ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሃገራዊ ፈተና ከይተወሃበ ተሪፉ

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ትማሊ ሰኑይ 10 መስከረም 2022 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ መሰጋገሪ ድልድል ሃገራዊ ፈተና ከምዘይተወሃበ፡ ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ርክባት ወፃኢን ኮሚኒኬሽንን እቲ ዩኒቨርስቲ ዶ/ር እመቤት በቀለ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ንሳ ከምዝበለቶ፡ ካብ ዋና ቀፅሪ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ናብ ቀፅሪ ቴክኖሎጂ [ቴክኖሎጂ ካምፓስ ብዝብል ዝፍለጥ] ዝወስድ መራኸቢ ድልድል ፈሪሱ ሓደ ተማሃራይ ክመውት እንከሎ ሰለስተ ተምሃሮ ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም።
"ተማሃሮን ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ሰንቢዶም ዕግርግር ተፈጢሩ ስለዝነበረ ብፍላይ ኣብቲ ዋና ቀፅሪ ፈተና ክነቐፅል ኣይከኣልናን። እቶም ኣብ ዋና ቀፅሪ ዝፍተኑ ተማሃሮ ብስንባደ ናብ ደገ ስለዝወጹ ሎሚ ፈተና ኣይተኻየደን። ኣብ ቀፅሪ ቴክኖሎጂ ግን እቲ ፈተና ድሕሪ ቀትሪ ተዋሂቡ'ሎ" ኢላ።
እቶም ብስንባደ ካብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ወጺኦም ዝነበሩ ተምሃሮ ይምለሱ ምህላዎም ብምሕባር “ኣብዚ እዋን ነገራት ሃዲኦም አለዉ። ንናይ ፅባሕ ፈተና ምእንቲ ክዳለዉ እውን ሓበሬታ ንህብ ኣለና” ክትብል ኣረዲኣ።
ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖም ሰለስተ ተምሃሮ ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከቡን፡ 90 ሚኢታዊ ካብቶም መጉዳእቲ ዝበፅሖም ተምሃሮ ቀሊል ከምዝኾነን ዶክተር እመቤት ወሲኻ ሓቢራ።
እቶም ዝተጎድኡ ተምሃሮ ከከም መጠን መጉዳእቶም ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል እቲ ዩኒቨርስቲን ካልኦት ሆስፒታላትን ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።
“እቶም ኣዝዩ ቀሊል መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ቀዳማይ ረድኤት ተዋሂብዎም ናብቲ ቀጽሪ ተመሊሶም ኣለዉ። እቲ ፈተና ካብተን 7 ቀፅርታት ኣብ ሓሙሽተ ብሰላም ክካየድ ውዒሉ ኣሎ” ኢላ ዶክተር እመቤት።
ኣስታት 400 ተምሃሮ፡ በቲ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ጥቕሚ ዝጸንሐ ድልድል ኣቢሎም ካብ ዋና ቀጽሪ ናብ ቀፅሪ ቴክኖሎጂ ይሰግሩ ኣብ ዝነበሩሉ ሰዓት’ዩ ፈሪሱ።
“ዝሰግሩ ዝነበሩ ልዕሊ 400 ተምሃሮ እዮም ነይሮም። እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ እቶም ተምሃሮ ካብቲ ድልድል ክጻወሮ ዝኽእል ንላዕሊ ስለዝነበሩ እዩ” ክትብል ኣረዲኣ።
እቲ ድልድል ምስ ፈረሰ ድማ ብሓፂን ተወቒዖም ኣካላቶም ዝተሰበሩ ከምዘለዉ ብምዝኽኻር እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ድማ ኣብ ርእሲ ዘጋጠመ መውቃዕቲ ከምዝኾነ ገሊፃ።
ብምኽንያት ዕግርግር ኣብ ዋና ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፈተና ዘይወሰዱ ተምሃሮ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ፈተና ምውሳድ ክቕፅሉ ምዃኖም ይእመን።
ብዛዕባ’ቲ ዝሓለፎም ፈተና ግን ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርትን ሃገራዊ ምድላው ፈተናን ይዘራረብ ከምዘሎ ሓቢራ።
“ፈተና ክወስዱ ንዘይክእሉ ተምሃሮ ኣቐዲሙ ዝተቐመጠ መስርሕ ነይሩ እዩ። እቶም ተምሃሮ ኣብ ሃዋሳናን ከባቢኣን ስለዘለዉ ካብ ስንባደኦም ተመሊሶም ዝተረፈ ፈተና ክወስዱ እዮም ኢልና ንሓስብ” ኢላ።
ካብ ትማሊ 30 መስከረም 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ኣብ 131 ማእኸላት ዝወሃብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ፡ 984 ሽሕ ተምሃሮ ከምዝወስድዎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘጋጠም ዝነበረ ስርቂ ፈተና ንምክልኻል ብዝብል፡ ቅድሚ ሎሚ ብዘይተለመደ ኩነታት፡ ተምሃሮ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ናይ 12 ክፍሊ መዛዘሚ ፈተና ክወስዱ ይግበር ምህላዉ ይፍለጥ።
እቶም ተምሃሮ ፈተና ክሳብ ዝውድኡ ኣብተን ዩኒቨርስቲታት ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን መጓዓዝያኦምን መግቦምን ብመንግስቲ ከምዝሽፈን ይግለፅ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







