‘ኣድጊምካለይ’ ብዝብል ንወላዲኡ ቀቲሉ ዝደርበየ ኢትዮጵያዊ ተፈሪድዎ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ‘ኣድጊምካለይ’ ብዝብል ንወላዲ ኣቡኡ ዝቐተለ መንእሰይ ንማእሰርቲ ተፈሪዱ።
እዚ ዘሕዝንን ዘስካሕክሕን ፍጻመ ኣብ ክልል ኦሮሚያ እዩ ኣጋጢሙ።
ኣብቲ ክልል ኣብ እትርከብ ዞባ ባሌ ዝተፈጸመ ተግባር ንሰማዒኡ ዘሰንበደ ኮይኑ ሓሊፉ’ሎ።
ብኸመይ . . .?
ማስረሻ ተስፋው ዕድሚኡ ገና ወዲ 18 ዓመት ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ። ናብ ጠንቋሊ ከይድካ ‘ኣድጊምካለይ’ ወይ ‘ኣደፍቲርካለይ’ ብዝብል ዝቐተሎም ወላዲ ኣቡኡ ኣቶ ተስፋው ጫኔ ይበሃል።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ዞባ ባሌ ኣቶ መሓመድ ሑሴን ኢስማዔል ከምዝበሎ እቲ መንእሰይ ንኣቡኡ ብምቕታል ናብ ዝዓቘረ ማይ እዩ ደርብይዎ።
እዋኑ 3 ታሕሳስ 2016 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ነይሩ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ባሌ ወረዳ ዲኢኒር ፍሉይ ቦታ ጃኒ ውላድ ኣብ ልዕሊ ወላዲኡ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ቀቲሉ ደርብይዎ።
“ንኣቡኡ ኣድጊሙለይ ብምባል ሕነ ክፈድይ ከምዝቐተሎ ተጠርጢሩ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ኣብቲ ከባቢ ህዝቢ ናብ ዝጥቀመሉ ዕቋር ማይ ከኣ ደርብይዎ። ኣብ ራብዓይ መዓልቲ እዩ ሬሳ ተረኺቡ” ይብል እቲ ሓላፊ።
ነቲ ተግባር ዝፈጸመ መንእሰይ ማስረሻ ኣብ ቀይዲ ምስኣተወ ብዛዕባ እቲ ተግባር ተሓቲቱ ኣብ ቅድሚ ፖሊስን ቤት ፍርድን ናይ እምነት-ቃሉ ሂቡ እዩ። ነቲ ገበን ድሕሪ ምፍጻሙ ንሬሳ ኣቡኡ ብኣድጊ ፅዒኑ ብምውሳድ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ዕቋር ማይ ደርብይዎ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ዞባ ባሌ ኣቶ መሓመድ “ነቲ ገበን ብዝተራቐቐ መንገዲ እዩ ፈጺምዎ። ምስ ካልኦት ሰባት ተሓባቢሩ ብምሸት ስለ ዝፈጸምዎ ሰብ ዝበሃል ኣይረኣዮምን” ክብል ነቲ ኩነታት ኣረዲኡ።
ብድሕሪኡ ሃለዋቱ ናይ ዝተስኣነ ኣቦ ኩነታት ድሕነት ንምፍላጥ ተፍትሽ ተኻይዱ። ዝተረኸበ ሓደ ምልክት ከኣ ደም ነበረ። በዚ መገዲ ኣስከሬን ኣቶ ተስፋው ጫኔ ተረኺቡ።
“ሽዑ ኣብቲ ከባቢ ምርመራ ተኻይዱ። ብመሰረት ዝተኻየደ ናይ ሬሳ ምርመራ፡ እቲ ውልቀሰብ ንኣቡኡ ኣብ ርእሱ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ሰብነቱ ብምውቃዕ ከም ዝቐተሎም ተረጋጊፁ” ክብል ነቲ ኩነታት የረድእ ኣቶ መሓመድ።
‘ኣድጊሙለይ’
መንእሰይ ማስረሻ ነቲ ተግባር ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ከምዝፈጽምዎ ምስተኣመነ መመርሒ ፖሊስ ዞባ ባሌን ኣኽበርቲ ሕግን ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ወሰድዎ።
ኣብኡ’ውን እቲ ወዲ 18 ዓመት ተኸሳሲ ነዚ ገበን ምፍጻሙ ብዝሃቦ ቃል ኣረጋገጸ። ነቲ ተግባር ንኽፍጽም ‘ምኽንያት ዝኾነኒ’ ዝበሎ ከኣ ኣስሚዑ::
ኣቶ መሓመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ገበነኛ ምስ ኣቡኡ ዘቀሓሓሮ: ወላዲኡ ናብ ጠንቋሊ ከይዱ ‘ኣብ ልዕሊኡ ፈጺምዎ’ ዝበሎ ተግባር እዩ።
“ማስረሻ ወላዲ ኣቡኡ ‘መሰለ ኣስፋው ናብ ዝበሃል ጠንቋሊ ብምኻድ ኣብ ልዕለይ ጉድኣት ንክበፅሕ ኣድጊሙለይ’ እዩ ዝብል። ንወላዲኡ ክጸልእን ከይረዳዳእን ዝገበሮ ምኽንያት እዚ እዩ” ኢሉ።
እቲ ውልቀሰብ ናብ ካልእ ‘ጠንቋሊ’ ከምዝኸደን ንሱ ድማ ‘ኣቦኻ ንስኻ ንክትጉዳእ ኣድጊሙልካ እዩ’ ምስ በሎ ነዚ ቅትለት ክፍፀም ከም ዝተበገሰን እዩ ተዛሪቡ።
እቲ ወዲ 18 ዓመት ፈጻሚ ገበን ቅድሚ ሕዚ ዝኾነ መዝገብ ገበን ስለ ዘይነበሮን ገና መንእሰይ ስለዝኾነን ነዚ ከም መቕለሊ ፍርዲ ዝወሰደ ቤት ፍርዲ ብናይ 18ዓመታት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ብይን ሂቡ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







