ኣብ ጉዳይ ዩኤስኤይድ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ላዕለዋይ ኣማኻሪኡ ኤሎን ማስክን ነቲ ትካል ብትሪ ክነቕፍዎ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ምዕጻዉ ብዙሕ ሃሳዪ ሳዕቤናት ከየምጽእ ይሰግኡ።
ወኪል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ካብ መጀመርታ 1960ታት ጀሚሩ ንመንግስቲ ኣመሪካ ወኪሉ ኣብ መላእ ዓለም መደባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከሳልጥ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ትካል ሓገዝ ካብ ዝገብረለን ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ ኰይና፡ ብፍላይ ኣብታ ብዂናት ዝተሃሰየት ትግራይ ብሰፊሑ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ ኣሎ።
ኤችኣይቪ - ኤይድስን ዓባይ ሰዓልን ኣብ ዝኣመሰሉ ሕማመት ምሕካምን ምክልኻለን ድማ ኣብታ ሃገር ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ይምውል ነይሩ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ እቲ ትካል ክዕጾ እዩ ምባሉ ብዙሕት ፕሮጀክትታት ከይቋረጹን ክፍተት ከይፍጠርን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ኤጀንሲ ሲቪል ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ የጽንዖ ከም ዘሎ ዘፍለጠ ኰይኑ፡ ዝዀነ ምስዚ ትካል ዝተሓሓዝ ንብረት ከይሽየጥን ከይልወጥን ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ፡ ቀንዲ ዘዋሪ ምመሕዳር ትራመፕ ኰይኑ ዝረአ ዘሎ ኤሎን ማስክ፡ ነቲ ናይ 'ገበነኛታት' እናበለ ዝጸውዖ ወኪል ልምዓት፡ እቲ ምምሕዳር ክዓጽዎ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ትራምፕ እቲ ትካል ብ"ኣኽረርቲ ጸጋማውያን ዕቡዳት" ዝምራሕን "ዓቢ ጉሕለት ይፍጸሞ" ከም ዘሎን እኳ እንተ ከሰሰ፡ ኣስማትን ዝርዝር ሓበሬታን ግን ኣይገለጸን፣ መረዳእታ'ውን ኣየቕረብን።
እዚ ጉዳይ ብብዙሕ ምኽንያታት ኣብ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ምትፍናን፣ ኣብ መላእ ዓለም ድማ ሰፊሕ ክትዕ ኣስዒቡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንምንታይ እዩ ብፖለቲካዊ መዳይ ኣካታዒ ኰይኑ?
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ወጻኢታት ሃገራት ደገ፡ ምስቲ "ኣመሪካ ትቕደም" ዝብል ኣካይዳኡ ዝሳነ ክኸውን ከም ዝደሊ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ።
ከምኡ'ውን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ ማርኮ ሩቢዮ፡ "ነፍሲ ወከፍ ዶላር" ንኣመሪካ ዝያዳ ውሕስቲ፣ ሓያልን ብልጽግትን ከም ዝገብራ ብመርትዖ ዝተረጋገጸ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።
ስለዚ፡ እቲ "ንፈደራላዊ ትካላት ንምዕጋት" ዝግበር ዘሎ ስጕምቲ፡ "ትራምፕ ኣብ ቃሉ ጸኒዑ ኣሎ ማለት እዩ፡" ይብል፡ መስራቲ ዳይረክተር ማእከል ፖለቲካ ኣመሪካ ዩሲኤል፡ ቶማስ ጊፍት።
ንሱ ወሲኹ ከም ዝብሎ፡ እቶም እሙናት ሰዓብቲ ሜጋ [ዳግማይ ኣመሪካ ዓባይ ምግባር] ብዝብል ዝፍለጥ ጭርሖ ትራምፕ፡ እቲ ንዩኤስኤይድ፡ "ንዘይማዕበለ ዓለም ቀዳምነት ብምሃብ" ዝኽተሎ ፖሊሲ ዝወሓጠሎም ኣይኰነን።
"ንኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ዝሰርዕን፡ ኣብ ከይዲ 'ዶላር ከፈልቲ ግብሪ ዘባኽን' ኢሎም ከም ዝርእዩዎ፡" ይዛረብ።
ዶክተር ጊፍት፡ "ምኽንያቱ፡ እዚ ነቲ ምምሕዳር ትራምፕ ዝኽተሎ ኣምር ተጻራሪ'ዩ - ልዕሊ ኵሉ ንረብሓ ዜጋታት ኣመሪካ ቀዳምነት ምሃብ፡" ዝብል እዩ።
ምዕጻው ዩኤስኤይድ "ንርካሽ - ተፈታውነት ዝጕስጕሱ ዓብዪ ዓወት ክኸውን'ዩ፡" ይብል።
ዳህሳስ ህዝባዊ ርእይቶ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣመሪካውያን መረጽቲ፡ ወጻኢታት ሓገዝ ንምንካይ ከም ዝድግፉ ይሕብሩ፣ ስለዚ፡ ነቲ ትካል ምዕጻው ህዝባዊ ደገፍ ክረክብ ይኽእል እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምብራቕ ኣንግልያ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ስነ-ቝጠባ፡ ዶክተር ፖል ክሊስት ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት፡ መንግስታት ኣብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ክንደይ ዝኣክል ከም ዘውጽኡ ዝተጋነነ ግመት ከም ዘለዎም ትዛረብ።
ዩኤስኤይድ፡ ዳርጋ 40 ቢልዮን ዶላር (32.25 ቢልዮን ፓውንድ ፓውንድ) ባጀት ኣለዎ፡ እዚ ድማ ካብቲ ሓፈሻዊ ወጻኢታት ሓገዝ ኣታ ሃገር፡ ቍሩብ ልዕሊ ፍርቂ ጥራይ እዩ።
ኣብ 2022 ኣመሪካ ኣስታት 70.3 ቢልዮን ዶላር - እዚ ድማ ኣስታት 1% ካብ ጠቕላላ ባጀት ፈደራል - ንሓገዝ ወጻኢ ከም ዝመደበት ጸብጻብ መንግስቲ ይሕብር።
ብሓፈሻ ኣብዚ ቀረባ ባጀት ዓመት (ካብ ጥቅምቲ 2023 ክሳዕ መስከረም 2024) ፈደራላዊ መንግስቲ ኣመሪካ 6.75 ትሪልዮን ዶላር ከም ዘውጽአ ቤት ጽሕፈት ግምጃ ቤት ኣመሪካ ይሕብር።
ከምኡ'ውን ናይ ወጻኢ ሓገዝ ሃንደበት ደው እንተ ኢሉ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ዘይተዛዘመ ፕሮጀክትታት ዝወፈረ ገንዘብ ክባኽን ምዃኑ ዶክተር ክሊስት ይዛረብ።
ገለ ኣመሪካውያን ከፈልቲ ግብሪ፡ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ብዙሕ ክመስሎምን ክቃለሱን ይኽእሉ እዮም ይብል።
እዚ ደገፍ ምሃብ ግን ህይወት ሰባት ንምድሓን ኣበርክቶ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣመሪካ ዝያዳ ጽልዋን ውሕስነትን ንምሃብ እውን ክሕግዝ ከም ዝኽእል ይዛረብ።
"ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ደው እንተ ኣቢላ ወይ ድማ ንጥፈታታ ብዓብዪ እንተ ኣቋሪጻ፡ ኣብ ልዕሊ ስማ ዓቢ ጉድኣት ከስዕብ'ዩ፡" ይብል።
"ኣመሪካ ብሕጋዊ መንገዲ ንዅሉ እቲ እትህቦ ሓገዝ ጥራይ ደው ከተብሎ ኣይትኽእልን እያ፣ ምኽንያቱ፡ ስምምዓት ተፈሪሞም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።"
ካልእ ሳዕቤን ድማ ይጠቅስ።
ካልኦት ከም ብዓል ቻይና ዝኣመሰላ ተነሓናሕቲ ሃገራት፡ ነቲ ክፍተት ንምምላእን ዓለማዊ ጽልዋአን ንምዕባይን ክጽዕራን ክብለጻሉን ከም ዝኽእላ፡ ዶክተር ክሊስት የጠንቅቕ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ እቲ ትካል ኣብ ዓይኒ ክኣቱንን ገለ ውዕላት ብሰንኪ ዘይግቡእ ተግባር ክቋረጽንን ተራእዩ እዩ።
ድሕሪኡ፡ ተወሳኺ ስጕምትታት ተኣታትዩ። ገለ ትካላት ፈደራል ንመደባት ሓገዝ ወጻኢ ብዝያዳ ውጽኢታዊ መንገዲ ክከታተሉን ክግምግሙን ይረአዩ።
ዩኤስኤይድ እንታይ እዩ ዝገብር?
• ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ ጕጅለታት ረድኤትን ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ትካላትን ቢልዮናት ሓገዝ ይዕድል፣
• ኣብ ዞባታት ኲናት ንዝግበር ሰብኣዊ ጻዕርታትን መደባት ክታበትን ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ንጥፈታት ይምውል፣
• ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት መደበራት ዘለዎን ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ቈጺሩ የስርሕ።
ዝስዕብ እንታይ ይኸውን?
ዩኤስኤይድ ጠቕሊልካ ምዕጻው ናይ ኮንግረስ ውሳነ ከድልዮ ይኽእል እዩ።
ሓደ ካብቶም ብምምሕዳር ትራምፕ ይሕሰበሎም ከም ዘሎ ዝንገረሉ ኣማራጺታት፡ ነዚ ትካል'ዚ ኣብ ትሕቲ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምግባር እዩ።
ጸሓፊ ሩቢዮ ብዙሕ ስርሓት ናይቲ ትካል ክቕጽል ምዃኑን ኣካል ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ክኸውን ምዃኑን ገሊጹ።
ኣባላት ባይቶ ደሞክራስያውያን፡ እቲ ክዕጾ ዝኽእል ትካል፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ድኻታት ሰባት ዝጐድእ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ዝሃስን ጽልዋ ኣመሪካ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ዘጕድልን "ዘይሕጋዊ፡ ዘይሕገ መንግስታዊ" ስጕምቲ ክብሉ ገሊጾም።
ኣብ ዩሲኤል ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ፖለቲካ ዶክተር ጁሊ ኖርማን፡ ብዙሓት ደሞክራስያውያን ንዩኤስኤይድ ክከላኸሉ እዮም። እንተዀነ ግን "ምስቶም እቲ ትካል ካብ ኣመሪካውያን ይርሕቕን ኣሎ ዝብል ትረኻ ዝኣመኑ መረጽቲ ከጋጭዮም እዩ፡" ትብል።
ፕረዚደንት ትራምፕን ማስክን "ንናይ ገዛእ ርእሶም ተግባራት ብዝበለጸ ንምምኽናይ" ንዩኤስኤይድ "ከም ሓደ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣኽራሪ ኣጀንዳታት ዘካይዱሉ ገይሮም ክስእልዎ ይፍትኑ ኣለዉ፡" ኢላ ትሓስብ።
"ብግብሪ፡ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ መንግስቲ ልክዕ ከምኡ እዮም - ዝድግፍዎ ሰልፊ ብዘየገድስ ኣብ መላእ ምምሕዳራት ንመንግስቲ ኣመሪካ ዘገልግሉ ዘለዉ ሰባት።"
ብሰሉስ ዩኤስኤይድ ዳርጋ ኵሎም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ፡ ክሳዕ ዓርቢ ዕረፍቲ ክወጽኡን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ናብ ኣመሪካ ከም ዝምለሱን ገሊጹ።
"ንተልእኾ ወሳኒ ዝዀኑ ስራሕተኛታት፡ ቀንዲ ኣመራርሓን ብፍሉይ ዝተመደቡ መደባትን" ጥራሕ እዮም ስራሕ ዝቕጽሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







