ረድኤት ኣመሪካ ምቍራጹ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ?

ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዘመልክቱ ኣሳእል

ምንጪ ስእሊ, USAID

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዘመሓላለፎ ፈጻሚ ትእዛዝ ተኸቲሉ፡ ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት ኣመሪካ (ዩኤስኤይድ) ዝህቦም ሓደስቲ ድጋፋት ብምቍራጹ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ምስንኻላት ይፈጥር ኣሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ውጽኢታውነትን ቀጻልነትን ግዳማዊ ፖሊሲኡ ክሳዕ ዝግምገም ን90 መዓልታት ናይ ወጻኢ ልምዓታዊ ድጋፍ ክቋረጽ ምእዛዙ ይፍለጥ።

ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ምምሕዳር ኣመሪካ ንጥዕና፡ ሕርሻ፡ ትምህርቲ፡ ጸዓትን ደሞክራስያዊ ምምሕዳርን፡ ንዓመታት ዝኸውን ብቢልየናት ዝግመት ዶላራት ሓገዝ ገይሩ እዩ።

ዩኤስኤይድ ዝገብሮ ሓገዝ ጥዕና፡ ንኣፍሪቃ ኣገዳሲ ኰይኑ፡ ኤችኣይቪ/ኤይድስ፡ ሕማም ዓባይ ሰዓልን ዓሶን ንምምካት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ልዑል ሓገዝ ካብ ዝገብሩ ትካላት ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።

እንተዀነ፡ ንትእዛዝ ትራምፕ ስዒቡ ብሓገዝ ዩኤስኤይድ ዕዮታቶም ዝዓምሙ ትካላት ድሮ ብድሆ ኣጋጢምዎም ኣሎ፤ መጻኢ ዕድሎም እንታይ ከም ዝኸውን'ውን ተሻቒሎም ኣለዉ።

ኣብ ማላዊ ብዩኤስኤይድ ዝድገፉ ፕሮጀክታት ደው ከም ዝበሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጻብጺበን ኣለዋ።

ሓሙሽተ ዓበይቲ ትካላት ረድኤት'ውን፡ ዩኤስኤይድ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዕማሙ ክቋረጽ ብምእዛዙ፡ ሰራሕተኛታቶም ናብ ስራሕ ከይኣትዉ ብደብዳበ ኣፍሊጦም።

ውድብ ጥዕና ዓለም'ውን፡ ሓገዝ ዩኤስኤይድ ብህጽጽ ምቍራጹ፡ ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ኣብ ዘለወን ሃገራት ንዝዕመሙ መደባት ኤችኣይቪ ዘስዕቦ ጽልዋ ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ናይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ናይ ህጹጽ እዋን ናይ ኤይድስ ድጋፍ ዝዀነ (ፔፕፋር) ሓዊሱ፡ ብኣመሪካ ዝድገፉ ፕሮጀክታት ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 30 ሚልዮን ሰባት ሕክምና ኤችኣይቪ ክረኽቡ ኣኽኢሉ'ዩ።

እዚ ሓገዝ ምቍራጹ ድማ ቫይረስ ኤችኣይቪ ኣብ ደሞም ዝርከቡ ንሕማምን ሞትን ክቃልዑ ዝገብርን ነዚ ሕማም ንምክልኻል ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ከም ዝዀነ ሰብሞያ ጥዕና ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መድሕን ህይወት ዝዀኑ ናይ ኤችኣይቪ ሕክምናታትን ቀረባት ምክንኻንን ንምርግጋጽ ካብቲ ውሳነ ነጻ ንክዀኑ ንመንግስቲ ኣመሪካ ንጽውዕ፡" ኢሉ።

ምምሕዳር ትራምፕ ብወገኑ፡ መድሕን ህይወት ዝዀኑ መድሃኒታትን ኣገልግሎታት ሕክምናን እቲ ውሳነ ከም ዘይምልከቶም ብሰሉስ ኣፍሊጡ።

እንተዀነ እዚ ውሳነ፡ ብፔፕፋርም ይዅን ብዩኤስኤይድ ዝድገፉ ካልኦት ትካላት ኣብ መጻኢኦም እንታይ ከም ዘስዕብ ብሩህ ኣይኰነን።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ እስያ፡ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዘለዉ ሰብመዚ እዚ ትካል'ውን፡ እዚ ውሳነ ንዕማሞም ብኸመይ ከም ዝጸልዎ፣ ስርሖም ብህጹጽ ደው ከብሉ ንዝተመሓላለፈ ውሳነ ዝልውጥ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ግን ንጹር ከም ዘይኰነ ንሮይተርስ ገሊጾም።

ቢቢሲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከብ እቲ ትካልን ብዩኤስኤይድ ናይ ዝድገፉ ትካላት ሰራሕተኛታትን ንምዝርራብ ፈተነ ኣካይዱ'ዩ፣ "ንሳልሳይ ኣካል ዝዀነ ሓበሬታ ከይትህቡ ዝብል መምርሒ ብኢመይል ተላኢኽልና'ዩ፡" ብምባል፡ ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን።

እንተዀነ ሮይተርስ ዘዘራረቦ ኣብ ትግራይ ኣካያዲ ስራሕ ትካል ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ጥዕናን ልምዓትን ኣቶ ይርጋ ገብረእግዚኣብሄር፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ስራሕ እንከይተረፈ ደው ከብሉ እኳ እንተ ተነግሮም፡ እቲ ትእዛዝ ግን ንጹር ከም ዘይኰነ ኣረዲኡ።

እዚ ትካል ካብ ዩኤስኤይድ ብዝረኽቦ ሓገዝ፡ 30 ሽሕ ተጠቀምቲ መግቢ፡ መድሓኒታት ኤችኣይቪን ናይ ህጻናትን ቈልዑን ኣገልግሎት ትምህርቲን ከም ዘቕርብ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

ኣቶ ይርጋ ብምስዓብ፡ ንሰራሕተኛታቶም ናይ ለካቲት መሃያ ምኽፋል ይኽእሉ ድዮም ዝብል'ውን ብሩህ ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ።

ብኻልእ ዜና ድማ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት ዩኤስኤይድ ብዘይ ክፍሊት፡ ዕረፍቲ ክወጽኡ ከም ዝተገበሩ፣ ገለ'ውን ውዕሎም ከም ዝተቋረጸ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ረድኤት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብተፈጥሮኣውን ሰብ-ሰርሖ ሓደጋታትን ሓያሎ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዘጋጥማ ዘሎ ኢትዮጵያ፡ ብቐጥታ ብዩኤስኤይድን ብብዙሓት መሻርኽቱን ኣቢሉ ብዙሕ ሓገዝ ይብርከተላ'ዩ።

ከም ጸብጻብ ዩኤስኤይድ፡ ኣብ ባጀት ዓመት 2022/2023 ጥራሕ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ዝተሓላለኸ ህጹጽ ግዜ ምላሽ ንምሃብ ዝቐረበ ሓደ ቢልየን ዶላር ሓዊሱ፡ ክልተ ቢልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ሓገዝ ሂቡ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ንሕውየት፣ ምንካይ ሓደጋን መጣየስን ልዕሊ 101 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዝገበረ ገሊጹ።

እቲ ትካል ኣብ ሕርሻ፡ መግቢ፡ ጥዕና፡ ፍርያምነት፡ ስነ-መግቢ፡ መጽለሊን ማይን ዝርከብዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንዝዕመሙ ስራሓት ድጋፍ ይገብር።

ካብዚ ብተወሳኺ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ድጋፍ ገንዘብን መግብን ንኽገብር ቀጥታዊ ድጋፍ ሂቡ'ዩ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ምያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍዋስ፡ ዩኤስኤይድ 80 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሰብኣዊ ሓገዛት ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣመሪካ ኣብ ዓለም እታ ዝልዓለ ሰብኣዊ ረድኤት እትህብ ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ኣብ 2023 ጥራይ ንኢትዮጵያ እትርከበን ሓያለ ሃገራት ናይ 72 ቢልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዛት ኣበርኪታ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ፔንሰልቪንያ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዶክተር ኣበባየሁ ንጉሴ፡ እዚ ሓገዝ ምቍራጹ ዋላ ግዝያዊ ይዅን ኣብ ሕክምና፡ ውሕስነት መግቢ ኣብ ምርግጋጽ፡ ብሰብኣዊ ቅልውላው ንዝተጐድኡ ከምኡ'ውን ኣብ ትካላት ትምህርትን ሕርሻን ሓርጐጽጐጽ ምፍጣሩ ከም ዘይተርፎ'ዩ ዝሕብር።

ዩኤስኤይድ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ለበዳታት ኣብ ዘጋጥመሉ ሃገራት፡ ነቲ ለበዳ ኣብ ምልላይን ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ንኽህባን ሰፍ ዘይብል ኣስተዋጽኦ ክገብር ምጽንሑ ዝገለጸ ዶክተር ኣበባየሁ ንጉሴ፡ እቲ ሓገዝ ደው እንተ ኢሉ ብፍላይ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዓቢይ ተጽዕኖ ክፈጥር ከም ዝኽእል ይገልጽ።

"ብፍላይ ብቐጻሊ መድሃኒት ኤችኣይቪ ዝወስዱ ዘለዉ ሰባት ህይወቶም ንሓደጋ ክቃላዕ እዩ፤ እቲ መድሃኒት ኣብ ግዜኡ እንተ ዘይወሲደሞ እቲ ቫይረስ ነቲ መድሃኒት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ [ድራግ ረዚስታንስ] ከጥርን ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።

