ኣብ ወለጋ ሆሮጉድሩ ብዛዕባ ዝወደቐት ሰብኣልቦ ነፋሪት እንታይ ንፈልጥ?

ኣብ ክልል ኦሮምያ ወለጋ ሆሮጉዱሩ፡ ዝተሓምሸሸት ሰብልቦ ነፋሪት (ድሮን)

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES, SM

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወለጋ ሆሮጉድሩ፡ ኣብ ሓደ ግራት ሕርሻ ወዲቓ ናይ ዝተብሃለት ሰብኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ተንቃሳቓሲ ምስልን ስእልን ብብዝሒ ክዝርጋሕ ቀንዩ።

ጕጅለ ቢቢሲ ቨሪፋይ (ጕጅለ ምርግጋጽ) ምስ ኲናት ዝዛመዱ ጉዳያት ምስ ዝትንትኑ ሰብሞያ ብምዃን፡ ነዞም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ምስልታት ብምፍታሽ፡ እታ ወዲቓ ዝተባህለት ድሮን ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ትውዕል ባይራክታር ቲቢ2 ከም ዝዀነት ኣረጋጊጾም።

ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ዝተኵር ትካል ሲባይላይን ዝሰርሕ በነዲክት ማንዚን ድማ፡ ኣብቲ ምስሊ ዝርአ “ዋንነታ ናይ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝዀነት ባይራክታር ቲቢ2 እያ” ብምባል፡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ በዓልሞያ ወሲኹ፡ “ኢትዮጵያ፡ ካብ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ጀሚራ ስርሓት ቱርኪ፡ ኢራንን ቻይናን ዝዀና ሰብኣልቦ ነፈርቲ ክትጥቀም ከም ዝጀመረት ይፍለጥ” ክብል፡ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ፈለማ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ቀጺሉ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣንጻር ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ዘካይዶም ወፍሪታት፡ ሰብኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ብስፍሓት ከም ዝጥቀም እቲ በዓልሞያ ሓቢሩ።

ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ’ውን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ድሮናት ከም ዝጥቀም ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ምዝራቡ ይዝከር።

ኣብ ትካል ማኬንዚ ኢንተለጀንስ በዓልሞያ ዝዀነ ዴቪድ ሄዝኮት ድማ፡ እቲ ኣብቲ ምስሊ ዝርአ ባይራክታር ቲቢ2 ዝተበሃለት ድሮን ከም ዝዀነት ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ “ዋላ’ኳ ወግዓዊ ሓበሬታ እንተዘይሃለወ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰብኣልቦ ነፈርቲ ከም ዘለዋኦ ይዝረብ። እዚ ድማ ካብቲ ናቶም ከም ዝዀነ ዘጠራጥር ኣይኰነን” ኢሉ።

በነዲክት፡ “ኣብ ጐድኒ እታ ሰብኣልቦ ነፋሪት ‘ዳንጀር ፕሮፐለር’ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ፤ እዚ ድማ ኣብ ባይራክታር 2 ድሮናት ዝርከብ’ዩ” ይብል።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ወለጋ ሆሮጉዱሩ፡ ዝተሓምሸሸት ሰብልቦ ነፋሪት (ድሮን)

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES, SM

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ስርሓት ቱርኪ ዝዀና ሰብኣልቦ ነፈርቲ ብተወሳኺ፡ ኣብ 2021 ስርሓት ኢራን ዝዀና ሞሃጀር-6 ድሮኖት ክውንን ክኢሉ እዩ።

ኢትዮጵያ ብጠቕላላ ክንደይ ዝኣኽላ ሰብኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ከም ትውንን ግን፡ ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር የለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ኣብ ሆሮጉድሩ ወዲቓ ዝተበሃለት ሰብኣልቦ ነፋሪት ዛጊድ ዝበሎ ነገር የለን።

እዞም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብሞያ፡ እታ ድሮን ብኣጽዋር ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ዘርኢ ዋላ ሓደ ምልክት ኣብቲ ምስሊ ከም ዘየለ ኣረጋጊጾም።

ደቪድ “ተወቒዓ ዝወደቐት ኣይመስለንን” ኢሉ።

በዓልሞያ ትካል ሲባይላየን (Sibylline) በነዲክት ድማ፡ “ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ዘርኢ ዋላ ሓደ ሓበሬታ የለን። እታ ድሮን ምሉእ ብምሉእ ኣይዓነወትን። እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ጉድኣት ብፍጥነት ኣብ ትበርረሉ ብምሕምሻሻ ዝመጽአ እዩ” ብምባል፡ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ደቪድን በነዲክትን፡ እታ ሰብኣልቦ ነፋሪት ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቐስ ንዝነበረ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ንምጥቃዕ ዝተንቀሳቐሰት ክትኸውን ከም ትኽእል ብምግላጽ፡ “ብኣጽዋር ተወቒዓ ወዲቓ እንተድኣ ኢልና፡ ኣብታ ዝወደቐት ድሮን ከቢድ ጉድኣት በጺሑ ምረኣና” ይብሉ።

ወሲኾም፡ “ዋላ ብንእሽተይ ከቢድ መሳርሒ ኲናት እንተትውቃዕ ነይራ፡ ኣብ ክፋላታ ጽሕጋር ክረአ ነይርዎ” ኢሎም።

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ምስሊ፡ ኣብ ጐድኒ እታ ዝወደቐት ባይራክታር ቲቢ2 ድሮን፡ ክልተ ዘይተፈንጀሩ ሚሳይላት ይረኣዩ።

