ኢትዮጵያ፡ ብዩኤስኤይድ ዝድገፋ ሲቪል ማሕበራት ንብረትን ገንዘብን ከየመሓላልፋ ተኸልኪለን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤጀንሲ ሲቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያ፡ ካብ ዓለማዊ ረድኤት መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ሓገዝ ዝረኽባ ሲቪል ማሕበራት ብዘይ "ግልፂ ፍቓድ" ሰብመዚ፡ ንብረትን ገንዘብን ከየመሓላልፋ ወይ ከይሸጣ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ልዕሊ ነዚ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ዝብላ ሲቪላዊ ማሕበራት ስጕምቲ ከም ዝውሰድ'ውን እቲ ኤጀንሲ ኣጠንቂቑ።
ሲቪላዊ ማሕበራት ናይ ምክትታልን ምቁፅፃርን ስልጣን ዘለዎ ተቖጻጻሪ ቤት ጽሕፈት፡ ነዚ ህፁፅ መጠንቀቕታ ትማሊ ሰሉስ 27 ጥሪ 2017 ዓ.ም [ግ] እዩ ኣውፂኡ።
መግለጺ እቲ በዓል ስልጣን ንኤጀንሲ ዓለማዊ ልምዓት ኣመሪካ ዝወሃብ ሓገዝ ደው ናይ ምባል ውሳነ ስዒቡ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስልጣን ዝሓዘ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ዘውጽኦ ሓድሽ ትእዛዝ፡ ዩኤስኤይድ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝን ድጋፍን ደው ኣቢልዎ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ነቲ ትካል ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ክገብሮ መደብ ከም ዘለዎ'ውን ተገሊጹ'ሎ።
ኣመሪካ ኣብ በጀት ዓመት 2023 ጥራሕ፡ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ሃገራት 72 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪታ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ዩኤስኣይድ ካብ 2020 ጀሚሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ጽልዋታት ግጭትን ለውጢ ክሊማን ምላሽ ንምሃብ 3.6 ቢልዮን ብር ዝግመት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣበርኪቱ።
ካብቶም ብዙሓት ኣብ ድሕረ-ኲናት ዝሰርሑ በቲ ኤጀንሲ ዝድገፉ ሲቪል ማሕበራት ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ይርከቡዎም።
እቲ ትካል፤ ሃገራዊ ስርዓተ ጥዕና ኢትዮጵያ ንምጥንኻር'ውን ዓመታዊ 154 ሚልዮን ዶላር ድጋፍ ከም ዝገብር ካብቲ በዓል-መዚ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
በዓል መዚ ሲቪላዊ ማሕበራት ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ውሳነ ሓገዝ ደው ናይ ምባል ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከም ዝተወሰነ" ከም ዝርዳእ ገሊጹ።
እቲ በዓል ስልጣን፡ እቲ ትካል ዝገብሮ ዝነበረ ሓገዝ ንምቁራጽ ዝተወሰነ ውሳነ "ብቐረባ ይከታተሎ" ከም ዘሎን ኣድላይ ዝበሃል ክትትል ከም ዝገብርን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ይኹን እምበር፡ እቲ በዓል ስልጣን፤ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ USAID ደገፍ ዝረኽባ ሲቪላዊ ማሕበራት ነዚ ውሳነ ስዒቡ ኣብ ንብረቶምን ገንዘቦምን ዝኾነ ለውጢ ዋንነት ከይገብሩ መጠንቀቕታ ሂብዎም ኣሎ።
"ብዘይካ ምስ ስሩዕ ንጥፈታት ፕሮጀክት ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት፡ ብዝዀነ ይኹን መንገዲ ናብ ሳልሳይ ወገን ዝግበር ምትሕልላፍ ሃፍትን ገንዘብን ክልኩል ምዃኑ ብትሪ ክነፍልጥ ንደሊ" ክብል ገደብ ከም ዘንበረ ኣፍሊጡ።
ምኽንያት ናይዚ ውሳነ ካብ'ቲ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ፡ ሓበሬታ ንምርካብ ቢቢሲ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ ንዓለማዊ ትካል ልምዓት USAID ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንምውህሃድ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ሰራሕተኛታቱ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዋሽንግተን ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት እቲ ትካል ከይኣትዉ ክኽልከሉ ተራእዮም።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ግዝያዊ ዳይረክተር ኤጀንሲ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ምዃኑ ገሊጹ።
ኣባላት ባይቶ ዲሞክራትስ ነዚ ስጉምቲ ንድኻታትን ሃገራዊ ረብሓ እታ ሃገርን ዝጎድእን ዓለማዊ ጽልዋ ኣመሪካ ዘዳኽምን እዩ ብምባል "ዘይሕጋዊ፡ ዘይ- ሕገ መንግስታዊን" ክብሉ ኰኒኖም።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ኣማኻሪኡ በዓል-ሃብቲ ኢለን ማስክን ነቲ ትካል ብትሪ ዝነቕፉ እዮም።
ፕረዚደንት ትራምፕ ብሰኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ትካል ብ"ኣኽረርቲ ጸጋማውያን" ይምራሕ ከም ዘሎን ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል "ሰፊሕ ምትላል" ይፍጽም ከም ዘሎ'ውን ከሲሱ።
እቲ ፕረዚደንት ግን ኣስማት ይኹን ዝርዝር ሓበሬታ ወይ ድማ መርተዖ ኣይጠቐሰን።
እቲ ኤጀንሲ ልምዓት፡ ኣብ 1961 ብፕረዚደንት ጆን ኤፍ ኬነዲ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ።
ካብቲ 68 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ዓለማዊ ሓገዝ ኣመሪካ፡ ዩኤኣይድ 40 ቢልዮን ዶላር ባጀት ዝሕዝ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







