ሩስያ ንዩክረይን ብዝተናውሐ ውግእ 'ከተዳኽማ' መደብ ኣለዋ - ዘለንስኪ

ፕረዚደንት ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ሩስያ ንዩክረይን ሞራላ ንምውራድ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወፍሪ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከተካይድ መደብ ከምዘለዋ ገሊጹ።

ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሞስኮ ነቲ መጥቃዕቲ ብኢራን-ስራሕ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ 'ሸሂድ' ተጠቒማ ክትፍጽሞ ምዃና ዝሕብር ጸብጻባት ስለያ ከምዝበጽሖ ገሊጹ።

እዚ ዝተበሃለ፡ ዩክረይን ኣብ ዞባ ዶንባስ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ሩስያ ኣርጊፉ ዝበለቶ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ'ዩ።

ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ ክሳራታት ከምዘጋጠመ ኣዝዩ ሳሕቲ ኣብ ዝሃበቶ ምእማን፡ እቲ መጥቃዕቲ 63 ሰራዊታ ከምዝቐተለ ገሊጻ።

ሚስተር ዘለንስኪ፡ ካብ ኪቭ ብለይቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ንዩክረይን ብነዊሕ ማዕበል መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ "ከተዳኽማ" መደብ ከምዘለዋ ገሊጹ።

"እዚ ዕላማ ኣሸበርቲ ከም ኵሎም ካልኦት ክፈሽል ምዃኑ ከነረጋግጽ ኣለና - ነዚ ድማ ኵሉ ክንገብር ኢና" ኢሉ።

"ሕጂ ኵሉ ኣብ ምክልኻል ሰማይ ዝነጥፍ ሰብ ብፍላይ ትዅረት ክገብረሉ ዝግባእ እዋን'ዩ።"

ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተካይዶ ዝነበረት መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝወሰኸ ይመስል።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ለይቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ከተማታትን መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን መጥቃዕቲ ፈጺማ።

ሚስተር ዘለንስኪ፡ ምክልኻል ኣየር ዩክረይን ልዕሊ 80 ኢራን-ስራሕ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘውደቐን ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት ሓድሽ ዓመት 2023 ገሊጹ።

ሩስያ ንሓያሎ ኣዋርሕ ንመሰረተ ልምዓት ጸዓት ዩክረይን ዒላማ ብምግባር፡ መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምዕናው፡ ሚልዮናት ኣብ ጸልማትን ኣብታ ሃገር ኣብ ዘሎ ቁሪ ክረምቲ ክጥሕሉን ገይራ'ያ።

ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ዩክረይን ኣብቲ ኣቐዲማ 400 ወተሃደራት ሩስያ ከምዝቐተለ ዝገለጸቶ ዝተጐብጠ ዞባ ዶነስክ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ኣረጋጊጻ።

ሰበስልጣን ሩስያ ነቲ ኣሃዝ ብምቅዋም 63 ወተሃደራት ጥራይ ከምዝሞቱ ገሊጾም።

ክልቲኡ ክሲ ኣይተረጋገጸን፡ ናብቲ ከባቢ ንምእታው ድማ ተገዲቡ ኣሎ።

ኣብቲ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዩክረይን ኣብ ከተማ ማኪቭካ ሓይልታት ሩስያ ዓስኪሮምሉ ዝነበሩ ህንጻ ከምዝሃረመ ተገሊጹ።

ሞስኮ፡ ዝዀነ ይዅን ክሳራታት ዓውደ ውግእ ከተረጋግጽ ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ።

ኣሰናዳኢ ሩስያ ቢቢሲ ስቲቭ ሮዘንበርግ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቀታሊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ፡ ስቕ ምባል ምናልባት ኣማራጺ ኣይነበረን ይብል።

እቲ ኲናት ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ሞስኮ ኣብ ሓደ ፍጻመ ኣፍልጦ ዝሃበትሉ ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት እዩ።

ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ዝተረኽበ ምስሊ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክሬን ዝተለጠፈ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, TELEGRAM: HOREVICA / ZSU STRATCOM