መርመራ ኤችኣይቪ ዝተኻየደሉ ደም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኻልእ ሸነኽ'ውን፡ ኣመሪካ ነዚ ረድኤት ደው እንተ ኣቢላቶ፡ ምስተን ሃገራት ዝነበራ ርክባት ክሕርፍፍ ከም ዝኽእል ዶክተር ኣበባየሁ ይገልጽ።

"ረድኤት ብነጻ ኣይኰነን ዝወሃብ፡ ጸረ ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ነዚ መዝሚዘን ክጥቀማሉ ይኽእላ'የን፡" ብምባል፡ ኣመሪካ ነቲ ረድኤት ምቍራጻ ኣብ ልዕሊኣ'ውን ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽል ይግምት።

ብፍላይ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ተፈጥሮኣውን ሰብሰርሖ ጸገማትን ዘለወን ሃገራት፡ ውሳነ ትራምፕ ብኸቢድ ክጸልወን ከም ዝኽእል ዶክተር ኣበባየሁ ይጠቅስ።

ዶክተር ኣበባየሁ ነዚ ኣብ ሰለስተ ከፋፊሉ'ዩ ዝምልከቶ፡ ቀዳማይ ኣብ ናይ መግቢ፡ መጽለሊ፡ ማይን ትካላት ጥዕናን ዝፈጥሮ ጽልዋ ክኸውን እንከሎ፡ እዚኦም እንተ ዘይተዋሒሶም ለበዳታት ክኽሰቱ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብል።

እቲ ካልእ፡ ሰራሕተኛታት ዩኤስኤይድ ካብ ስራሕ ደው እንተ ኣቢሎም፡ ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ ስድራኦምን ዘጋጥም ሕጽረታት ክህሉ'ዩ። እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ሰራሕተኛታት እቲ ትካል እንተ ተጸብጺቦም ብዙሓት ከም ዝዀኑ ዶክተር ኣበባየሁ ይጠቅስ።

እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣመሪካ እቲ ዩኤስኤይድ ዝብል ሕላገት (ስም) ንኽትፈጥር ንብዙሕ ዓመታት ሰሪሓትሉ'ያ። እዚ ሕላገት እዚ ከም ዝሃስስ ምግባር ከኣ ኣብ ልዕሊ ስም ኣመሪካ'ውን ኣሉታዊ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል እቲ ምሁር ይሕብር።

ኢትዮጵያ ብዘይ ደገፍ ዩኤስኤይድ እንታይ ትመስል ትኸውን?

ሕቡራት መንግስታት ኣብ 2024 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት፡ ክሊማዊ ለውጥን ውሕስነት ዘይምህላውን ልዕሊ 21 ሚልዮን ካብ ህዝባ ሰብኣዊ ሓገዛት ከም ዘድልዩ ጠቒሱ ነይሩ።

ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ 2023 ዝበዝሓ ደቀንስትዮ ዝርከብኦ ልዕሊ 603 ሽሕ ብኤችኣይቪ ዝተለኸፉ ሰባት ከም ዘለዉ ሓቢሩ ነይሩ።

መልክፍቲ ኤችኣይቪ ምስ ናይ 2022 ብምውድዳር ዋላ'ኳ እንተ ጐደለ፡ ኣብቲ ብግጭት ዝሕመስ ዘሎ ከባቢታት እቲ መልከፍቲ ይዛይድ ከም ዘሎ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ኣሎ።

ዩኤስኤይድ መብዛሕትኡ ግዜ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ምቍጽጻር ኣተኵሮ ከም ዝገብር ዝገለጸ ዶክተር ኣበባየሁ፡ እቲ ረድኤት ደው እንተ ኢሉ ምስፍሕፋሕ እዚ ሕማማት ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣብሪሁ።

ብፍላይ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ፡ ምድላዋት ከይገበራ ዝጸንሓ ሃገራት፡ ምስፍሕፋ እዚ ሕማም ልዑል ክኸውን ከም ዝኽእል'ውን ዶክተር ኣበባየሁ ይግምት።

ዶክተር ኣበባየሁ፡ "እዚ ዓቢ ትምህርቲ'ዩ ዝህበና" ብምባል፡ ሃገራት ዕማመን ኣብ ክንዲ ናብ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ምድርባይ፡ ንውሽጣዊ ዓቕመን ኣብ ምድልዳል ክሰርሓ ኣለወን ብምባል ይመክር።

ምምሕዳር ትራምፕ ንኸም ዩኤስኤይድ ዝኣመሰላ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ደው ከብለን ምውሳኑ፡ ሃገራት ድልዋት ኰይነን ስለ ዘይጸንሓ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ከም ዝግባእ'ውን ዶክተር ኣበባየሁ ይምሕጸን።

ዩኤስኣይድ ዝብል ጽሑፍ ዝተለጠፎ መትሓዚ መድሃኒት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images