመለሱን። ተመዛበልቲ ኣብ ፀገም ኣለዉ፡ ንርእዮ ዘለና ፀገም እዩ። ናይ ህዝቢ ትግራይ ፀገም እዩ፡ ናህትና ፀገም እዩ። ዘሎ መማረፂ ክልተ እዩ። እቲ ሓደ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐራሪብካ ኵሎም ናይ ሰላም መንገድታት ምፅንቃቕ እዩ ወይ ከዓ ብዘይሰላማዊ መንገዲ ምኻድ እዩ። ሕዚ ዘሎ እቲ ዝሓሸ መማረፂ ግና ብሰላማዊ መንገዲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ገይርካ ምስራሕ እዩ፡ ንሱ ኢና ንገብር ዘለና።

ቢቢሲ፤ እቲ ብዘይሰላማዊ መንገዲ ትብሎ እንታይ እዩ?

ኣቶ ኣማኑኤል፤ ብዘይ ሰለማዊ መንገዲ ደኣ ስምምዕ ፕሪቶርያ እንተፈሪሱ፡ ኲናት እዩ ዝኸውን። ንሱ ከዓ ኣየዋፅእን። ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይድ ዝኸፈለሉ ከቢድ ኲናት ስለ ዝኾነ፡ ናብኡ ከይንምለስ፡ ናብ ኲናት ንኸይንኣቱ ኢና ፃዕሪ ንገብር ዘለና።