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣሜሪካ-ስራሕ ስርዓተ ሮኬት 'ሂማርስ' ተጠቒሞም ሽዱሽተ ሮኬታት ናብ ሓደ ወተሃደራት ሩስያ ዝነብረሉ ህንጻ ከምዝተኮሱ ሓቢሩ። ክልተ ካብኣቶም ተወቒዖም ከምዝወደቝ ወሲኹ ሓቢሩ።

ንሩስያ ዝድግፍ ወሃቢ ርእይቶ ኢጎር ጊርኪን ኣቐዲሙ፡ ኣማኢት ሰባት ከምዝተቐተሉን ከምዝቘሰሉን'ኳ እንተገለጸ፡ ብሰንኪ እቲ ገና ዝጠፍአ ብዝሒ ቍጽሪ ግን ትኽክለኛ ቍጽሮም ኣይተነጸረን።

እቲ ህንጻ ንባዕሉ "ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ እቶም ግዳያት ብቐንዱ ግዱዳት ወተሃደራት - ማለት ኣብ ቀረባ እዋን ወተሃደራት ዝዀኑ ሰባት እምበር እቶም ክዋግኡ ዝመረጹ ከምዘይኰኑ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ተተኮስቲ ምስቶም ወተሃደራት ኣብ ሓደ ህንጻ ከምዝተዓቀበን እቲ ጉድኣት ዝገደደ ከምዝገበሮን ገሊጹ።

"ዳርጋ ኵሉ እቲ ወተሃደራዊ መሳርሒታት'ውን ዓንዩ፡ እዚ ድማ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ምትላል ልክዕ ኣብ ጐድኒ እቲ ህንጻ ደው ኢሉ ነይሩ" ክብል ኣብ ቴሌግራም ጽሒፉ።

ጊርኪን ፍሉጥ ወተሃደራዊ ብሎገር ኰይኑ፡ ብሩስያ ዝድገፉ ተገንጸልቲ ኣብ 2014 ሰፊሕ ክፋል ምብራቓዊ ዩክረይን ክሕዙ ከለዉ መሪሑ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምውዳቕ ነፋሪት MH17 ብዝነበሮ ተራ ብቕትለት ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።

ዋላ'ኳ ንኲናት ዘሰጕም መርገጺ እንተሃለዎ፡ ንወተሃደራዊ መሪሕነት ሩስያን ሜላታቶምን ብቐጻሊ ይነቅፍ።

ሓያሎ ኣባላት ባይቶ ሩስያ’ውን ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ንወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣትሪሮም ብምንቃፍ፡ ወተሃደራት ኣብ ርሕቀት ሮኬታት ዩክረይን ኣብ ዝርከብ ዘይተሓለወ ህንጻ ክእከቡ ብምፍቃዶም፡ ኣዘዝቲ ክሕተቱ ኣለዎም ኢሎም።

ሰርገይ ሚሮኖቭ - ኣቦ መንበር ሰኔት ሩስያ ነበር - ስለያ ይዅን ምክልኻል ኣየር ብግቡእ ካብ ዘይምስራሕ ዝሰዓበ ምዃኑ ርዱእ እዩ ኢሉ።

ብመሰረት ሰራዊት ዩክረይን ኣቐዲሙ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዘይካ’ቶም ዝሞቱ 400 ዝግመቱ፡ 300 ሰባት ቆሲሎም እዮም።

ሰራዊት ዩክረይን፡ ዳርጋ መዓልታዊ፡ ኣብ መጥቃዕቲ ዓሰርተታት፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣማኢት ወተሃደራት ከም ዝቐተለ ይገልጽ።

ድሒሩ ካብ ኢታማጆር-ሹም ዩክረይን ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ፡ "ክሳብ 10 ኣሃዱታት ወተሃደራዊ መሳርሒታት ጸላኢ፤ ዓንዩን ተሃስዩን። ከምኡ'ውን ክሳራ ኣባላት ጐበጥቲ ይግለጽ ኣሎ" ኢሉ።

ዩክረይን እቲ መጥቃዕቲ ብሚሳይላት 'ሂማርስ' ከምዝተፈጸመ ኣየረጋገጸትን፣ ብዛዕባ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዝርዝር ሓበሬታ ንኸይትዝርግሕ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ስትራተጂ ዓቂባ ኣላ።