ዩክረይን ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኣማኢት ወተሃደራት ሩስያ ከምዝቐተለት ገሊጻ

ብሚሳይል ዩክረይን መጥቃዕቲ በፂሕዎ ዝተብሃለ ቦታ

ምንጪ ስእሊ, TELEGRAM: HOREVICA / ZSU STRATCOM

መግለጺ ስእሊ, ብሚሳይል ዩክረይን መጥቃዕቲ በፂሕዎ ዝተብሃለ ቦታ

ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ወራር ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ዶነስክ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል 400 ወተሃደራት ሩስያ ከምዝቐተለት ኣፍሊጣ።

እቲ ሚሳይል፡ ኣብ ከተማ ማኪቭካ ዝርከብ ወተሃደራት ሩስያ ዓስኪሮምሉ ንዝተብሃለ ህንፃ እዩ ዒላማ ገይሩ።

ንሩስያ ዝድግፉ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ዋላ’ኳ ኣብቲ ከባቢ በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ከም ዝበፅሐ እንተገለፁ፤ ነቲ ዝተገለፀ ኣሃዝ ግና ኣየረጋገፁን።

ሩስያ ትፍፅሞ ዘላ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ዝቐፀለ ኰይኑ፡ ትማሊ ምሸት እውን ኣብ ከተማ ኪቭ መጠንቀቕታ ደብዳብ ኣየር ይስማዕ ነይሩ።

ብሩስያ ዝድገፍ ላዕለዋይ በዓልመዚ ዶነትስክ ዳኒል ቤዝሶኖቭ፡ ሓድሽ ዓመት ካብ ዝኣተወሉ ፍርቂ ለይቲ ድሕሪ ክልተ ደቓይቕ ጀሚሩ፡ ከተማ ማኪቭታ ብሚሳይል ከምዝተውቐዐት ብምግላፅ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ከምዘለዉ ሓቢሩ። ቁፅሪ እቲ ጉድኣት ግና ኣይገለፀን።

ሩስያውያን ወሃብቲ ርኢቶ’ውን እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ እኳ እንተገለፁ፡ ቁፅሪ ናይ ዝሞተ ግና ካብቲ ብዩክረይን ዝተገለፀ ዝነኣሰ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

ሰራዊት ዩክረይን ካብቶም ዝተቐተሉ 400 ሩስያውያን ወተሃደራት ብተወሳኺ፡ ካልኦት 300 ከምዝቖሰሉ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓልመዚ ዶነትስክ ከምዝገለፆ፡ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 25 ሮኬታት ናብ ከተማ ማኪቫካ ተወንጪፎም።

ናብ ከተማ ማኪቫካ ዝተወንጨፉ ሚሳይላት ስዒቡ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ከተማ ኪቭ ብሚሳይላትን ድሮንን ሩስያ ተደብዲባ። እዚ ደብዳብ ንመሰረተ ልምዓታት እታ ከተማ ዒላማ ከምዝገበረ ድማ ተገሊፁ።

 ሰብመዚ ዩክረይን ከምዝበልዎ፡ ኣብተን ካብ ሩስያ ዝተወንጨፋ ድሮናት ስብርባር ብቋንቋ ሩስያ ዝተፅሓፈ ‘ሰናይ ሓድሽ ዓመት’ ዝብል ፅሑፍ ነይርዎ

ምንጪ ስእሊ, ANDRIY NEBYTOV, KYIV OBLAST POLICE CHIEF

መግለጺ ስእሊ, ሰብመዚ ዩክረይን ከምዝበልዎ፡ ኣብተን ካብ ሩስያ ዝተወንጨፋ ድሮናት ስብርባር ብቋንቋ ሩስያ ዝተፅሓፈ ‘ሰናይ ሓድሽ ዓመት’ ዝብል ፅሑፍ ነይርዎ

ፕረዝደንት ዩክረይን፡ ሓድሽ ዓመት 2023 ንሃገሩ ዓወትን ናብ ንቡር ሂወት ምምላስን ተመንዩ ብዙሕ እንከይፀንሐ እዩ ኣብ ልዕሊ ኪቭ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ።

ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ ንሓድሽ ዓመት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ሉኣላውነትን ነፃነትን ሃገሩ ንምኽባር ከምዝቃለስ ተዛሪቡ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ኪቭ፡ ቅድሚ እዚ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ፡ ብመገዲ ቴሌግራም መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ’ዩ።

ወተሃደራዊ መራሒ እታ ከተማ ሲርሂ ፖፕኮ፡ ነበርቲ ንደሕንነቶም ኣብ ዘተኣማምኑ ውሑስ ቦታታት ክፀንሑ ኣጠንቂቑ።

ሩስያ፡ ንመሰረተ ልምዓታት ዩክረይን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ምፍፃም ካብ ትጅምር ኣዋርሕ ተቖፂሮም ኣለዉ። ህዝቢ እውን ኣብ ፀልማትን ቀዝሕን ክነብር ተገዲዱ ኣሎ።