ኣባላት ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ እቶም ክልተ ሚሳይላት እታ ሰብኣልቦ ነፋሪት ተዓጢቓቶም ዝነበረት ኤምኤኤም-ኤል (MAM-L) ዝበሃሉ ሚሳይላት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

እታ ድሮን ዝተሓምሸሸትሉ ኵነታት ብምርኣይ ድማ፡ እቶም ሚሳይላት ከይተተኰሱ ምትራፎም ምዝራብ ከም ዝከኣል ገሊጾም።

በዓልሞያ ትካል ሲባይላየን በነዲክት፡ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ተሸኪመናኦ ዝበራ ሚሳይላት ኤምኤኤም-ኤል (MAM-L) ከም ዝበሃል የረድእ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ዝወደቝ ሚሳይላት ስለ ዝተሰበሩ ሕጂ ብቐጥታ ኣብ ረብሓ ዋላ’ኳ እንተዘይወዓሉ፡ ናይ ምጽጋን ዕድል ግን ኣለዎም ኢሉ።

ቢቢሲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተዘርግሑ ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን ስእልታትን መሰረት ብምግባር፡ እታ ሰብኣልቦ ነፋሪት መዓስን ኣበይን ከም ዝተሓምሸሸት ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ባይራክታር 2 ክንደየናይ ርሕቐት ይጓዓዝ?

ነዛ 150 ኪሎ ግራም ዝምዘን ተተኳሲ ተሸኪማ ክትጓዓዝ ትኽእል ባይራክታር ቲቢ2 ድሮን፡ ኣብ ውሽጢ 300 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ብምዃን ምቍጽጻር ይከኣል።

እዚ ማለት ካብ መቈጻጸሪ ነቝጣ ኣብ 300 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኰይና ዝተወሃባ ልኡኽ ክትፍጽም ትኽእል።

ብመሰረት ንባይራክታር ቲቢ2 ዘፍርይ ኩባንያ፡ ዳሕረዋይ ኣካል ሰብኣልቦ ነፋሪት (ጭራ)፡ ካብ ሓደ ጫፍ ክሳብ እቲ ካልእ ጫፍ 12 ሜትር ይነውሕ።

እዛ ሰብኣልቦ ነፋሪት ብዘይ ገለ ናይ ሰብ ሓገዝ ክትለዓልን ክትዓልብን ትኽእል፤ ካብ 18 ክሳብ 27 ሽሕ ጫማ ብራኸ ድማ ክትበርር ትኽእል።

እዛ ድሮን ኣርባዕተ ሚሳይላት ወይ ድማ ሮኬታት ናይ ምስካም ዓቕሚ ዘለዋ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ሰዓት ክሳብ 220 ኪሎ ሜትር ብምብራር ንኣስታት 27 ሰዓታት ኣብ ኣየር ክትጽንሕ ትኽእል።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ወለጋ ሆሮጉዱሩ፡ ዝተሓምሸሸት ሰብልቦ ነፋሪት (ድሮን)

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES, SM

ዋጋ ሓንቲ ባይራክታር ክንደይ እዩ?

ንሓንቲ ስርሓት ቱርኪ ዝኾነት ባይራክታር ቲቢ2 ሰብኣልቦ ነፋሪት ካብ 5 ክሳብ 6 ሚልዮን ዶላር ዋጋ ዝተተመነላ ኰይና፡ ሓቢሮማ ምስ ዝሽየጡ መሳርሒታትን ኣገልግሎታትን እንተዀይኑ ድማ፡ ልዕሊኡ ክኸውን ከም ዝኽእል እዞም ሰብሞያ ይገልጹ።

በነዲክት ከም ዝብሎ፡ ዋጋ እታ ድሮን፡ ጽገናን ካልኦት ኣገልግሎትን ሓዊሱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን እቲ ሸያጢ ትካልን ኣብ እዋን ዕድጊ ብዝሰማምዕዎ እዩ ዝውሰን።

ኣፍራይ እታ ሰብኣልቦ ነፋሪት ይዅን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዛ ድሮን ዛጊት ብወግዒ ዝበልዎ ነገር የለን።

ባይራክታር፡ ንዩክረይን ሓንቲ ባይራክታር ቲቢ2 ንምዕጣቕ፡ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 5 ነጥቢ 5 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ዝተኸፈተ ወፍሪ መተኣኻኸቢ ተሌቶን ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዘርጊሑ’ዩ።

በዓልሞያ ሲባይላይን በነዲክት፡ እታ ሰብኣልቦ ነፋሪት ተወንጭፎም ሚሳይላት ዋጋ ነፍስወከፎም፡ ካብ 60 ሽሕ ክሳብ 100 ሽሕ ዶላር ከም ዝግመት ተዛሪቡ።

እዚ ማለት ሓንቲ ድሮን ዓጢቓቶ እትበርር ሚሳይላት 3 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ይግመት ማለት እዩ።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እዛ ተሓምሺሻ ዝተበሃለት ነፋሪት፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝነብሩ ሰባት ንምዝርራብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቐሱ ዝበሃሉ ኣባላት ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ይዅኑ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ዝበልዎ ነገር የለን።