'ማይ ኣብ ዝባንና፡ በረድ ኣብ ዝባንና፡ ቍሪ ኣብ ዝባንና ... ሞት ኣብዩኒ፡' ተፈናቓሊት ምዕራብ ትግራይ

መግለጺ ቪድዮ, 'ማይ ብዝባንና፡ በረድ ብዝባንና፡ ቍሪ ብዝባንና ... ሞት ኣብዩኒ፡'

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ መዕቈቢ ተፈናቐልቲ ምዕራብ ትግራይ፡ 70 ካሬ፡ ከባቢ 17ሽሕ ሰባት ይነብሩ። ብሰንኪ ምቍራፅ ረድኤት ኣብ ከቢድ ጥሜት ከምዘለዉ ዝገልጹ እቶም ተፈናቐልቲ ብርቱዕ ክረምቲን በረድን ኣፀጊምዎም ምህላዉ ሓቢሮም።