'ሸኔ' ኢኺ ኢሉ ብምፍርራሕ ጓል ኣንስተይቲ ዝዓመጸ ፖሊስ ን7 ዓመት ተፈሪዱ

ኮንስታብል ገንሜ ኮንሶ ብጾታዊ ዓመጽ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, SURO BARGUDA WEREDA COMM.

መግለጺ ስእሊ, ኮንስታብል ገንሜ ኮንሶ ብጾታዊ ዓመጽ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ጉጂ፡ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ 'ሸኔ' ኢኺ ኢሉ ኣፈራሪሑ ዝተጋሰሰ ሓደ ኣባል ፖሊስ ን7 ዓመት ክእሰር ተፈሪድዎ።

ቤት ፍርዲ፡ ኣባል ፖሊስ ወረዳ ሱሮ ባርጉዳ ዝዀነ ኮንስታብል ገንሜ ኮንሶ ብጾታዊ ዓመጽ ገበነኛ ኰይኑ ረኺብዎ።

እታ መንነታ ንምሕላው ስማ ዘይተገልጸ ግዳይ፡ ኣብ ወረዳ ሱሮ ደምቢ ሶሮ ኣብ ዝተባህለ ቁሸት ብ4 ሓምለ 2015 ምሸት ሰዓት 3፡00 (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ምስ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ገዝኣ ድሕሪ ምውጻኣ እቲ ገበን ከም ዝተፈፀመ ዳኛ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ዳኛ በዳኔ ደንቦቢ "ኣብ መንጎ እቲ እትነብረሉ ገዛን እቲ ሽቓቕን ኣስታት 10 ሜትሮ ርሕቐት ኣሎ። እተን ደቂ ኣንስትዮ መገዲ ሰጊረን ኣብ ሽቓቕ ምስ በጽሓ፡ እቲ ተኸሳሲ ናብአን መጺኡ” ክብል እቲ ፖሊስ ደው ከም ዘበለን ገሊጹ።

"በዚ ለይቲ ሰዓት ናበይ ትኸዳ ኣለኽን?' ብለይቲ ምንቅስቓስ ክልኩል ስለ ዝዀነ፡ 200 ብር ትቕጽዓ ኢሉወን"።

እቲ ገበነኛ ተባሂሉ ዘሎ ፖሊስ ነታ ግዳይ ቅድሚ ምዕማጹ ገንዘብ ክቕበል ከም ዝፈተነ’ውን እቲ ዳኛ ወሲኹ ሓቢሩ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ገንዘብ የብልናን ምስ በላ “ኦነግ ሸኔ” ኢኽን ዝብል ካልእ ክሲ ከም ዝጀመረ እቲ ዳኛ ኣመልኪቱ።

‘ሸኔ’ ብመንግስቲ ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለ ዝተመደበ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮምያ ዕጥቃዊ ቃልሲ የካይድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

"ገንዘብ ከም ዘይረክብ ምስ ተረድአ፡ 'ንስኻትክን ኦነግ ሸኔ ኢኽን። ኦነግ ሸኔ ኣበይ ከም ዘሎ ስለ እትፈልጣ ካብኡ ኢኽን ትመጽኣ ዘለኽን ኢሉ ተቖጢዑ" ክብል ዳኛ በዳነ ወሲኹ ሓቢሩ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ሸኔ ኢኽን ምስ ተባህላ ኣዝየን ከም ዝፈርሓ ዝገለጸ እቲ ዳኛ፡ "ብብረት ኣፈራሪሑ 'ክቐትለክን እየ' ኢሉ ሒዝወን ናብ ቈጥቋጥ ኣትዩ" ኢሉ።

"ናብ ሕቡእ ቦታ ምስ ወሰደን ነታ ሓንቲ 'ኰፍ በሊ፤ ድምጽ ከይተስምዒ' ኢሉ ድሕሪ ምፍርራሕ፡ ነታ ካልእ በዓልቲ ሓዳር ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ብሓይሊ ኣገዲዱ ዓሚጽዋ።"

ነቲ ክሲ ዝሰምኡ ዳያኑ ቤት ፍርዲ ወረዳ ሱሮ ባርጉዳ

ምንጪ ስእሊ, SURO BARGUDA WEREDA COMM.

መግለጺ ስእሊ, ነቲ ክሲ ዝሰምኡ ዳያኑ ቤት ፍርዲ ወረዳ ሱሮ ባርጉዳ

ወጺኣ ነዊሕ ብምጽናሓ ዝተሻቐለ በዓል ቤት እታ ግዳይ፡ ክደልያ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ከም ዝበጽሐ እቲ ዳኛ ይገልጽ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ ተኸሳሲ ኮንስታብል ገነሜ ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ሱሮ ባርጉዳ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ነቲ ገበን ከም ዘይፈጸሞ እኳ እንተገለጸ፡ ነቲ ክሲ ንምክልኻል መርትዖ ከቕርብ ኣይከኣለን።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ካብታ ግዳይን ካብ ሰለስተ ሰባትን ብዝረኸቦ ምስክርነት፡ ተኸሳሲ ኮንስታብል ገነሜ ገበነኛ ምዃኑ ወሲኑ።

ሓደ ተኸሳሲ ብሓይሊ ወይ ብረት ብምፍርራሕ ገበን ብጾታዊ ዓመጽ እንተፈጺሙ ካብ 5 ክሳብ 15 ዓመት ብዝበጽሕ ማእሰርቲ ከም ዝቕጻዕ እቲ ዳኛ ኣመልኪቱ።

"እቲ ገበን ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብ ልዕሊ እቲ ግዳይ ዝበጽሐ ተወሳኺ ጉድኣት” ብዘይ ምንባሩ፡ ኮንስታብል ገነሜ ቅድሚ ሕጂ ገበን ፈጺሙ ዘይፈልጥን ከምኡ’ውን ስድራቤት ዘመሓድር ምዃኑን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንሸውዓተ ዓመት ክእሰር ከም ዝተፈርደ ኣብሪሁ።