ኢትዮጵያ፡ ብመጥባሕቲ ሕክምና ጥይት ካብ ሓንጐል ሰብ ወጺኣ

ምንጪ ስእሊ, Wellega university refferal hospital
ኣብ ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ፡ ኣብ ርእሲ ጓል 24 ዓመት ተሓካሚት ዝነበረ ጥይት ብመጥባሕቲ ከምዝወጽአት ተገሊጹ።
ነቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ሓፈሻዊ መወከሲ ሆስፒታል ኣስታት ክልተ ሰዓታት ዝወድአ መጥባሕቲ ዝመርሐ ዶ/ር ዋቅቶሌ ኣብዲሳ፡ እታ መንእሰይ ተሓካሚት ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ኣብ ሆስፒታል ን6 መዓልቲ ክንክን ምስተገበረላ ናብ ቤታ ከምዝኸደት ገሊጹ።
እታ ተሓካሚት ቅድሚ ናብቲ ሆስፒታል ምምጻኣ ኣብ ካልእ ኣብቲ ወረዳ ዝርከብ ትካል ጥዕና ሕክምናዊ ናብዮት ከምዝተገበረላ ዶ/ር ዋቅቶሌ ሓቢሩ።
“ናባና ክትመጽእ እንከላ ውነኣ ስሒታ እያ ነይራ። እቲ ዘጋጠማ ጉድኣት ንህይወታ ናብ ሓደጋ ዘእተወ’ዩ ነይሩ። እቲ ብጥይት ዝተወቕዐ ክፋል ሓንጎላ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክኸውን ጀሚሩ ነይሩ” ኢሉ።
እታ ናብ ርእሳ ዝኣተወ ጥይት ኣብ ሓንጐላ ን6 መዓልቲ ስለዝጸንሐ ሽክና ርእሳ ብመጥባሕቲ ምስተኸፈተ ገለ ክፋል ሓንጐላ ናይ ምብስባስ ባህርን ሕማቕ ጨናን ፈጢሩ ከምዝነበረ ወሲኹ ገሊጹ።
እታ መንእሰይ ብኸመይ ብጥይት ከምዝተወቐዐትን ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዘላትሉ ኵነታት ጥዕናን ክንፈልጥ ናብ ወለዳ ደዊልና’ኳ እንተዘራረብና “ንህይወትና ንሰግእ ኢና” ስለዝበሉ ሓበሬታ ክንረክብ ኣይከኣልናን።
ኣብ ሓፈሻዊ መወከሲ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ከምዚ ዓይነት ሕልኽልኽ ዝበለ መጥባሕቲ ርእሲ ኣጋጢሙ ስለዘይፈልጥ፡ እታ ግዳይ መንእሰይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምልኣኽ ተፈቲኑ ከምዝነበረ ዶ/ር ዋቅቶሌ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
“ናብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ንምልኣኽ ምስ ስድራኣ ተዘራሪብና ነይርና” ዝበለ ዶ/ር ዋቅቶሌ፡ ስድራኣ ግን ንጓሎም ክሳዕ ኣዲስ ኣበባ ወሲዶም ንምሕካም ዘኽእል ገንዘብ ከምዘይብሎምን ካልእስ ይትረፍ ጓሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንተዓሪፋ ኣስከሬና ሒዞም ናብ ዓዶም ዝምለስሉ ገንዘብ ስለዘይብሎም በቲ ሓሳብ እንከይተሰማምዑ ተሪፎም ኢሉ።
ውሳነ ስድራኣ ዝተረድኡ ሰብ ሞያ መጥባሕቲ እቲ ሆስፒታል ቅድመ ምድላዋት ክገብሩ ከምዝጀመሩ እቲ ዶ/ር ተዛሪቡ።
“ብመርመራ ሲቲ ስካን እቲ ዝኣተወ ጥይት ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ሓንጐላ ከምዘሎ’ዩ ዘርኢ። እቲ ጥይት ነቲ ሽክና ርእሳ በሲዑ ብምእታው ነቲ ሓንጎል ዝሽፍን ኣካል’ውን ከምዝቐደደ ኣርእዩና” ክብል ዶ/ር ዋቅቶሌ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ኣረዲኡ።
ኣብቲ እዋን ውነኣ ስሒታ ዝነበረት ተሓካሚት፡ ታሕሳስ 27/2016 [ግእዝ] 6 ሰብ ሞያ ሕክምና ዝተሳተፍሉን ክልተ ሰዓታት ዝወሰደን መጥባሕቲ ሕክምና ብዓወት ተዛዚሙ።
ዶ/ር ዋቅቶሌ ብዛዕባ መስርሕ መጥባሕቲ እታ ተሓካሚት ከብርህ እንከሎ፡ “ነቲ ቀዳማይ ክፋል ርእሳ ከፊትና ነቲ ኣብ ርእሳ ዝነበረ ጥይት ኣውጺኢናዮ። ተሰይሩ ናብ ሓንጎላ ዝኣተወ ስባር ሽክና ርእሲ’ውን ኣውጽኢና ነቲ ተቐዲዱ ዝነበረ ሓንጎል ዝሽፍን ኣካላ ሰፊናዮ” ኢሉ።
እታ ተሓካሚት ኣብቲ ሆስፒታል ን6 መዓልቲ ክንክን ክግበረላ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ክትመሓየሽ ስለዝጀመረት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ ካብቲ ሆስፒታል ወጺኣ ናብ ቤታ ተፋንያ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ሆስፒታል ከምዚ ዓይነት ሕልኽልኽ ዝበለ መጥባሕቲ ሓንጐል ተገይሩ ስለዘይፈልጥ ርእሰ ተኣማንነት እቶም ሓካይም ከምዝወሰኸ እቲ ዶ/ር ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







